ብሓባር ምስ ፍራንቸስኮ ጸሎ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሊባኖስ ብሓባር ምስ ፍራንቸስኮ ጸሎ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሊባኖስ 

ብሓባር ምስ ፍራንቸስኮ ጸሎ ምእንቲ ሰላም ኣብ ሊባኖስ

ዕለት ሓደ ሓምለ ምስቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ቀንዲ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገር ቫቲካን ክራኸብን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ንምስትንታን ከምኡ እውን ሰላምን ርግኣትን ንክትረክብ ብሓባር ክጽሊ እየ

ምስ ወከልቲ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ቄድሮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ንምስትንታን ሰላምን ርግኣትን ክወርድ ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጸሎት ኣዕሪጎም። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነዛ ፍቕርቲ ሃገር እግዚኣብሔር ሰላምን ርግኣት ክጽግዋ ደጋጊሞም ጸሎት ልመና ብዘቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድላይ ዝተሰናደወ ምእንቲ ሊባኖስ መደብ ኣስተንትኖን ጸሎትን ተኻይዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳማይ ሚኒ. ሓሳብ ዲኣብ ድሕሪ እቲ ዕለት 4 ነሓሰ ኣብ ወደብ በይሩት ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓውን ዕንወትን ምኽንያት ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ካብ ዝለቍ፡ ሊባኖስ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ብዘይ መንግስቲ እያ ዘላ። ዕለት 1 ሓምለ ኣብታ ብሰንኪ ከቢድ ቍጠባን ገንዘባውን ቅልውላው እትሳቕ ኣብ ዘላ ሃገር ናይ ተስፋ ጩራ ክኹላዕ ምእንቲ ሊባኖስ ኵለን ኣብ ምድሪ ቄድሮስ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎት ሰሚረን።

ልዕሊ ፍርቂ ዝግመት ህዝቢ ሊባኖስ ትሕቲ ድኽነት እዩ ዝነብር። መብዛሕቲም ከኣ ዕለታዊ ናብራ ናይ ምግጣም ኤኮኖሚያዊ ዓቕሞም እናንቆልቆለ ክኸይድ እዩ ዝርአ ዘሎ። ብመሰረት ገምጋም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 2020 ዓ.ም. ብዝሒ ድኻታት ናብ 55 ሚእታውን ብዝሒ ናይቶ ኣብ ክቱር ድኽነት ዝርከቡ እውን ካብ 8 ሚእታዊ ናብ 23 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብመሰረት ዓለም ሓቆፍ መርሓ ግብሪ መግቢ ገምጋም እውን 41 ሚእታዊ ሕዝቢ እታ ሃገር መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ዘጸግሞ እዩ። ብመሰረት ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ጸብጻብ እቲ ሓፈሻዊ ዜቤታዊ ፍርያት ኣብ 2021 ዓ.ም. መወዳእታ ብ 9.5 ሚእታዊ ክንክይ ዝብል ግምት ከምዘሎ የመላኽት። መጠን ስእነት ስራሕ ኣጸቡቑ ወሲኹን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ከኣ ንማእከላይ ደርቢ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብኸቢድ ይጸልዎ ኣሎ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 ሰነ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነዛ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስቓይ እትርከብ መሬት ቄድሮስ “ካብቲ እተሕልፎ ዘላ ከቢድ ቅልውላው ተንሲኣ ንዓለም ሰላምን ተስፋን ከም ብሓድሽ ከተርእይ” ንኽንጽሊ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዕለት ሓደ ሓምለ ምስቶም ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ቀንዲ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሃገር ቫቲካን ክራኸብን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት ንምስትንታን ከምኡ እውን ሰላምን ርግኣትን ንክትረክብ ብሓባር ክጽሊ እየ፥ እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ እውን ነታ ቅድስተ ማርያም እመ ኣምላክ ዘሃሪሳ ኣማላድነት ሕድሪ እህብ። ካብዛ ህሞት እዚኣ ኸኣ ነዚ ፍጻሜ እዚ ንምድላው ብሓድነት ብምጽላይ ነታ ፍቕርቲ ሃገር ዝያዳ ህድኣት ዘለዎ መጻኢ ክትጽገው መታን ብጸሎት ክትሓብሩ ሓደራ

ቢሎም ኩሉ ኣብቲ ጸሎት ኣብ ዘዘለሉን ከከም ሃይማኖቱን ክሓባር ሓደራ ከምዝበሉ የዘኻኽር።

ናይ ምርኻብን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ብዙሕነትን መሬት

ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣቡናት ሊባኖስ ኣብ ፍጻሜ ዘካየድዎ ሲኖዶስ ማሮናዊት ቤተ ክርስቲያን ዝገለጽዎ፥ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ዘጨንቕ ኵነታት እነስተንትነሉ መዓልቲ ንመንነት ሃገር ቄድሮስ “ንብዙሕነት ዘኽብር ኣርኣያ ናጽነት ደሞክራስን ከምኡ እውን ክርስቲያንን ኣስላምን ብሓባር ዝነብሩላ” ብፍሉይ እንዝክረሉን እዚ ኸኣ ምስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኣብ በዓል ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ኣብ ዝድህስስ ቃሎም ሊባኖስ ዘኪሮም፥

እቲ ኣብ ጽንኩርን ስግኣትን ዝርከብ ሕዝቢ ሊባኖስ ምጽንናዕ ናይቲ ሞት ስዒሩ ናይ ዝተንስአ ጐይታ ክረክብን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እውን ኣብታ ሃገር ንናይታ ሃገር ናይ ምርኻብን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ብዙሕነታን ዝድግፍ ይኹን

ከምዝበሉ ዜና ቫቲኣካን የዘኻኽር።

መብጽዓ ሓዋርያዊ ጒዕዞ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “መልእኽቲ” እንክብሉ ንዝገለጽዋ ሃገረ ሊባኖስ ዓለም ኣቃልቦ ክገብር ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መባእታ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ መገሻ የካይዱ ይኾኑ። እዚ እውን ባዕሎም ናብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ናብ ዒራቕ ብሊባኖስ ኣቢሎም ክሓልፉ ዕድመ ተገይሩሎም ከምዝነበረ ሓቢሮም ከምዝነበሩን፡ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ዘለዎም ድላይ ዓቢይ ምዃኑ ባዕሎም ዝገለጽዎ እዩ። እዚ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት መባእታ ክውን ክኸውን ናይ ኵሉ ተስፋ እዩ፡ እቲ መደብ ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ሃገር መንግስቲ ንምቛም ዝተኣትወ መብጽዓ ትጽቢት ዝገበረ እውን እዩ።

ሊባኖስ መንነታ ትዓቅብ

ርግኣት ሊባኖስ ንምድንፋዕ ‘ሃገራዊ ኮነ ዓለም ለኻዊ ቃል ኪዳን’ የድሊ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ዕለት 8 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝገለጽዎ  ክኸውን እንከሎ፡ “ሊባኖስ ውሽጣዊ ቅልውላው የጋጥማ ከምዘሎን መንነታ እንተ ኣጥፊኣ ኣብ ከባቢያዊ ውጥረት ከተብል ምዃኑ ንጹር እዩ፥ ስለዚ ሰላም ሊባኖስ ካብ መንነታ ምዕቃብ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ከቢድ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ኣብ ስቓይ ንእትርከብ ሃገረ ሊባኖስ ናይ ተስፋ ብርሃን መታን ክኹላዕ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባዝሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪጽልያን ከምኡ እውን ናይ ሓባር መደብ ዘተ ምእንቲ ሊባኖስ ከሳልጣን ዘቕረብዎ መንፈሳውን ባህላውን መደብ ሎሚ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ መሬት ቄድሮስ ብሓባር ከምእተፈጸመ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

01 July 2021, 15:53