ር.ሊ.ጳ. ንኣረጋውያን፥ እግዚኣብሔር ኣብ ጽሞዋና ዘጸናንዑ መላእኽቲ ይልኣኽ!

ፍራንቸስኮ ጐይታ ከምቲ ንእያቄም ኣቦሓጎ ኢየሱን ሰብኣይ ሃና፥ እግዚኣብሔር ዜጸናንዕ መልእኽ ኪልእኽ ጸለየ - “እቲ መልኣኽ ድማ - ጐይታ - ነቲ ዘየቋርጽ ጸሎትኩም ምላሽ ሂቡሉ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝልኣኽ መልኣኽ ናይ ደቂ ደቅና ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትና ፈተውትና ወይ ናይቶም ኣብዚ ጽንኵር እዋን ዝተፋለጥናዮምን ወጅሂ ዘለዎ እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 25 ሓምለ ዝበዓል ቀዳመይቲ መዓልቲ ኣደሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ኣረጋውያንን “ሳልሳይ ማእከላይ ዕድመ” ክንየው ንዝኾኑ ማለት ናብ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተስብ ኣባል ዝገብር ናይ ዕድመ ገዳብ እናሓሰቡ፥ “ኣናስር ምዕቃብ እምነት ንመንእሰያት ምምሕልላፍ ከምኡ እውን ንነኣሽቱ ምክንኻም” ዘለዎ ኣገዳስነት የጒልሑ። ነቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዝኽበር በዓል ዚሳተፉን ነቶም ኣብ ጸገም ንዘለዉን ኣረጋውያን ዚበጽሑን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክወሃብ ከምእተወሰነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ቅዱስ ኢያቄም ኣቦሓጎ ኢየሱስ ሰብኣይ ቅድስቲ ሃና፥ ውላድ ስለ ዘይነበሮም ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ማሕበረሰብ ክውገዱ ከምእተገበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣረጋውን ኣረጋዊትን “ከምቲ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኵሉ ነገር ጸልሚቱ ኣብ ዚመስለሉ ኣዋን እውን ከይተረፈ ጐይታ ንጽምዋና ኼጸናንዑናን ‘መዓልቲ መዓልቲ ምሳዅም እየ’ ኺብላና መላእኽቲ ይልእኽ”፡ እዘን ቃላት እዚኣተን ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣረጋውያን ብምኽንያት ዕለት 25 ሓምለ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣደሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕልሚ እያቄም

ፍራንቸስኮ ጐይታ ከምቲ ንእያቄም ኣቦሓጎ ኢየሱን ሰብኣይ ሃና፥ እግዚኣብሔር ዜጸናንዕ መልእኽ ኪልእኽ ጸለየ - “እቲ መልኣኽ ድማ - ጐይታ - ነቲ ዘየቋርጽ ጸሎትኩም ምላሽ ሂቡሉ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝልኣኽ መልኣኽ ናይ ደቂ ደቅና ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትና ፈተውትና ወይ ናይቶም ኣብዚ ጽንኵር እዋን ዝተፋለጥናዮምን ወጅሂ ዘለዎ እዩ።” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ለብዒ፥ ንኣረጋውያን ከቢድ ፈተና

ንነፍሲ ወከፍ ኣደሓጎን ኣቦሓጎን ንነፍሲ ወከፍ ኣረጋዊ፥ “ብምልእታ ቤተ ክርስቲያን - ቀረባኻ እያ፥ “እሓልየልካ አፍቀረካን ኪሓድገካ እውን ኣይደልን እየ!” ትብል፡ ብዛዕባ እዚ ለብዒ እዚ “ኣብ ህይወት ኵሉ ሰብ ዘውረዶ ከቢድ ፈተና ንዓና ኣረጋውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ተገይሩልና እዩ፡ ብምኽንያት እቲ ለብዒ እውን ብዙሓት ሓሚሞም እያቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑ ብዙሓት እለዉ።

ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈልዮም ወይ መጻምዶት ወይ ዜፍቅርዎም ሰባት ብሞት ክፍለይዎም ዝርአዩ እዮም፡ ብዙሓት ከኣ ንነዊሕ እዋን ተገሊሎም በይኖም ኪነብሩ ተገዲዶም እዮም

ጸሎት ንመዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን

ሕጂ ናብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ “ዝበጽሕዎምን ሓጐፋይ ቢሎም እውን ዝሓቝፍዎምን” መላእኽቲ የድልዩ፡” ኣብ ገሊኡ ቦታታት ገና ዘይከኣል ብምዃኑ” ዘሕዝን እዩ። ዕለት 25 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያን ኮይኑ ክበዓል ቅዱስነቶም ዕለት 31 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂመዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረጉላ ሰንበት “ኣብ ጽምዋ እውን ከይተረፈ ስለ ምጽንናዑን ህላወኡን ንጐታ ኸነመስግኖ ሓደራ” እንክብሉ ምዒዶም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጐይታ ኣይጡርትን እዩ ወትሩ ይጽውዕ

ፍራንቸስኮ ነቲ ጐይታ ኣብ ወንጌል ዝንገር ተኣማንነቱ ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣብ ጸሎት መዝሙረ ዳዊትን ኣብ ነቢያት ዝተነግረን መልእኽቱ ዝለኣኸን ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝዓዩ ዝጽውዕን ጐይታ እምነት ንኽንገብር ይዕድሙ። ቅዱስነቶም ኣብ እርጋኖም ናይ ሮማ ኣቡን ንኽኾኑ እግዚኣብሔር ከምዝጸወዖምን፡ ካብዚ ንላዕሊ ክገብር ኣይክእል እየ ቢሎም ዝሓስብሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንተኾነ “ጐይታ ዘለዓለማውን ዝጡርት እውን ኣይኮነን፡” ኢሎም።

እምነት ንመእሰያት ናይ ምምሕልላፍ ጸዋዕታ

ቅዱስነቶም ድሕሪ ብዛዕባ መጸናንዒ መልእኽ ዝብል ቀዳማይ ናይ መልእኽቶም ሕመረት ናብቲ “ኣናስር ምዕቃብን እምነት ንመንእሰያት ምትሕልላፍን ከምኡ እውን ንቘልዑ ምክንኻንን” ዝብል ጸዋዕታ ኣረጋውያን ናብ ዘማእከሉሉ ካልኣይ ሓሳብ ሰጊሮም፥ ተልእኾ ወንጌል ገደብ ወይ ዝወድቀሉ ግዜ ከምዘይብሉ እንከብርሁ፥

ካብ ተልእኾ ወንጌልን እምነት ንደቂ ደቅኻ ካብ ምምሕልላፍ ጸዋዕታ ጡረታ ዝውጽኣሉ ናይ ዕድመ ገደብ የብሉን

ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንኹሉ ጥርጣረን ድኻምን የሰንፍ

ንባህርያዊ ምጥርጣራት እቶም ሓይሎም ዝደኸመ ኮይኑ ዝስምዖምን ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ናይ ምንባር ስርዓት ዝክኣል ኣይኮነን ክበሃል እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ልሙድ ስርዓት ኣብ ዝኾነሉ እዋን “ዘሻቕል ብዙሕ ሓሳብ” ስለ ዘለዎም ንስድራ ቤቶምን ንድኻታትን ነቶም ኣብ ጽምዋ ዘለዎ ንኸገልግሉ እዚዩ ከቢድ ጾር ኮይኑ ክስምዖም እንከሎ፥ ቅዱስነቶም “ኣልባብ ነቲ ናብ ዝደልዮ ዝነፍስን ዝደልዮ ኵሉ ንዝይን መንፈስ ቅዱስ ዕዮ ምርሃው” ከምዘድሊ ይምዕዱ።

ኣረጋውያን ንሕንጸት ናይ ጽባሕ ዓለም የድልዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ምስ ለብዒ እተተሓሓዘ ቕልውላው ዝመልኦ እዋን “ካልእ ክንመሃሮ ዘይንኽእለሉ ከቢድ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኣይኮነን” እክብሉ ኣብታኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝበልዎ ሓሳብ ዘኪሮምን ኣተሓሳሲቦምን፥ ንኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ንኣረጋውያንን እንኪዛረቡ ብቐጥታ፥ “ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢዪ ስቓይ ዋጋ ዘይብሉ ኣይኰነን” ከምኡ እውን “ናብ ሓድሽ ኣነባብራ ንኸነብል ይድርኸና” እንክብሉ ይገልጹ።

ነታ ናይ ጽባሕ ዓለም ብሓድነትን ብማሕበራዊ ዕርከንት ኣብ ምሕናጽ ዝግበር ጉዕዞ ኣገደስቲ ኢኻትኵም!

ሰለስተ ዓዕኑድ፥ ሕልምን ተዘክሮን ጸሎትን

ሓድሽ ሕንጸት ብሰለስተ ኣዕኑድ ዝቐውም ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ ሕልምን ተዘክሮን ጸሎትን እዩ፡ ነቢይ ዮኤል “ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ ኣረጋውትዅም ሕልሚ ኪሓልሙ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም” እንክብል ከምእተመባጽዖ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መንእሰያት ሓሊፉ መን እዩ እሞ “ሕልምታት ኣረጋውያን ወሲዱ ተሰኪሙ ንቕድሚት ከሰጒሞ ዚኽእል?” እንክብሉ ሓቲቶም፡ ስለዚ ኸኣ ኢዮም ኣርጋውያን “ሕልሚ ፍትሕን ሰላምን ሓድነትን” ክህልዎም ኣለዎ ዝብሉ።

ተዘክሮታት ውግእን ስደትን

እቲ ካልኣይ ዓንዲ ኸኣ፥ ካብቲ ዜሳቒ ውግእ፡ መንእሰያት ሰላም ዘለዎ ክቡር ዋጋ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እቶም ተሰዲዶም ዚኸዱ “ዝያዳ ሰብኣውን ተቐባሊት ዓለም ኣብ ምሕናጽ ክሕግዙ ይኽእሉ ኣዮም።”

ብዘይ ተዘክሮ ግና ምሕናጽ ዝከኣል ኣይኮነን። መሰረት እንተዘይብልካ ቤት ኣይክትሃንጽን ኢኻ . . . መሰረት ህይወት ከኣ ተዘክሮ እዩ።

ንዓለም ዜዕቍብ ጸሎት

ኣርጀንቲናዊ ር.ሊ.ጳ. ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ብቐጻሊ ዚጽልዩን ዝዓዩን ብዕድመ ዝደፍኡ” ኣብ 2012 ዓ.ም.፥ “ጸሎት ኣረጋውያን ንዓለም ካብ ጸበባ ብዙሓት ብዝያዳ ኼዕቍብ ይኽእል እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዋ ሓሳብ ኣብ መልእኽቶም ይጠቕሱ።

“መዓልቲ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዝብል ድምጺ ኣምላኽ

ኣብነት ናይቲ ኣብ ኣልጀርያ ንበይኑ ኣብ ዝነበረሉ ምድረ በዳ እውን ከይተረፈ “ንድኻታት መላእ ዓለም ብምምላድ ብሓቂ ደረት ሰገር ሓብትን ሓውን ምዃን ከምዝከኣል” ዝመስከረ እተባረኸን ኣብ ዝሓጸረ ኣዋን ቤተ ክርስቲያን ቅድስና እትእውጀሉ ሓው ቻርለስ ደ ፉኮልድ ኣብ መልኽቶም ገሊጾም፡ ነፍሲ ወከፍና ንዅሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ‘መዓልቲ መዓልቲ ምሳኻትኵም እየ’ ዝብል ዝሰማዕናዮ ናይ ምጽንናዕ ቃላት ክንደግሞ ናይ መወዳእታ ጸሎት ምእንቲ ዅልና ዝዓረገ ምዃኑ ነዛ ጸሎት እዚኣ ደጊሞም ዘመሓላለፍዎ ናይ ክሱት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ጆሰፍ ፋረል ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣደሓጎታትን ኣቦሓጎታትን ኣረጋውያንን ናብ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ጉዳይ ዝከታተል ሓዋርያዊ መዓልቲ መዚ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ካብቲ ልሙድ ኣብ ምስጢረ ንስሓን ቅዱስ ቍርባንን ብመሰረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ጸሎት ምዕራግን ካብ ዝብል ኪደት ወጻኢ እነሆ ድማ ዕለት 25 ሓምለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣደሓጎን ኣቦሓጎን ኣረጋውያንን ምኽንያት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓብሩን ኣብ ዓለም ኣብቲ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ ዝካየድ መንፈሳዊ መደባት ንዝሳተፍ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክወሃብ እዩ ዝብል ውሳኔ ብፍቓድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝደንገገ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዕለት 25 ሓምለ ነቶም ብኣካል ድዩ ብምናባዊ ኣገባባት ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ኣሕዋትና ኣሓትናን ኣረጋውያን ከምኡ እውን ንህሙማንን ዝተጠንጠኑን ጒድዓትን ኣረጋውያን” ቀረባ ንምዃን ግዚኡ ዝስውእ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገው ከምዝኾነ እቲ ሰነድ ኣመላኺቱ፥ ነቶም ኣብ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ኣቦሓጎን ኣደሓጎን ኣረጋውያንን ዝፍጸም መንፍሳዊ ስነ ስርዓት ብቐጥታ ክሳተፍ ዘይኽእል ግና ብመራኸቢ ብዙሓን ዝሳተፍን ዝከታተልን እውን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገው ምዃኑ የመላኽት።

ተበግስቶታት ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያን፥

ነቶም ካብ ቤቶም ንኽንቀሳቐሱ ዜጸግሞም ጥራሕ ከኣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ብእተፈላለየ ተበግሶታት ዝኵራት ከምዝኾኑ፡ ንኣኣቶም ዝምልከት ፡ ንኣብነት መንእሰያት ነቶም ካብ ቤቶም ንኽወጹ ዘይከኣሎም ንመልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ኣርጋውያን ንምብጻሕ ክንቀሳቐሱን ክንየው እዚ እውን ይብሉ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ ከከም ኵነታቱ ግዜ ከም ዘፍቅዶምን ቅድሚ ዕለት 25 ሓምለ ድዩ ወይ ድሕሪ እታ ዕለት እቲኣ ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ድዩ ወይ ኣብ መንበሪ ኣረጋውያን መስዋዕተ ቅዳሴን ናይ ጸሎት መደባትን ምድላዋት ክግበርን ብፍላይ ከኣ ነቶም ብኮቪድ - 19 ምኽንያት ዝሞቱ ኣረጋውያን ተዝካር ክፍጻምን “ብዙሓት በቲ ለብዒ ምኽንያት ኣብቲ ኣዚዩ ዝላባዓሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘይ ጸሎተ ፍትሓትን ብዘይ ቀባርያን ቤትን ኣዝማድን ፈተውትን ዝተቐብሩ ብዙሓት ምዃኖም ብምዝካር” መንፈሳዊ መደባት ክካየድ እውን ኣብቲ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ኣረጋውያን ሓላፊ ቪቶሪዮ ሽለዞ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም “ኣስማቶም ብምዝካር ድዩ ምእንታኦም ሽምዓ ምብራህ ንነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ናይ ምትዕራቕ ክቡር ምልክት ክኸውን ይኽእል ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 June 2021, 15:40