ር.ሊ.ጳ ምስ እሱራት ቤትማእሰርቲ ረቢብያ ር.ሊ.ጳ ምስ እሱራት ቤትማእሰርቲ ረቢብያ 

ነፍሲወከፍ እሱር ኣብ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ ፍሉይ ስምዒት ነበሮ! አበነፍስ ቤትማእሰርቲ ረቢብያ

ብዝተፈላለየ ጸገማት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ረቢብያ ዝርከቡ እሱራት ካብ ዝግበረሎም ሓለፋታት በብጒጅለ ናብ ታሪኻዊ ቦታት ብምብጻሕን ዝተፈላለየ መዘናግዕን መሃርን ንጥፈታት ብምፍጻም እንክኸውን ሓደ ካብቲ ምሩጽ ቦታታት ምብጻሕ ቤተመዘከር ቫቲካን እዩ። ኣበነፍሲ እቲ ቤትማእሰርቲ ኣባ ሞረኖ ቨርሶላቶ ንሓደ ጒጅለ መሪሖም ኣብ ዝኸዱሉ ግዜ ኣብዚ ካብ በጽሓናስ ምስ ር.ሊ.ጳ ምርኻብ ምተኻእለዶ ዝብል ሓሳቦም ሰሚሩስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተቀቢሎም ንነፍስወከፍ እሱር ሰላም ከምዝበሉን ፍሉይ ሓጐስ ከምዝፈጠረሎምን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩልና ኣጨኒቅሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ሳዕቤን ናይዚ ንእሱራት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ሞረኖ ቨርሳቶ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ ምርኻብ ዝፈጠረሎም ዓቢይ ሓጐስ ክገልጽዎ ከቢድ ምዃኑ እንተኾነ ኮን ዶ ኾን ኢልካ ዝሓሰብካዮ ፍጻሜ ረኺቡስ ኣሽንኳይ ምስ ር.ሊ.ጳ ክራኸቡ ምብጻሕ ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ንክልተ ዓመት መመላእታ ተሓሪምዎም ዝነበሩ እሱራት ንክናፈሱ ኣብ ቤተመዘክር ቫቲካን እንክርከቡ እዚ ዘይተጸበይዎ ዕድል ምርካቦም ዓቢ ጸጋ ምዃኑ ገለጹ።

ኣባ ሞረኖ ታሪኽ ናይቲ ተበግሶ ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገለጹሉ ‘ሓደ ካብ መዘናግዕን መናፈስን ናይዞም ኣዕሩኽትና እሱራት ምብጻሕ ቤተመዘክር ቫቲካን ነበረ። ብዛዕባኡ እንከሰላስል ምስ ር.ሊ.ጳ ምርኻብ ዚከኣል እንተኾይኑኸ ዘይሓትት ኢለ። ከመይ ንካልእ ጉዳይ ኣብ ቫቲካን ምብጻሕና ካብ ተረኽበ ምስ ቅዱስነቶም ክንራኸብ ይከኣልዶ ኢልና ልመና ኣቅረብና። ቅዱስነቶም እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ቀረበሎም ኩልና ከም እንፈልጦ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝተዳጐኑ ሰባት ብዙሕ ከምዘሻቅልዎምን ዝኾነ ሓገዝ ክገብሩ ስንድው ምዃኖም ፍሉጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኩሉ ተዋዲዱ ምስ ረኸቡና ገርሀይና ተቅባል ገበሩልና። ኩልና ኣብ ዓሚቊ ስምዒት ኣቶና ምስ ር.ሊ.ጳ ከመይ ገቢርካ ከምዝዝረብ ከመይ ገርካ ሰላም ከምዝበሃል እኳ ጠፍኣና። ልዕሊ ኩሉ ንእሱራት ክሳብ ክንደይ ሓልዮትን ተገዳስነትን ከምዘለዎም ስለእንፈልጥ ስምዒትና ኣብ ጥርዚ በጺሑ ነበረ` እንክብሉ ነቲ ቅዱስነቶም በብሓደ ዜሮም ሰላም ምስ በልዎም ዝተሰምዖም ገሊጾም።

ኣብ ልቢ ኣባ ሞረኖ ተቀሪጸን ዝተረፋ ቃላት ር.ሊ.ጳ!

ኣባ ሞረኖ ገና እቲ ስምዒት ከይሓደጎም ኣብ ልቦም ዝተረፋ ቃላት ር.ሊ.ጳ ኣየኖት ኮን ይኾና ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ፡ ልዕሊ ኩሉ መተባብዒ ቃላት ምዃነን እዚ ከኣ ቅዱስነቶም ‘ነዚ ክፍሊ ሕይወትኩም ዝኾነ ከቢድ ግዜ ንምብዳህ ምንም ፍርሒ ኣይሃሉኹም። ምኽንያቱ ከኣ ሓደ ክፍሊ ሕይወትኩም ጥራይ እዩ። ኪሓልፍ እዩ። ብትብዓት ስገርዎ’ ዝብላ ቃላት ዓቢይ ምጽንናዕ ከምዝኾና ገለጹ። እቲ ርክብ ንፍርቂ ሰዓት ከምዝነበረን ሽሕ’ኳ እቲ ቆጸራ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ እንተነበረ ንሕና ግን ኣቀዲምና ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ተጸበና እንክብሉ ክሳብ ገጽ ንገጽ ዝረኣኣዩ ሓቅነቱ ዘጠራጠሮም ኣባ ሞረኖ ነቲ ርክብ ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ። ‘ቅዱስነቶም ክረኽቡና ምስ መጹ ንሕና ዳርጋ ተዓኒድና ኣብ ዘዘሎና ቆምና እንተ ንሶም ናብ ነፍስወከፍ እሱር ብምቅራብ ሃንጐፋይ ኢሎም ብምሕቋፍን ሰላም ብምባልን ምስ ተሓወሱና። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ነታ ሁመት ከሕልፋ ስለዘይደለየ ሞባይላቶም ኣውጺኦም ብሓንሳብ ክሰኣሉ ጀመሩ። ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ምስ እሱራት ፍሉይ ምትእስሳር ከምዘለዎም ኣብቲ ቅድሚ ናብዚ ምምጻኦም ዘገልግልዋ ዝነበሩ ከተማ ቦነስ ኣየረስ ዝርከቡ እሱራት ይበጽሕዎም ከምዝነበሩ ገና ሎሚ እውን ምሳኦም ቀጻሊ ርክብ ከምዘለዎም እንተወሓደ ኣብ ውሽጢ ዓሠርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ብስልኪ ንራኸብ’ እንክብሉ ምስ ገለጹልና ‘ኣብ ጸሎትና ወትሩ ንዝክረኩም’ በልናዮም። ንሶም እውን ብግዲኦም እናሰሓቁ በዘን ዘልዓልኩመን ስእሊ እናተጻወትኩ ኣይኮነን ክትዝክሩኒ እትደልዩ ምስ በሉና ብምሉእ ልብና ብፍቅሪ ኢና እንዝክረኩምን ስለኹም እንጽልን ምኽንያቱ ከኣ ኩሉ ግዜ ስለኹም ክንጽሊ ስለትሓቱና ምናዳ ኣብ ናይ ሰንበት ቅዳሴና ምእንታኹ ፍሉይ ጸሎት ኢና እንገብር ክንብል ብታሕጓስ ገሊጽናሎ ኢሎም።

ግብረመልስን ስምዒትን እስራትከ!

ንኣባ ሞረኖ ቀጺላ ዝቀረበት ሕቶ ብዛዕባ ስምዒትን ግብረመልስን እቶም እሱራት ነበረ። እቲ ፍጻሜ ብሓጐስን ኣግራሞትን ዝመልአ ነበረ። ልዕሊ ኩሉ ግን ር.ሊ.ጳ ንነፍስወከፍ እሱር ብግሉ ረኺቦም ዚኣክል ግዜ ብምውፋይ ምስ ነፍስወከፎም ዝተለዋወጥዎ ቃላት ብጣዕሚ ልቦም ከምዝተንከፎም እዩ። ኩልና ከቢብናዮም ፍርቂ ክቢ ሠሪሕና ነበርና። ምስቶም እሱራት ክልተ ሓካይም ቤትፍርዲ ከምኡ እውን ዋና ኣዛዚ ቤትማእሰርትን ኰስኰስቶምን ወዘተ ብዙሓት ነበርና። ቅዱስነቶም ከኣ ንነፍሲወከፍ ሰላም ኢሎም። ናብኦም ክንመጽእ ኣይተጸበዩ ባዕሎም እዮም ናባና መጺኦም። ገርሀይና ናይታ ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ንጽጉማት ክትረክብ እትንቀስቀስ ቤተክርስትያን ኰይኖም ተራእዪምና። እቲ ንኩልና ዘደነቀ ከኣ ነፍስወከፍ ንብሕቱ ከምዝረኸቦም ኰይኑ ተሰሚዑና።

ብድሕሪ’ዚ ናይዚ ኩሉ ምኽንያት ዝኾነ ዑደት ኣብ ቤተመዘክር ቫቲካን ብምግባር ሠናይ መዓልቲ ከምዝወዓሉ ምስ ሓበሩ ወዲ 56 ዓመት ዝኾኑ ኣባ ሞረኖ ከም ኣበነፍስ ቤትማእሰርቲ ረቢብያ ዘበርክትዎ መንፈሳዊ ጒስነት ምናዳ ኸኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ከበድቲ እዋናት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣድካሚ እኳ እንተነበረ ንኩሎም ዘሐጐሰ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ከምዝነበረ ብምትንታን መግለጺኦም ደምደሙ።

22 June 2021, 11:43