ር.ሊ.ጳ. ምስ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ

ኣብ ፊት ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ኵሉን ኵሎም ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ ቄድሮስ ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ኣብ ሊባኖስ ሰላሙ ከውርድ ከምዝጸለዩን፡ ፍራንቸስኮን ፓትሪያርካትን በቲ ናብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኑዛዜ እምነት ብዝመርሕ መዳይቦ ወሪዶም ኣብ ፊት እቲ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ መራሕቲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ቄድሮስ ኣብ ሊባኖስ ሰላም ክወርድ ብመንፈስ ሱታፌን ሕውነትን ብሓባር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከምእተሳተፉን። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ነዛ ፍቕርቲ ሃገር እግዚኣብሔር ሰላምን ርግኣት ክጽግዋ ደጋጊሞም ጸሎት ልመና ዘቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዝጠለብዎ መደብ ጸሎት ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተፈጸመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብሓባር ምእንቲ ሊባኖስ። ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ መሬት ቄድሮስ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ከምእተበገሰን፡ ቅዱስነቶም ነቶም ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ መላእ ቄድሮስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ሰላምታ ከምዘቕረቡሎምን፥ ኣብዚ ርክብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ኣብ ዘጨንቕ ኵነት ንእትርከብ ሊባኖስ፥ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጽዮኪያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይን፡ ኣብ ኣንጽዮኪያን መላእ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ዩሃና ዓስራይን፡ ናይ ሶርያ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጽዮኪያ ፓትሪያርክ ኢግናዚዮ አፍረም ዳግማውን፡ ናይ ቂልቀያ ኣርመናውያን ካቶሊኮስ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኤራም ቀዳማውን፡ ናይ ሶሪያ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጽዮኪያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ኢግናዚዮ ዩሰፍ ሳልሳይን፡ ኣብ ኣንጽዮኪያ ናይ ግሪካዊ መልቂጣ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ኣቡነ ዩሰፍ ኣብሲን፡ ኣብ ሶሪያን ሊባኖስን ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር መጋቤ ጆሰፍ ካሳብን ኣብ በይሩት ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሚሸል ካሳርጂን ከምኡ እውን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪን ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስፒተሪን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገርን ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ምስ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ
ር.ሊ.ጳ. ምስ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ

ኵሎም ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ነቒሎም ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኻድ በቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1991 ዓ.ም. መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምእንቲ ሊባኖስ እንክጽውዑ ብዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብን ኣብ 1995 ዓ.ም. ንዝጸዎዕዎ ዛዕባ ሊባኖስ ኣማእኪሉ ናይ ዝዘተየ ሲኖዶስን ድሕሪ እቲ ሲኖዶስ ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቄድሮስ ሓዋርያዊ መገሻ ኣካይዶም ዝለገስዎንሊባኖስ ተስፋ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስን፡ ድሕረ ባይታ ገይሩ እቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከምእተኸፍተ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ምስ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ
ር.ሊ.ጳ. ምስ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ

ኣብ ፊት ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ

ኣብ ፊት ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ኵሉን ኵሎም ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ ቄድሮስ ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ.፥ እግዚኣብሔር ኣብ ሊባኖስ ሰላሙ ከውርድ ከምዝጸለዩን፡ ፍራንቸስኮን ፓትሪያርካትን በቲ ናብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኑዛዜ እምነት ብዝመርሕ መዳይቦ ወሪዶም ኣብ ፊት እቲ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ብእተፈላለየ ጽፍሕታት ዘይምርግጋእ ዝሳቐ ንዘሎ ህብዚ ሊባኖስ ናይ ተስፋ ትእምርቲ ዝኮነ ውሉዕ ሽምዓ ኣንቢሮም ምስ ኣብቅዑ፡ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሖም ናብቲ ብሰለስተ መደብ ተኸፊሉ ኣብ ሊባኖስ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስፒተሪ ኣላዛብነት ተመሪሑ ዛዕባ ሊባኖስ ኣብ ዝመክር ናይ ክቢ ሰደቓ ዘተ ንምስታፍ ናብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ከምዝኸዱ ኣፍሊጡ።

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ጸሎት

እቲ ናይታ መዓልቲ መርሓ ግብሪ ምሸት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምእተዛዘመን እዚ መደብ ጸሎት እዚ እውን ነቲ ምስ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝተተሓሓዘ መምርሒታት ብምኽባር ከምእተፈጸመን ብናይ ኵለን ኣብ ምድሪ ቄድሮስ ዝርካባ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ባህልን ስርዓታትን ተሰንዩ ናይ ሓባር ጸሎትን ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዱ ጥቕስታት ተነቢቡን ጸሎትን መንፈሳዊ ማህሌትን ብዓረብን ብሶርያን ኣርመንን ብኸለዳውን ቋንቋታት ዝተጻሕፉ መንፍሳዊ ምንባባት ቀሪቡን ስዒቡ እውን መንእሰያት ንመጻኢ ምድሪ ቄድሮስ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዝህብዎ ተስፋ ሰላም ዝውክል ዝተወልዔ ቀንዴል ንነፍሲ ወከፍ ናይተን ዝተፈላለያ ኣብቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ መንበረ ታቦት ዘንብርዎ ከምዝረከቡን እቲ ናይ ጸሎት መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ብዝለገስውዎ ቃል ከምእተዛዘመ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ምስ ምብራቓውያን ፓትሪያርካት መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሊባኖስ
01 July 2021, 15:57