ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ጀመሊን፥ ታሪኻዊ ማእስር ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ጀመሊን፥ ታሪኻዊ ማእስር 

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ጀመሊን፥ ታሪኻዊ ማእስር

ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ጀመሊን ዝነበረ ማእስር ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ካሮል ዎይትይላን ድሕሪኡ እውን እዚዩ ዝተጋህደን ታሪኽ እዩ። ታሪኽ እቲ ብሉጽ ቤት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መንበረ ጥበብ ኣጐስጢኖ ጀመሊ ጥንታዊ መበቈል ዘለዎ ክፍሊ መጽናዕቲ ሕክምና ኣብ 1961 ዓ.ም. ብዮሓንስ መበል 23 ዝተመረቐ ኣብቲ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ዅድዅዶ ሞንተ ማርዮ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይ ኣብ 1934 ዓ.ም. ኣብ ዘወፈይዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ንሕክምና ዝኣተዉ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. እዮም። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ፍርቂ መዓልቲ ሰንበት ዕለት 13 ጥቅምቲ 1996 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ንቤት ሕክምና ጀመሊ “ሳልሳይ ሃገረ ቫቲካን” እንክብሉ ሰምዮም፥ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝተገብረሎም ክንክንን ዝተወሃቦም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣቀባብላን እንገዳን ንዅሎም ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝዓዩ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ኣባላት ቤት ምሕደራን ካብ ዝተሓተን ክሳብ ዝላዓለ ሓልፍነት ዘለዉ ሰራሕተይናታት ኵሎም አመስግን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንፈለማ ግዜ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝተፈጸመ ናይ ቅትለት መጥቓዕቲ ምኽንያት ብቕጽበት ናብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምእተወስዱን ድሕሪኡ እውን ኣብ 1996 ዓ.ም. ናብቲ ቤት ሕክምና ከምእተመልሱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ 1981 ዓ.ም. ክሳዕ 2005 ዓ.ም. ዓሰርተ ሳዕ ንሕክምና ሰለስተ ሳዕ ንሓውጾተ ኖልዎ ኣብቲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ከምዝኸዱን፡ ኣብ 1984 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት መስራቲ ካቶሊካዊ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ መንበረ ጥበብ ሕክምና ኣብ ሚላኖ ኣባ ኣጐስቲኖ ጀመሊ ምኽንያት ኣብቲ ብስሞም ዝጽዋዕ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምና ምብጻሕ ከምዘካየዱን ኣብ 1988 ዓ.ም. እውን ነቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ጀመሊ ዝተሰርሐ ናይ ጽዕቕ ሕክምና ልቢ ማእከል ከምዝባረኹን ኣብ ናይ 2000ን 2001 ዓ.ም. ናይቲ መንበረ ጥበብ ሕክምና ጀመሊ ሮማ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ኣብቲ ናይቲ መንበር ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ታሪኽ

ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ጀመሊን ዝነበረ ማእስር ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ካሮል ዎይትይላን ድሕሪኡ እውን እዚዩ ዝተጋህደን ታሪኽ እዩ። ታሪኽ እቲ ብሉጽ ቤት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መንበረ ጥበብ ኣጐስጢኖ ጀመሊ ጥንታዊ መበቈል ዘለዎ ክፍሊ መጽናዕቲ ሕክምና ኣብ 1961 ዓ.ም. ብዮሓንስ መበል 23 ዝተመረቐ ኣብቲ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ዅድዅዶ ሞንተ ማርዮ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓስራይ ኣብ 1934 ዓ.ም. ኣብ ዘወፈይዎ 37 ሄክታር መሬት ዝተሓንጸ እዩ።  ብዮሓንስ መበል 23 ምስ ተመረቐ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንፈለማ ግዜ ህሙማን ከእንግድ ከምዝጀመረን ጳውሎስ ሻድሻይን በነዲክቶስ መበል 16 እውን ኣብቲ ቤት ሕክምና ምብጻሕ ከምዘካየዱ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 17 ሰነ 1976 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ - ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ቅርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት እውን፥ “እዚ ዕርዲ መጽናዕቲ ስነ ጥዕናን ናይ ሕክናዊ ስለ ፍለጠትን ግቡእ ክንክንን ናይ ተስፋ ትርጉም ናይ ምቕራብ ተመክሮ ዘካፍልን ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ስቓይ ንምክንኻን ንስቓይ ደቅሰብ ዝግደስን ስቓይ ደቅሰብ ዘእንግድን ስቓይ ዝፍውስን እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጽዎ የዘኻኽር።

በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ተሓርዩ ምስ ናይ ጀመሊ መንበረ ጥበብ ሕክምና መምሃራንን ተመሃሮን ሰራሕተይናታትን ከምእተራኸቡን ሓዎም የኔታ ኣባ ጊዮርግ ራትዚንገር እውን ኣብቲ ቤት ሕክምና ከምእተሓከሙን ር.ሊ.ጳ. ራትዚንገር - በነዲክቶስ መበል 16 ናይቲ መንበረ ጥበብ ሕክምና 2005 – 2006 ዓ.ም. ናይ ትምህርቲ ዓመት መሪቖም ንኸበግሱ ኣብቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ኣዳራሽ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ እውን ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ይዝክር።

ኣብዚ እዋን እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሕክምና ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝኣተዉ ካልኣይ ር.ሊ.ጳ. እዮም። ኣብቲ ቤት ሕክምና ኣብ ዘሎ ኣብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝኣትውሉ ኣብ ዝነበረ ዓስራይ ደርቢ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ከምዝርከቡን ኣብ መንጐ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤት ሕክምና ጀመሊን ዘሎ ማእስር ዝምስክር ብኢጣሊያዊ ናይ ሓወልቲ ቀራጺ ጥበበይና ስተፋኖ ፔሮቲ ዝተቐርጸ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሓወልቲ ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቤት ሕክምና ጀመሊ ዝቖመ ዝምስክሮ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

08 July 2021, 17:44