ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ ቍጠባ ኣብ ሚዛን ገንዘብ 2020 ዓ.ም. ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ ቍጠባ ኣብ ሚዛን ገንዘብ 2020 ዓ.ም.  

ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ ቍጠባ ኣብ ሚዛን ገንዘብ 2020 ዓ.ም.

እቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ምውፋር ዝኽተሎ ናይ ቍጠባ ፖለቲካን መምርሕታቱን ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ቍጠባ ናይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣባል ኤቫ ካስቲሎ ሳንዝ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃባ

ብካርዲናል ማርክስ ተመሪሑ ዕለት 14 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ዝተኸፍተ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መደብ ሕዳሴ ኣብ ኵርያ ሮማና - ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብሪ ዘውዕል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ላዕለዋይ ጉባኤ ካርዲናላት ቤት ምኽሪ ዝሕቆፍ ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሚዛን ገንዘብ 2020 ዓ.ም. ዝዘተየ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ከምዝዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 15 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ እተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ምኽሪ ሓልዮ ቍጠባ ዓውደ ኣኼባ ነቲ ዝቐረበ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ገንዘብ ሚዛን ከምዘጽደቐ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም መግለጺ ኣስዒቡ፥  ነቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ገንዘብ ሚዛን ብጥልቂ ዘመላኽት ሰነድ ነቲ ዓውደ ኣኼባ ዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኣባ ዅዋን ኣንቶኒዮ ጒወረሮ ኣልቨስ ከምዝዀን፥ ብተወሳኺ እቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ምውፋር ዝኽተሎ ናይ ቍጠባ ፖለቲካን መምርሕታቱን ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ቍጠባ ናይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣባል ኤቫ ካስቲሎ ሳንዝ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃባ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ምኽሪ ጉዳያት ቍጠባ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስን ናይዚ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብራይን ኤድዊን ፈርመንን ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣባላት ብጹዕ ካርዲናል ኤርዶን ብጹዕ ካርዲናል ኣርቦረሊዩስን ብጹዕ ካርዲናል ቶቢን ብጹዕ ካርዲናል ፐትሮኪን  ብኣካል ከምእተሳተፉን ብጹዕ ካርዲናል ናፕየርን ብጹዕ ካርዲናል ኦዲሎ ሽረርን ብጽዕ ካርዲናል ላክሮይን ከካብ ሃገሮም ብመረብታዊ ውሕዘትን ከምኡ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ዋና ተቖጻጻሪ ኣለሳንድሮ ካሲኒስ ሪጊኒ እውን ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለት 15 ሓምለ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኵሎም ኣብቲ ኣኼባ ብኣካል ንዝተሳተፉ ዘሕበረ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ናይዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳይ ቍጠባ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ዝቕጽል ኣኼባ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. እቱ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ቆጸራ ከምዝሓዘ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

17 July 2021, 02:20