ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብርታዐ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብርታዐ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብርታዐ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን

ናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ታሪኽ ንኽትንክፍ ከምኡ እውን ክርእን ዘስተንትንን እዩ፡ ትማልን ሎምን፡ ምስ ህልው ኩነታት ዝራኸብን ካብቲ ጭቡጥ ኵነት ተበጊሱ ክውንነት ብኸመይ ክንበብ ከምዘለዎ መፍትሕ ዘቕርብ

ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ መበል 160 ዓመት ቅዋሜኡ ከምዘብዓለን፡ ብምኽንያት እዚ ዓቢይ ፍጻሜ እዚ እውን ቅዱስነቶም ምስቲ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣብ ናይ ዕለት 1 ሓምለ ሕትመቱ ቀዳሚ ገጽ ኣስፊሩ ንንባብ ከምዘብቀዖን፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እውን ናይቲ ጋዜጣ ዕለታዊ ሕትመት ካብ ቀዳማይ ክሳብ መወዳእታ ገጻቱ ከምዘንብብዎን ዘይጽገብ ጋዜጣ እዩ፡ እክብሉ ገሊጾም፥ “ምንዮተይ ከምቲ ዘለዎ ወትሩ ህልው ኩነት ብቅርበት ኣብ ምንባብ ህያው ኮይኑ ክቕጽል እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም “ሎ ሶሮቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር፥

ናይ ጐደና ጋዜጣ፥ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ታሪኽ ንኽትንክፍ ከምኡ እውን ክርእን ዘስተንትንን እዩ፡ ትማልን ሎምን፡ ምስ ህልው ኩነታት ዝራኸብን ካብቲ ጭቡጥ ኵነት ተበጊሱ ክውንነት ብኸመይ ክንበብ ከምዘለዎ መፍትሕ ዘቕርብ እዩ።

ቢሎም . . . ነቲ ጋዜጣኦም ከምቲ ብዙሕ ግዜ ደጋግሚሞ ዝብልዎ “ሰልፋዊ ጋዜጣ” እንክብሉ ምስቶም ብምኽንያት መበል 160 ዓመት ቅዋመ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ፍሉይ ሰነዳዊ ፊልም ዝደርሱ ምስ ዘለዉ ናይ ፊልሚ ቀራጺ ፍራንቸስኮ ዚፐል ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡ “ሰልፋዊ ጋዜጣ - ዝብል ኣገላልጻ ዘይንጽር ምዃኑ ይርድኣኒ እዩ። ከምኡ ኢለ ክጽውዖ እየ ዝደሊ፥ መዓልታዊ ከምዘንብብዎን ከንብብዎ ዘይስልክዮምን ሎምን ቀደም እውን ኣብ ኣርጀንቲና ሊቃነ ጳጳስ እንከለዉ ካብ ቀዳማይ ገጽ ክሳዕ መወዳእታ ገጻቱ ከምዘንብብዎ ሓቢሮም። እዚ ኸኣ “ኵለን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ቅድስቲ መንበርን መንበረ ጴጥሮስን ምስ ህይወት ቤተ ክርስቲያንን ታሪኻን ምስ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ዘተኣሳስር ብምዃኑ እዩ” ይብሉ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብርታዐ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን

እቲ ዓቢይ ስግኣት ንጋዜጣ ቅድስቲ መንበር፥ “ቤተ ምርምር ምዃን” ዝብል እዩ፡ ሓሳብ ጥራሕ ዘቕርብ ናይ ቤተ ምርምር መጽሔት ወይ ጋዜጣ ክኽውን የብሉን፡ ናይ “ጐደና ጋዜጣ” እዩ ክኸውን ዘለዎ፡ ናብ ጐደናታት ወጺኡ ህልው ኵነታት ዘንብብን ክዉን ታሪኽ ዝትንክፍን ምስቲ ክውን ታሪኽ ዝዛተይን ክኸውን ኣለዎ፡ ወትሩ ትማልን ሎምን ጽባሕን፡ ንኣብነት እቲ ኣብ ዝኽሪ መበል 160 ዓመት ቅዋሜኡ ዘውጽኦ ሕትመቱ ነቶም ኣብዚ እዋን ዘለዉ መንእሰያት ዝዛረብ እዩ። እንታይ ከምእተፈጸመን በዚ መሰረት እውን እቲ ክፍጸም ዝኽእል ዘመላክት እዩ። ናይ ትማሊ ታሪኽ ሎሚ ክድገም ከምዝኽእል ህልው ኩነታት ብምትንታን ስለ ዝዛረብ። “ሓደ ጋዜጣ ህያው ዘብሎ እዚ ዓይነት ኣገባባት እዩ”፡ ቤተ ምርምር ወይ ሰደቓ ክኽውን የብሉን፡ ምውጻእ የድሊ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብርታዐ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብርታዐ “ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ” ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበርን

ጳውሎስ ሻድሻይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ፥ “ዕለታዊ ሓበሬታ ዘቕርብ ጋዜጣ ጥራሕ ዘይኮነስ መዓልታዊ ሕንጸት ዘቕርብ ጋዜጣ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ሓቂ እዩ፡ ንኣብነት “ኣብ መዓልቲ ዝኽሪ ህልቂት ኣውሽዊዝ” ዘውጽኦ ሕትመቱ ምልስ ቢልና ንዘክር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመን መዓዝን ብመንን ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ስለምታይ ምፍጻሙ ዝድህስሱ መጻሕፍቲ ተወኪሱ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ዘስካህክሕ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተፈጸመ ህልቂት ከይድገም ዝሓንጽ እዩ፡ ንገዛእ ርእስይ እውን ብዙሕ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ሓቅታት ከርዳእ ገይሩኒ እዩ፡ ስለዚህ ዕለታዊ ሓበሬታ ዘቕርብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓናጺ ጋዜጣ እውን እዩ ኢሎም።

ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝዋሳእ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ስነ ሜላው ክሌኣዊ ርክብ ስፍሓት ዘለዎ እውን እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊት ትምህርትን ኣብዚ እቲ ብቐጻሊ ኣብ ኩሉ ዝሓለፈን ዘሎን ኵነታት ዓለም ዝዛረብ ናይ ፒዮስ መበል 12 ስልጣናዊ ትምህርቲ ከም ኣብነት እጠቕስ፡ ብሓቂ ስልጣናዊ ትምህርቶም ሰፊሕን ዓሚዩቕን እዋናውን እዩ። እዚ ስልጣናዊ ትምህርቲ’ዚ ብሎ ሶርቫቶረ ሮማንን ብራዲዮ ቫቲካንን እዩ ዝተመሓላለፈ ዝመሓላለፍ እውን ዘሎ፡ ስለዚህ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ህዝብን ዘራኽብ ቅድስቲ መንበርን ሃገራትን ሃገራትን ቅድስቲ መንበርን ዘራኽብ ዓቢይ መጋበርያ ሰናይ እዩ ኢሎም።

ንኣብነት ኣብ ኣርጀንቲና እንከሎዅ ናይ ሎ ሶርቫቶረ ሮማን ዕለታዊ ሕትመት ብቋንቋ ስፓኒሽ ዝቐርብ ዕለታዊ ሕታም ኣይነበሮን ናይቲ ዕለታዊ ሕትመት ጽማሬ ብቋንቋ ስፓኒሽ ዝቐርበሉ ሰሙናዊ ሕታም ጥራሕ እዩ ዝነበረ፡ ብዓቢይ ሃረርታ እውን እየ ዘንብቦ ዝነበርኩ ካብ ቀዳማይ ክሳብ መወዳእታ ገጻቱ፡ ብዙሕ ነገር ክርዳእ እደልይ ስለ ዝነበርኵ፡ ሎሚ ናይ ወረቐት ሕትመቱ ኣብ ኣርጀንቲና ኣይበጽሕን እዩ፡ ከም እንፈልጦ መረብታዊ ሕትመት እዩ ዘለዎ፡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ብቋንቋ ኵሉ ሰብ ብዝከኣል መጠን ንኸነቕርብ ብዙሕ ክንጽዕር ኣሎና፡ እዚ ንምፍጻም በዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቶም ዝሕግዙና ገበርቲ ሰናይ ሰባትን ትካላትን ከየመስገንኵ ክሓልፍ ኣይደልን ምስ በሉ . . . ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ወትሩ እዋናዊ ኮይኑ ይቐጽል ሓደራ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

02 July 2021, 15:50