ር.ሊ.ጳ.፥ መዲትራንያን ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ ር.ሊ.ጳ.፥ መዲትራንያን ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ 

ር.ሊ.ጳ.፥ መዲትራንያን ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ

ዝኾኑ ስደተይናታት ንምዝካር ዝተፈጸመ በርገሳውን ሃይማኖታውን ስነ ስርዓት ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዓለም ሓቆፍ ኮኾብ ማያት ባሕሪ ማሕበርን ድጋፍ ዝገበሩሉ ኮይኑ

ዕለት 13 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመቱ ስደተይናታት ዘኪሮም፡ ዕለት 13 ሰነ ኣብ ሲቺሊያ ወደብ ኣውጒስታ ምእንቲ ዝኽሮም ዝካየድ በርገሳውን ሃይማኖታውን ስነ ስርዓት ጠቒሶም፡ ምእንታኦም ክንጽልይ ከምዝዓደሙን፡ ኣባ ብሩኖ ቸቸሪ ኣቦ መንበር ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኮኾብ ማያት ባሕሪ፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ህልቂት ስደተይናታት ኣብ ማያት ባሕሪ መዲትራኒያን ዓለም ንኽንቅይር ዜገድድ ትእምርቲ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዕለት 18 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም. ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዘጋጠመ ሞት ልዕሊ ሓደ ሺሕ ዝግመቱ ስደተይናታት ካብኣቶም 28 ጥራሕ ብሕይወት ክተርፉሉ ዘስካህክሕ ሓደጋ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ኣብ ሲቺሊያ ወደብ ኣዉጉስታ ንዝኽሪ እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣሕዋታናን ኣሓትናን ዝፍጸም በርገሳውን ሃይማኖታውን ስነ ስርዓት ኣናሓሰቡ እቲ ዘጋጠመ ሕልቂት እውን ከይርሳዕ ኣብ ወደብ ኣውጉስታ እቶም ስደተይናታት ዝጓዕዙላ ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ከም ዝኽሪ ክትቕመጥ ዝገበረ ምዃኑን ቅዱስነቶም ነዚ ዅሉ እናሓሰብ እውን ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩን ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ ምእመናን፥ “መድትራኒያን ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ” ኰይኑ ኣሎ እንክብሉ ገሊጾም “ሓደራ እቲ ኣብ መዲትራኒያን ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ስደተይናታት ርኢና ከምዘይረኣና ኣይንዅን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምሉእ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ዓለም ሓቆፍ ኮኸበ ማያት ባሕሪ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ብሩኖ ቺቸሪ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ዘጋጠመ ህልቂት ስደተይናታት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቶም ስደተይናታት ዝጓዕዙላ ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ኣብ ወደብ ኣውጉስታ ክትቐውም ምግባር ብሓቂ እቲ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝሓሸ ሕይወት ንምርካብ ካብ ሃገሮም ኪወጺ እተገዱ ዜጋጥም ዘሕዝን ፍጻሜ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕልና ብጽሞና ዝዛረብ ጭቡጥ ኩነትን ናይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ስቓይ ንዓለም ዝነግር እዩ” ኢሎም።

እቲ ኣብ ኣውጉስታ ወደብ ንዝኽሪ እቶም ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዝጠሓሉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተይናታት ንምዝካር ዝተፈጸመ በርገሳውን ሃይማኖታውን ስነ ስርዓት ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዓለም ሓቆፍ ኮኾብ ማያት ባሕሪ ማሕበርን ድጋፍ ዝገበሩሉ ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ እቲ ናይ ዝኽሪ ስነ ስርዓት፡ ናይ ሲራኩዛ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሎማንቶ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብቲ ወደብ እተነብረት እቶም ስደተይናታት ዝጓዕዙላ ዝነበሩ ንእሽተይ ጀልባ ዓቢይ መስቀል ባሪኾም ከምዘንበሩን ኣቲ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት እቶም ስደተይናታት ዝጠሓሉላ ዕለት 18 ሚያዝያ መጸውዕ ስሙ ገይሩ ዝቖመ “ሽማግለ ሚያዝያ 18” ምስ ዓለም ሓቆፍ ኮኾብ ማያት ባሕሪ ማሕበርን ምስ ናይ ደሴት ሲቺሊያ ምስራቓዊ ከባቢ በራት ባሕሪ በዓል ስልጣንን ናይ ኣውጉስታ ወደብ በዓል ስልጣንን ብምትሕብባር ዘሰናደውዎ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 June 2021, 23:31