ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መከራ እውን እንተሎ ክርስትና ይነብር

“ጐይታ ንጻዕርታት እቶም መከራ እናሃለዎም ክነሱ ኣብቲ ክርስትያናዊ እምነት እተወለደሉን ህያው ዝኾነሉን ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ንኽኸውን ዘተ ዘነቓቕሑን ምእንቲ ምርግጋጽ ዘተ ንዝዓዩን ጐይታ ክድግፎም ንጸልይ

ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር እዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ “ር.ሊ.ጳ. ጸሎትኵም የድልዮም እዩ እሞ፥ ሓደራ ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ክትጽልዩ እልምነኩም” ከምዝበሉን ኣስዒቦም እውን ኣብ ቸክ ረፓብሊክ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ንዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 27 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምዃኑ ብምዝኽኻር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ንክህልው ምሕረት ኣምላኽ ንኽንልምን ጻዋዒት ኣቕሪቦም፡ “ጐይታ ንጻዕርታት እቶም መከራ እናሃለዎም ክነሱ ኣብቲ ክርስትያናዊ እምነት እተወለደሉን ህያው ዝኾነሉን ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ውሑስ ንኽኸውን ዘተ ዘነቓቕሑን ምእንቲ ምርግጋጽ ዘተ ንዝዓዩን ጐይታ ክድግፎም ንጸልይ፡ ኣምላኽ ነቲ ፍቑር ህዝቢ ወትሩ ጽንዓትን ትብዓትን ሓይልን ይሃብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ማእከያ ምብራቕ ንካቶሊካውያን ፓትሪያርካት፥ ዓቀብትን መሰካኽርን እምነት ኵኑ

ቅዱስነቶም ምስ ዝኽሪ መበል 130 ዓመት ሓደስቲ ነገራት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተተሓሒዙ ዝበዓል መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን በዛ ንቅድስቲ ስድራ ቤት ብዝተወፈየት ዕለት እዚኣ ብቅድስቲ ስድራ ቤት ተደሪኻ ኣብ እምነት ክትጸንዕ ተማሕጺኖም፥ ካብቲ እተመረዘ ምንጪ ጽልእ ጽምእኹም ንምርዋይ ኣይትድለዩ፡ የግዳስ ብጠሊ መንፈስ ቅዱስ ልብኹም ክምስነው ፍቕዱ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ጸልዩ!

ቅዱስነቶም ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ክትጽልዩ እልምነኩም”። ብፍሉይ መገዲ ጸልዩ፥ ር.ሊ.ጳ. ጸሎትኩም የድልዮም እዩ! ስሌኦም ከምእትጽልዩ እምነተይ እዩ፡ ኣቐዲመ አምስግን” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቸክ ረፓብሊክ ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቸክ ረፓብሊክ ንዝነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎም ቅርበት ኣረጋጊጾም። “ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ዞባ ደቡባዊ ምብራቕ ቸክ ረፓብሊክ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ዝተሃሰዩን ካብ ቤቶም ንብረቶምን ዝተመዛበሉን ኵሎም ንጸሊ” ቢሎም ድሕሪ ጸሎተ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 June 2021, 16:03