ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታት ዘይፈልጡ ንኢየሱስ እያቶም ዝኸድዑ፡ ምትኳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሒ የድሊ ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታት ዘይፈልጡ ንኢየሱስ እያቶም ዝኸድዑ፡ ምትኳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሒ የድሊ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ድኻታት ዘይፈልጡ ንኢየሱስ እያቶም ዝኸድዑ፡ ምትኳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሒ የድሊ

ገይሮም፥ “ኣመንቲ ንኢየሱስ ብኣካል ኪርእይዎን ብኣእዳዎም ኪትክፍዎን ምስ ዚደልዩ ናበይ ከብሉ ከምዘለዎ ይፈልጡ እያቶም - ድኻታት ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ምስጢር እያቶም፡ ንኢየሱስ ይወክሉ ናብኡ እውን ይመርሑ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ሕዳር ንዝበዓል ዓለም ለኸ መዓልቲ ድኽታት ድሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ” ዝብል ኣርእስቲ ዘንበርሉ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያንን መንግስታትን ብሕጹጽን ብሓድሽን እገባብ ንድኻታት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ እውን ድኽነት እዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ዘጋጥመም ዘሎ መሪር ድኽነት ንምውጋድ ዝካየድ ጻዕሪ ኣዚዩ ክበራታዕ ሓያል ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ድኽነት ዜምጽእ ስስዔ ስለ ዝኾነ ኣነባብራና” ንኽልውጥ ለበዋኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቤታንያ ኢየሱስ ንዅሎም ሰባት “እቲ ቐዳማይ ድኻ ንሱን ካብ ድኻታት እቲ ዝደኸየብ ነቶም ድኻታት ዝውክል ምዃኑ” የዘኻኽሮም፡ ብስም እቶም ኵሎም ድኻታት እውን እታ ሰበይቲ ክቡር ቀዶ ርእሱ ተፍስሶ፥ ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት እቲ ዕለት 14 ሕዳር ዝበዓል ሓምሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፥ ናይ መልእኽቶም ሕመረት ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕራፍ 14 ዝተወስደ፥ “ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ” ዝብል መርሕ ቃል ገይሮም፥ “ኣመንቲ ንኢየሱስ ብኣካል ኪርእይዎን ብኣእዳዎም ኪትክፍዎን ምስ ዚደልዩ ናበይ ከብሉ ከምዘለዎ ይፈልጡ እያቶም -  ድኻታት ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ምስጢር እያቶም፡ ንኢየሱስ ይወክሉ ናብኡ እውን ይመርሑ” እንክብሉ የብርሁ።

ድኻታት ኣብ ማእከል ጒዕዞ ቤተ ክርስቲያን እዮም

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ወንጌላው ማርቆስ ከም ዝገልጾ፡ ሓንቲ ሰበይንቲ 300 ዲናር ዝዋግኡ እዚዩ ኽብሩ ቀዶ ኣብ ርእሲ ኢየሱስ ስለ ዘፍሰሰት ይሁዳ ነቐፌታ የቕርብ፡ ኢየኡስ ድማ “እዚ ምባሉ ንድኻታት ስለ ዝሓለየሎም ዘይኮነስ ፈያታዊ ስለ ዝነበረን ኣብ ቤቱ እውን ካዝና መቐመጥ ዲናር ስለ ዝሓዘን እዩ፡` ንድኻታት ዘየለልዩ ንትምህርቲ ኢየሱስ ዝኽሕዱን ደቀ መዛሙርቱ እውን ኪኾኑ ዘይኽእሉን እያቶም” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ “ድኻታት ኣብ ማእከል ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን እያቶም” ይብሉ።

ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ድኻታት ክትገልጾ ብዘይከኣ ደረጃ ብዝሖም ክብ ይብል ኣሎ

ሎሚ እውን እንተ ዀነ እቲ ለብዒ ብዝሒ ድኻታት ብዝያዳ ከብ ክብል ከምዝገበረን እዚ ኸኣ “መከራን ሞትን እውን ኣብ ዘየስዕበሉ እዋን ምንጪ ድኽነት ካብ ምዃን ኣይቦኸረን” በዚ ምኽንያት`ዚ እውን ብዝሒ ድኻታት ክብ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ዝቕጽሉ እዋርሕ እውን እቲ ብዝሒ እናዛየደ እዩ ዝኸውይድ።”

ገሊአን ሃገራት ብሰንኪ እቲ ለብዒ ንኸቢድ ሳዕቤን ተቓሊዔን ኣለዋ፡ እዚ ኸኣ እቶም ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ነገራት ከይረኽቡ ይገብር ኣሎ፡ ኣብቲ ንድኻታት ናይ መመገቢ ስፍራ እውን ተራእዩ ዘይፈልጥ ሪጋ ጭቡጥ መረጋገጹ እዩ!  

ስለዚህ ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም “ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ለብዒ ንምቅላስ ዝበለጸ መፍትሒ ክርከብ ኣለዎ። ብፍላይ ነቶም ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ብዙሓት ወለዲ ኣባይቲ ስድራን ኣንስትን መንእሰያትን ብዘይ ናይ ዝተወሰነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ውልቃዊ ረብሓ ምድላይ፡ ንሰብኣዊ ዕብየት ዝብጅው ርጡብ መልሲ ምሃብ ህጹጽ እዩ። ከምታ ንርእሲ ኢየሱስ ብጨና ዝለኸየት፡ ስማ ዘይፍለጥ ፍልስጥኤማዊት ልክዕ ከምኣ እውን ንስእነት ስራሕ ተቓልዔንን ተነጺለንን ዝነብራ ብዙሓት እያተን፡ ኣብ ወንጌል ግና ብዙሓት ኣንስቲ ናይ ግልጸት ተዋሰእቲ እያተን።” ይብሉ።

ድኽነት ብሰንኪ ጽሕፍቶ ዘይኮነ ሳዕቤን ስስዐ እዩ

እቲ ዘሕዝን ይብሉ ቅዱስነቶም “ውልቃውነት ዝብል ኣገባብ ሕይወት ድኽነት ኣብ ምፍጣር ግደ ኣለዎ፥ ምብዛሕቲኡ ግዜ ድኻታት ናይ ድኽነቶም ተሓታቲ ገይሩ የቕርቦም` ድኽነት ግን ብሰንኪ ጽሕፍቶ ዘይኰን ብሰንኪ ስስዐ እዩ ዚመጽእ።” ስለዚህ “ንድኽነት ዝተፈልየ መቓርብ የድልዮ፡ እቲ ዓቢይ ብድሆ ንመንግስታትን ትካላትን ተቕዋማትን ዓለም፡ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓድሽ ድኽነት ንርሑቕ ብዝጥምት ማሕበራዊ ኣገባብ ክምልከትዎ” ብርቱዕ ምሕጽንታ የቕርቡ።

“ድኻታት ናይቲ ዘጓነፎም ድኽነት ከም ተሓተትቲ እናተራእዩ እንተድኣ ዝሕረጉ ኰይኖም፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ናይ ደሞክራሲ ኣምር ኣብ ቅልውላው የእትውን ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ፖለቲካ እውን ከይተረፈ ፍሹል ይኸውን”

ቅዱስነቶም ቀጺሎም፥ ብትሕትና ኣብ ቅድሚ ድኻታት “መብዛሕቲኡ ግዜ ዘይብቑዓት ኢና - ቢሎም -  ብዛዕባኦም ብዘይጭቡጥ ንዛረብ ኣብ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ደው ንብል ብዛዕባኦም ኣብ ዝቐርብ ሰነዳዊ ታሪኽ ጥራሕ ንደናፈቕ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ድኽነት ናብ መሃዛዊ መደባት እዩ ክድርኽ ዘለዎ።”

ምትኳብ እዅል ኣይኮነ ነባሪ ዝኾነ ነገር እዩ ከነካፍል ዝግባእ

ኢየሱስ “ድኻታት ወትሩ ምሳኻትኩም ኣለዉ” ኪብሎም ከሎ ዘቕርቦ ዕድመ “ነቲ ጽቡቕ ንምግባር እተዋህበ ኣጋጣሚ ከይንርስዖ እዩ ዝዕድም” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም እነጺሮም፡ “ይዅን እምበር “ብትካቦ ሕልናና ንምቕሳን ዘይኰነስ ሸለልትነትን ኢፍትሓውነትን ኢና ክንቃወውም ዝግብኣና፡ ምትኳብ ሓሓሊፉ ዝፍጸም እዩ፡ እቲ ዘድሊ ግና ነባሪ ዝኾነ ነገር ምክፋል እዩ፡ ምትኳብ ነቶም ዝፍጽምዎ ቅሳነት ነቶም ዚቕበልዎ ወርደት ክኸውን ይኽእል፡ ነባሪ ነገር ምክፋል ግና ሓድነት የደልድል ፍትሒ ንምዕታር ድማ ኣድላዪ ዅነታት የንብር።”

ምስክርነት ኣባ ዳሚያኖ፥ ሓዋርያ ለምጻማት

እቲ ሓዋርያ ለምጻማት ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ቅዱስ ዳሚያኖ ደ ቨስተር፥ “ናብታ ለምጻማት ጥራይ ዝነብሩላ ቑሸት ናብ ዝኾነት ዴስት ሞሎካይ ኪኸዱን ምሳታቶም ኪነብርን ኣብኡ እውን ሕይወቱ ከሕልፍን ንዝቐረበሉ ጸዋዕታ ብልግሲ ምላሽ ሂቡሉ እዩ” ለብዒ ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን “ጸጋ ኣምላኽ ብርግጽ ኣብ ኣልባብ ብዙሓት ሰባት ይዓዪ ኣሎ፡” ብጭቡጥ፥ “ብዘይ ረኣዩለይ ነቶም ዝደኸዩ ብጭቡጥ ኣብ ምክፋል ግዜኦም ዝስውኡ” መሰኻኽር ኣለዉ።

ዘይጥንቍቕ ቝጠባን ነጻሊ (ጐናዪ) መጻወዲያን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ነታ Evangelii gaudiuም - ናይ ወንጌል ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን “ነጻልን ዘይምዕሩይ ቝጠባ ኣይፋል፡ ኣይፋል ንዝቐትል ቝጠባ፡ ንረብሓታትን መሰላት ገሊኣቶም ጥራሕ ማእከል ንዝገብር፡ ድኻታት ዘይጻወር ጾር እያቶም ንዝብል ቝጠባ ኣይፋል፡ ዕሽሽ ዝብልን ዝደልዮ ስነ ምግባር መምዘንታት ጥራሕ ዝሓርይ ፍኑው ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ድሮ እቶም ኣብ ስንኩፍ ኵነታት ዝነብሩ ዚጸልውን ኢሰብኣዊ ኵነት ዝፈጥርን እዩ፡ ሰብኣውነት ኣተሓሳስባን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዝጐድሎን ጨካን ቁጠባውን ገንዘባውን፥ ተዋሰእቲ ሓደስቲ ኢሰብኣውያንን ነጻልን መጻወዲያ” ኢዮም ዝፈጥሩ።

ንክርስቶስ ኣብ ሕይወት ድኻታት ነለልዮ

ክርስቲያን - ይብሉ ቅዱነቶም - ኣብ መንጐ ኢየሱስን ድኻታትን ብስራት ወንጌልን ዘይብተኽ ማእሰር ከምዘሎ ዝሟጎት እዩ፥ እቲ ኢየሱስ ዝገልጾ ወጅሒ ኣምላኽ፡ ኣቦ ድኻታትን ቀረባ ንድኻታትን እዩ፡ ኵሉ ተልእኾ ኢየሱስ ድኽነት ጽሕፍቶ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ናይ ህላዌኡ ኣብ መንጐና ጭቡጥ ትእምርቲ እዩ፡ ንኽርስቶስ መኣዝን ኣበይን ድላይና ዘይኮነ እንረኽቦ፡ ኣብ ሕይወት ድኻታትን ስቓዮምን ኣብ ሕሰሞምን ኵነታቶም ኢና እነለልዮ።”

ድኻታት ናይ ሓቂ ወንጌላውያን እያቶም ቢለ ደጋጊሚ ክዛረብ ኣይስልክየንን እዩ፡ ከመይሲ ብቐዳምነት ወንጌል ዝበጸሖምን ናይ ጐይታ ሃሴትን መንግስትን ንኽካፈሉ ዝተጸውዑን ስለ ዝዀኑ፥ ኣብ ዝኾነ ኵነታትን ጽፍሒ ድኽነት ዝርከቡ ድኻታት ሰባኪያን ወንጌል እያቶም፡ ከመይሲ ነቲ ናይ ጐይታ ወጅሂ ብሓቀይና ባህርይን ብሓድሽ መገድን ንኽንራኸቦ ስለ ዘኽእሉና”

ኣባ ማዞላሪ፥ ድኻታት ንሓድሕዶም ይተሓቛቖፉ እምበር ኣይጸባጸቡን እያቶም

ቅዱስ ኣቦና እቲ ዕለት 14 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ሓምሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብታ ናይ 1949 ዓ.ም. “ሕጂ” ዘርእታ ናይ ኣባ ማዞላሪ መጽሓፍ “ድኻታት ኣለዉ ድዮም የለዉን እቲ ብዝሖምከ ክንደይ ይኸውን ቢሉኵም ከይተሕቱኒ እምሕጸነኵም፡ ከመይሲ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ንሕልናን ንልብን ጠባርን ኣቃልቦ ዚሰርቕ ወይ ምኽኒት ከይከውን ስለ ዝፈርህ እዩ፡  ኣነ ድኻታት ክንደይ እያቶም ቢለ ቆጺረዮም ኣይፈልጥን ምኽንያቱ ድኻታት ሓንጐፋይ ቢልካ እትቕበሎምን እትሓቝፎምን እምበር እትቖጽሮም ስለ ዘይኮኑ እዩ” ብዝብል ሓሳብ የጠቓልሉ።

16 June 2021, 00:27