ቀንዲ ውራይ ሓደ ካህን ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ጒስነት ነፍሳት እዩ! ር.ሊ.ጳ ንካህናት
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃብዎ ምኽሪ ነቲ ‘ኣነ ሕያዋይ ጓሳ እየ! ንአባግዔይ እፈልጠን ንሰን እውን ይፈልጣኒ’ ዝብል ምሳሌ ኢየሱስ ተጠቂሞም ቅድሚ ሕጂ ኢሎም ንዝነበሩ ‘ጓሳ አባግዕ በግዕ በግዕ ክሽትት ኣለዎ’ ኢሎሞም። ስለዚ ኣብ ካህናት ኣብ ዝሃለው ይሃልው በዘየግደስ ካብ ጒስነት ኣብ ዝተፈልየ ኣገልግሎት ቤተክርስያን እውን ይሃልው ወትሩ በጊዕ በጊዕ ክሽትቱ እዚ ከኣ ንጒስነት ነፍሳት ቀዳምነት ሂቦም ክጓስዩ ንዝጠፍአት በጊዕ ክደልዩ ግድነት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።
ነዞም ከም ማሕበር እናነብሩ መጽናዕትታቶም ዘካይዱን ካልእ ኣገልግሎት ዘበርክቱን ፈረንሳውያን ካህናት ኣብ ዝተቀበሉሉ ናይቲ ማሕበር ሓላፊ ብስም ኩሎም ሰላምንታን ምስጋናን ንዘቅረቡሎም ብምምስጋን ካህን ኰይኑ ውራይ ነፍሳት ዘይገብርን መጽናዕትን ምምህርናን እዩ ሥራሐይ ኢሉ ዝለዓለ ሊቅነት እውን እንተልዎ ናይ ሰብ ንባበ መለኮት ከጽንዕ እንተዘይክኢሉ ንዝረኸቦ ሰብ ከም ሰብ ክጓስን ነቲ ጐይታ ብርሕራሔን ሕያውነትን ዝመሃሮ ኣብነት ክኽተሉ ሓደራ ኢሎም።
እዞም ሕጂ ካብ መላእ ሃገረ ፈረንሳ ኣብዚ ማሕበር ተኣኪቦም ዝመሃሩ ዘለው ኩሉ ኩሎም 19 ካህናት እዮም። ቅዱስነቶም ከኣ ንምጥንቃቆም ዚኣክል ‘ጽባሕ እንታይ ክገብር እየ! ኣየናይ ሓላፍነት ክሕዝ እየ! ኣብ ከመይ ዝበለ ከባቢ እምደብ እኸውን ዝብል ነባራዊ ሳህሮ ከየሸነፎም ስለ እቶም ክናብይዎምን ክጓስይዎምን ሓደራ ዝተዋህብዎም ሕዝበ እግዚአብሔር ኪሓስቡ ሓደራ’ ኢሎምዎም። ነታ ኣብ መጀመርያ ዓመት ሽመቶም ብዕለት 28 መጋቢት 2013 ዓም ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ሓደራ ዝበልዋ ብምዝካር ከኣ ‘በጊዕ በጊዕ እትሽትቱ ጓሶት ነፍሳት ክትኮኑ እምነ’ ኢሎሞም።
ሕጉሳት! ዋዛ ምስ ቊምነገር ዘዘውትሩ ካህናት!
ቅዱስነቶም ንሓደ ጓሳ ነፍሳት ክህልዎ ካብ ዘለዎ ጠባያት እቲ ብልማድ ዋዛ ምስ ቊምነገር ዘዘውትር ብኩሉ ቅቡል ከምዝኸውን ዝእምት ምስላ ብምጥቃም ‘ጓሶት ሕይወት ዘለዎም ክነብሩ ዝኽእሉ ምስ ሕዝቦም ክሕጐሱን ክስሕቁን ከምኡ እውን ክሓዝኑን ክበኽዩን ዝኽእሉ ሕጽር ብዝበለ ምስ ሕዝቦም ዝዋስኡ ክኾኑ ኣለዎም’ እንክብሉ ምስ ገለጹ ኣድህቦኻ ኣብ መጽናዕትን ብሕትውናን ናይ ምሕላፍ ሓደጋ ከምዘሎ እውን ኣይሓብኡን። ምናዳ ናብ ህውታተ ገጹ ዝወስድ ብዛዕባ ክህነትን ካህነትን ዝግበር ትንታነታት ከም ናይ ቤተ ሙከራ ምሳሌታት ምዃኖም ብምግላጽ ሕጽር ብዝበለ ካብ እዝግን ሕዝቡን ዝተነጸለ ካህን ካቶሊካዊ ካህን ክትብሎ ኣጸጋሚ ምዃኑ ወረ ብሱሩ ክርስትያን ምዃኑ እውን የጠራጥር እንክብሉ ምስ እዝግን መጓሲኦምን ክዋስኡ ሓደራ ኢሎም።
ካብቲ ከምዚ ክኸውን እየ እዝን እዝን እንተገበርኩ እየ ዕውት ካህን ዝኸውን ዝብል ኣብ ኣእምሮኹም ዘሎ ሓሳባት ኣውጺእኩም ደርብይዎ። ምናዳ ኸኣ ሕልምታት ዕብየትን መን ምዃነይ ብመጽናዕተይን ጠባየይን ከርእዮም እየ ዝብል ኣነነትን ካብ ኣእምሮኦም ከውጽእዎ እሞ ንእግዚአብሔርን ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔርን ማእከል ዕለታዊ ሳህሮኹም ግበሩ። ጓሳ እንክበሃል ንእግዚአብሔርን ሕዝቡን ማእከል ሕይወቱ ዝገበረ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እውን ቅዱስነቶም ካልእ ዘሻቅሎም ጉዳይ ኣውኪኦም። እዚ ከኣ ሓድሓደ ካህናት ኣብ ትምህርትን ምርምርን ተሸሚሞም ምሉእ ሓይሎምን ግዜኦምን ኣብ ምምህርና ብምሕላፍ ምንም ዓይነት ጒስነት ነፍሳት ዘየዘውተሩ ብሓቂ ካብ መስመር ክህነት ይወጹ ስለዘለው ኣሕጽር ኣቢሎም ብያኔ ምሕታት ይሓይሽ ኢሎም።
ከም ማሕበር ኣሕዋት ኰይኖም ብሓንሳብ ኣብ ዝነብሩሉ ካብቲ ዘርኢ ጸላኤ ሠናያት ዝኾነ ምጒጅጃል ክሃድሙ ንማንም ከየጓንዩን ከይንጽሉ ሕሜታን ቤላቤለውን ከርሕቁ ካብ መንፈስ ትዕቢትን ኣነነትን ክርሕቁ እኳ ደኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከም ውህበት እግዚአብሔር ነንሕድሕዶም ክቀባበሉ ንምሕረት እግዚአብሔር ብምስትንታን ንሕውነት ብሓቂ ክነብርዎ መንፈስ ጸሎትን ንጹሕ ርክብን ከዘውቱሩ ከም ካህናት ከኣ ብብርሃን ወንጌል ጣዕሚ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብምክፋል ንዝጭነቁ ልብታት ተስፋ ከስንቁ ሓደራ ብማለት ምዒዶሞም።
ኣብቲ ከም ካህናት ንክፍጽምዎ ሓደራ ዝበልዎም ግራት ጒስነት ኣብነት ቅዱስ ዮሴፍ ተኸቲሎም ከምቲ ንሱ ንፍርህን ተኣፋፍነቱን ድኻምነቱ ጽኑዕ እምነት ኣብ እግዚአብሔር ብምግባር ዝሰገሮን ተልእኮኡ ዝፈጸመን ንዘገልግልዎም ሰባት በዚ መንፈስ እዚ ተደሪኾም ንባበ መለኮት ስነ ሰብ ከዘውትሩ ንሰብ ከም ክቡር ፍጥረት እግዚአብሔር ብምምልካት ብኩሉ ኩሉ ክሕግዙ ሓደራ ብማለት ዓቢይ መጋበሪት ዝበልዎ ምስጋና ወትሩ ከዘውትርዋ ንእግዚአብሔር ወትሩ ከመስግኑ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እውን ከም ውህበት እግዚአብሔር ክቀባበሉን ሓደራ ብማለት ምኽሮም ደምደሙ።