ፍራንቸስኮ፥ ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም ፍራንቸስኮ፥ ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም 

ፍራንቸስኮ፥ ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም

ንዅሎም ምእመናን መጋብያንን ገበርቲ ሰናይ ንቤተ ክርስቲያንን ንኽርስቶስ ኣብ ወጅሂ እቶም ድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን እተገልግሉ አምስግን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ናብ ሰበኻ ማር ደል ፕላታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኣገልግሎት ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ገበርቲ ሰናይ ቤተ ክርስቲያንን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጉልሖም፡ ብፍላይ “ነቶም እተገሉ ግዳም ሓደር እተቕርብዎ ኣገልግሎት ኣብ ወጅሂ እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ንኽርስቶስ ኢኻትኩም እተግልግሉ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ፈቖዶ ጐደናታት ዚነብሩ ንምድሓን ለይትን መዓልትን ዘየቛርጽ ኣገልግሎት እተቕርቡ። ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቡወኖስ ኣይረስ ኣብ እትርከብ ሰበኻ ማር ደል ፕላታ፥ ኖቸ ደ ካርዲዳድን ሆጋር ደ ናዛረትን እተሰምዩ ክልተ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝፍጽምዎ ዘየቋርጽ ኣገልግሎት አመስግን፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ክረትምቲ ዝጅምረሉ ብምዃኑ ነቶም ድኻታት ካብ ቍርን ኣስሓይታ ንምድሓን ቀዳምነት እትህብሉ ኣገልግሎት እዩ፡ ህልው ኩነታት ድኻታት ኣሕዋትና እተቕርብዎ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ  ክብ ክብል ይድርኾ ኣሎ ቢሎም ስለ ኣገልግሎቶም፥

ኣገልግሎት ናይቲ ኖቸ ደ ካሪዳድን ሆጋር ደናዛሬት እተሰምዩ ትካላት ግብረ ሰናይ ነቶም ግዳም ሓደረ ኣቓልቦ ንዝግበሩ ብፍሉይ እዝክርን ሰላምታይ አቕርብ፡ ስለ እትፍጽምዎ ኣገልግሎት እውን አመስግነኩም!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ወንጌል ማእከል ድኻታት እያቶም

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ብፍሉይ ንናይ ማር ደል ፕላታ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጋብሬል መስተር ጠቒሶም፡ ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ኣብቲ ሰበኻ ዝተበገሰ ናይ ፍቕርን ምትሕብባርን ሓድነትን ካብ ዕለት 21 ሰነ ክሳዕ ዕለት 21 መስከረም ብናይ ክረምቲ ወቕቲ ብቑርን ኣስሓይታን ዝሳቐዩ 130 ግዳም ሓደር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምድሓን እቲ ቝምስና ክልተ መዕረፊ ኣጋይሽ ተኻርዩ ኣብ ምዉቕ ቤት ክጸንሑን ምዉቕ መግብን ንምቕራብ ዘካይዶ ዘሎ ግብረ ሰናይ አመስግን፡ ነቶም ኣብዚ መዳይ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ተዋፊሮም ንዘገልግሉ እንከመስግኑ፥

ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤል ኣብቲ ጽንኩር ኣዋን ኣስሓይታን ቝርን ወቕቲ ሰበኻኦም ነቶም ግዳም ሓደር ዜጋታት ንምእላይ ክልተ መዕረፊ ኣጋይሽ ከምእተኻረየ ሓቢሮምኒ። ንዅሎም ምእመናን መጋብያንን ገበርቲ ሰናይ ንቤተ ክርስቲያንን ንኽርስቶስ ኣብ ወጅሂ እቶም ድኻታት ኣሕዋትን ኣሓትን እተገልግሉ አምስግን፡ ኣብ ኣቶም ክርስቶስ ኣሎ! ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም፡ ስለ እቲ እትፍጽምዎ ሰናይ ኵሉ አመስግን።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤል ከም ዝገለጽዎ ግዳም ሓደር ምዃን ምስ ቍጠባውን ስነ ኣእምሮኣውን ዝተፈላለዩ ወልፍታትን ዝተኣሳሰረ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ቍሪ ግዳያት እኳ እንተ ዘይነበሩ ኵነታት እቶም ኣሕዋትና ናብ ሓደጋ እዩ ዘንቆልቁል በዚ ምኽንያት እዚ ከምቲ እቶም ኣዳለውቲ መደብ ሓልዮ ንግዳም ሓደር ፍልይ ብዝበለ ለመዘበን ሓገዝ ብምእካብ ነቲ ወቕቲ ኣስሓይታን ቍርን ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ከሕልፍዎ መታን ክልተ ምዕረፊ ኣጋይሽ ከምእተኻረዩን ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ሓድነት ሓይሊ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

25 June 2021, 17:54