ሰበኽቲ ወንጌል ደረቀኛታት ሓለውቲ ሓቂ ዘይኮነ ኣብሰርቲ ሓራ ዘውጽእ ቃል ወንጌል ይኹኑ! ር.ሊ.ጳ

‘ናብ ማሕበራት ገላትያ። ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን ኣሜን። ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ አሎ። እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።’ (ገላ 1.2)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጸሎት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዘካየድናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ስዒቡ ንሎሚ ሓዲስ መደብ ክንጅምር ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ብዝገበርናዮ ኣስተትኖ ጸሎት ብዝበለጸ ክንጽሊ ዝኸኣልናን ካብቲ እንገብሮ ዝነበርና ኣብዚሕ ኣቢልና ጸሎት ኣብ ምዝውታር ዝተዓወትና ክንከውን ተስፋ ኣሎኒ። ሎሚ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዝዝርዝሮም ሓድሓደ ነገራት ክነስተንትን ምደለኹ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ንሓዋርያ ጳውሎስ ብዝበለጸ ንምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ንሱ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ብዕምቈት ዝትንትኖም ኣድለይቲ ኣርእስታት እምነትን ጽባቄ ቃለ ወንጌልን ብዝበለጸ ንምፍላጥ ክሕግዘና እዩ። ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ታሪኽ ሕይወቱ ቁሩብ ይዝርዝር ብዝበለጸ ከኣ ከመይ ከመይ ቢሉ ናብ እምነት ክርስቶስ ከምዝመጸን ሕይወቱ ምስ ተለወጠ ኣብ ኣገልግሎት ክርስቶስ ከመይ ቢሉ ከምዝተጸምደን ይገልጽ። ኣብ ርእሲ እዚ ብዛዕባ ንእምነትና ዘድልዩ ቀንዲ ጉዳያት ብዛዕባ ናጽነትን ሓርነትን ብዛዕባ ጸጋ እግዚአብሔርን ሓደ ክርስትያን ክኽተሎ ዘሎ ናብራን ብሰፊሑ ይገልጽ። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ሽዑ ክርስትና ጥራይ ዘይኮነ ንናይ ሎሚ ቤተክርስትያን እውን ብቀረባ ስለዝትንክፍ እዩ። ንሎሚ እተድሊ ዓባይ መልእኽቲ እያ። ሎሚ ንዓና ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ትመስል።

ብቀዳምነት ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝግለጽ ነጥቢ እቲ ሓዋርያ ዝፈጸሞ ዓቢ ሥራሕ ስብከተወንጌል እንክገልጽ እንተወሓደ ነቲ ክልተ ግዜ ንማሕበረ ክርስትያን ገላትያ ዝገበሮ ምብጻሕ ይዝክር። ቅዱስ ጳውሎስከስ ንነበርቲ እቲ ዞባ ዝኾኑ ክርስትያን ይጽሕፍ። ፈሊና ኣየንቲ ዞባ ምዃና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ከምኡ እውን ትኽክለኛ ዕለት ናይታ መልእኽቲ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን። እንተኾነ ሰብ ገላትያ ሓደ ካብቲ ጥንታዊ ሰልቲካዊ ሕዝቢ ኮይኑ ኣናቶልያ ኣብ ዝበሃል ዞባ ኣንክይራ እትበሃል ጥንታዊት ከተማ ርእሳ ከምዝነበረት ንፈልጥ። እዛ ከተማ እዚኣ ናይ ሎሚ ርእሰ ከተማ ሃገረ ቱርኪ ኣንካራ እያ። ኣብ 4.13 ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ከዕርፍ ዝተገደደሉ ብሕማም ምዃኑ ይገልጽ። ከምኡ እው ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግሐ 16,6 ‘ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ’ እንክብል ብሕማም ዘይኮነ ንመንፈሳዊ ተልእኮ ከምዝኾነ እውን ይገልጽ። እንተ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ይኹን እንተስ ቅዱስ ሉቃስ ዝብሎ ዘጋጩ የብሎሞን ቀንዲ ዘመልክቶ ጉዳይስ ስብከተ ወንጌል ኣብ ድላይናን ኣብ መደባትናን ከምዘይጽጋዕ እኳ ደኣ ንኩሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ኣንቢርካ ብዘይሓሰብካዮን ብዘይመደብካዮን ናይ ጐይታ መንገድታት ክትጐዓዝ ፍቃደኛ ምዃን እዩ። ሎሚ ሰላም እንክብለኩም ሓንቲ ስድራ ኣዘራሪበስ ናይ ሊትዋንያ ቋንቋ ክንመሃር ንቃለስ ኣሎና ንስብከተ ወንጌል ናብኡ ክንከይድ ኢና ኢሎምኒ። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስብከተወንጌል ዝወፍሩ ሎሚ እውን ከምዝልእኽ ምልክት እዩ። ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ እንምለስ በዛ ምንም መከላኸሊ ዘይብላ ተልእኮ ስብከተ ወንጌሉ ኣብ ዞባ ገላትያ ዝተፈላለያ ናኣሽቱ ማሕበረ ክርስትያናት ከምዘቆመ ንግንዘብ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሓንቲ ከተማስ ይኹን ኣብ ሓደ ዞባ እንክበጽሕ ዓበይቲ ካተድራላት ኣይኮነን ዚሃንጽ ዝነበረ። ነዛ ሎሚ ነስተማቅራ ዘሎና ባህሊ ክርስትና መባዂዕቲ ዝኾና ናኣሽቱ ማሕበረ ክርስትያን የቁውም ነበረ። ናኣሽቱ ማሕበረ ክርስትያን ብምቋም ይጅምር ነበረ። እዘን ናኣሽቱ ማሕበራት ከኣ እናዓበያ ንቅድሚት ይግስግሳ ነበራ። ሎሚ እውን እንተኾነ ናይ ስብከተ ወንጌል ኣገባብ እዚ እዩ። ዝሓለፈ ሶሙን ካብ ፓፓው ኒው ጊኒ ካብ ሓደ ልኡኽ ወንጌል ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ተቀቢለ። ኣብ ሓደ ዱር ኣብ ዝርከቡ ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ ወረ ንዘይነበሮም ሰባት ወንጌል እሰብኽ ኣሎኹ ኢሉኒ። ከምዚ ክትሰምዕ ብጣዕሚ ደስ ይብል። ብከምዚ ናኣሽቱ ማሕበራት ክርስትያን ብምቋም ይጅመር። ሎሚ እውን እዚ ኣገባብ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል የድልየና ኣሎ።

ኣብዛ መልእኽቲ እንምልከቶ ብኩሉ ኩሉ ሓዊ ኰይኑ ዝነበረ ናይቲ ሽዑ ሓዋርያዊ ጒስነት ሻቅሎት ነበረ። ንሱ ሓሓሊፉ ነዘን ናኣሽቱ ኣብያተ ክርስትያን ምስ ኣቈመ ዓቢ ግድል ኣብ ቅድሚኡ ይቅጀል። ሓደ ጓሳ ከምቲ ኣቦን ኣደን ንደቆም ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ዘሻቅሎም እሞ ንምሕጋዞም ዝጐዩ ነታ ማሕበር ኣብ ዕብየትን ብስለትን እምነታ ከጋጥማ ዝኽእል ጸገም ንምፍታሕ ይጓየ። እተን ናኣሽቱ ኣብያተ ክርስትያን ክዓብያ ይጅምራ መጠኑ ከኣ ሓደጋ የጋጥም ከምቲ ሓደ ጸሓፊ ዝብሎ ነዘን ማሕበራት ንክጐድኡ ነጠቅቲ ተዃሉ ይቀላቀሉ። ኣብ መንጎ እዘን ማሕበራት እዚኤን ካብ ኣይሁድ ዝመጹ ክርስትያን ሰሊኾም ኣትዮም ነበሩ። ተጻይ እቲ ሓዋርያ ዝመሃሮ ትምህርቲ ክሳብ ንኣኡ ንምቅላል እውን ዝእንፍቱ ትምህርቲ ይነዝሑ ነበሩ። እዚ እው እዚ ኣይፋል እናበሉ ሓዲስ ትምህርቲ ኣተኣታተው ቀጺሎም ከኣ ኣብ ምቊንጻብ ጳውሎስ ወፈሩ። እዚ ከኣ ንሥልጣን ሓደ ሓዋርያ ንክትኣሉ ወትሩ ዝግበር ኣገባብ እዩ። ከም እንዕዘቦ ሎሚ ዝተፈጥረ ከይመስለና ካብ ጥንቲ ዝነበረ እዩ። ኣብ ገገሊኡ ኣጋጣሚታት ሓቂ ምስኦም ጥራይ ዘላ ንጹሓት ኰይኑ ብምቅራብ ነቲ ብካልኦት ዝተገብረ ሥራሕ ከነኣእሱን ብሕሜታን ቤላቤለውን ከዕንውን ይርከቡ። እዞም ተጻረርቲ ቅዱስ ጳውሎስ እቶም ኣረማውያን እውን ክግዘሩን ከም ሥርዓት ሙሴ ክነብሩን ኣለዎም ብማለት ሕንፍሽፍሽ የእትው ነበሩ። ናብቲ ብሕጊ ወንጌል ዝተሓደሰን ዝተሰግረን ናይ ጥንቲ ነገራት ንድሕሪት ይምለሱ። በዚ ከምዚኸስ ሰብ ገላትያ ባህሎምን መንነቶምን ሓዲጎም ኣብ ሕግን ሥርዓትን ልምድን ዕብራውያን ኪኣትው ይግደዱ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ከኣ እቶም ጸላእቲ ‘ቅዱስ ጳውሎስ ሓቀኛ ሓዋርያ ኣይኮነን ስለዚ ንስብከተ ወንጌል ምንም ዓይነት ሥልጣን የብሉን’ ክሳብ ምባል እውን በጽሑ። ኣብዚ ዘመንና እውን እንተኾነ ከምዚ ዓይነት ጸገም ዕለት ዕለት እንዕዘቦን እንሰምዖን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ማሕበረ ክርስትያን ወይውን ሰበኻ ገለ ናይ ቤላቤለው ታሪኽ ጸለመ ክዝርጋሕ ይጅምር ቅንይ ኢሉ ኸኣ እቲ ቆሞስ ወይውን እቲ ኣቡን ናይዚ ጸለመ ግዳይ ይኸውን። እዚ መንገዲ ጸላኤ ሰናያት እዩ። ንሕዝቢ ይመቃቅል። ምንም ክህነጽ ከምዘይከኣል ይገብር። ኣብዛ ናብ ሰብ ገላትያ ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ጳውሎስ እውን ነዚ ኢና እንዕዘብ።

ሰብ ገላትያ ኣብ ቅልውላው ነበሩ። እንታይ ይግበሩ! ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሰበኾም ምስማዕን ምኽታልንዶ ወይስ እቶም ከሰስቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዘቅርብዎ ዝነበሩ ይቀበሉ! ኣብ ልቦም ኰይኑ ዘዕገርግሮም ዝነበረ ምጥርጣር ምሕሳቡ ከቢድ ኣይኮነን። ነዞም ሰባት እዚኦም ንኢየሱስ ክርስቶስ ምፍላጥን በታ ብሞቱን ብትንሣኤኡን ዝተፈጸመት ድሕነት ምእማንን ናይ ሓዲስ ሕይወት ምጅማር ናይ ሓዲስ ሓርነት ናብራ ምጅማር ነበረ። ክንዮ እቲ ብብዙሕ ዓመጽን ባርነትን ዝተቀናጀወ ክሳብ ብግዝኣት ሮማውያን ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዘጸግሞም ዝነበረ ታሪኾም ብክርስቶስ ሓርነት ከምዝለበሱ ተሰቊርዎም ነበረ። እንተኾነ እዞም ሰሊኾም ዚኣተው ሓደስቲ ሰበኽቲ ወንጌል ምስ በጽበጽዎም ክጠራጠሩ ጀመሩ። መን ኮን እዩ ሓቀኛ! ጳውሎስዶ ይኸውን ወይስ እዞም ሕጂ ካልእ ጉዳይ ዝምህሩ ዘለው ሓደስቲ ሰበኽቲ! ንመኖም ንእመን! እንክብሉ ኩሉ ፋሕፋሕ ይብሎም። ብሓቂ ዓቢ ጸገም ነበረ።     

እዚ ጸገም እዚ ካብዞም ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዓለም ዝፈናጨሉ ዘለው ማሕበረ ክርስትያናትና ዝተፈልየ ኣይኮነን። ሎሚ እውን እንተኾነ ምናዳ በዚ ናይ ዘመንና ምዕቡላት መራኸቢ ብዙሓን ገሮም ንማሕበረ ክርስትያን ዝመቃቅሉን ዝህውጹን ሰበኽቲ ኣይሰኣኑን እዮም። እዞም መጋገይቲ እዚኦም ነቲ ፍቅሩ ብሞትን ትንሣኤን ኢየሱስ ዝገለጸ ቃለ ወንጌል ኣይኮኑን ክሰብኩ ዝመጹ እንታይ ደኣ ብዓቢ ኣጽንዖት ናይ ሓቂ ሓለውቲ ከምዝኾኑ ነታ ንሶም ዝሓስብዋ ሓቂ ንክሰብኩ ብኣኡ ከኣ ዝበለጸ ክርስትያን ክኽወን ከምዝከኣል ንምግዋሕ እዩ። ምስዚ ከኣ ሓቀኛ ክርስትና እቲ ንሶም ዝኽተልዎ ምዃኑ ምስ ገለ ሕሉፍ ታሪኾም ብሓይሊ ከእምኑ ብምጽዓር ሓቀኛ እምነት ንከይጠፍእን ሎሚ ንዘሎ ቅልውላው እምነት ንምስጋርን ናብኦም ክትጽንበር ይዕድሙ። ሎሚ እውን እንተኾነ እዚ ምስ ሕሉፍ ባህላዊ ጸቢብ ሓቅታት ተቋሪንካ ካብኡ ተንከስ ኣይትበል ዝብል ፈተና ኣሎ። እንተኾነ ነዞም ሰባት እዚኦም ከመይ ገቢርና ኢና ክነለልዮም እንኽእል እንተበልና፡ ንኣብነት ሓደ ምልክት ድርቅናኦም እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓራ ዝገብረናን ታሕጓስ ዝዕድለና ቃል ወንጌል እዞም ሰባት እዚኦም ደረቀይናታት እዮም። ግድን እዝን እዝን ክግበር ኣለዋ ይብሉ። መለለዪኦምከስ ድርቅና እዩ። ነቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ዘሎ ትምህርቲ ምስዓብከስ ኣየናይ መንገዲ ክንክተል ከምዘሎና ከብርሃልና ይኽእል። እታ ብሓዋርያ ጳውሎስ ትቀርበልና መንግድኸስ ሓርነት እተልብስ ወትሩ ሓዳስ ዝኾነት መንገዲ እቲ ዝተሰቅለን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ክርስቶስ ኰይና ብትሕትናን ብሕውነትን እትስበኽ ወንጌል እያ። እንተ እዞም ሓደስቲ ሰበኽቲ ትሕትና እንታይ ምዃና ሕውነት እንታይ ምዃና ኣይፈልጥዋን እዮም።  ሓቀኛ መንገዲ መንገዲ ትሕትናን መንገዲ ተኣዝዞን እየን። ንሓደስቲ ሰበኽቲ ትሕትናን ተኣዝዞን ኣይእንታዮምን እየን። እንተ እዛ መንገዲ ትሕትናን ተኣዝዞን በቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝኾነ ዘመን ቤተክርስትያን ዝሠርሖ ሥራሕ ወትሩ ንቅድሚት ምስ ገስገሳ እየን። ኣብ መወዳእታ እንብሎ ኣብ ቤተርስትያና ዝርከብ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተዓለሰ እምነት ንቅድሚ ከሰጒመና ከምኡ እውን ከድሕነና እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 June 2021, 10:26