ቤተክርስትያን ንኩሉ እትቅበል ዓባይ ኣደራሽ እምበር ንፍጹማን ጥራይ እትኸውን ዕጽውቲ ክቢ ኣይኮነትን! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ብዛዕባ ቤተክርስትያን ዘሎና ስምዒትን ርድኢትን ምልስ ንከነስተንትን ብዝዕድም ቃና ዶን ፕሪሞ ሞዛላሪ ዝበሃሉ ቤተ ክርስትያን ክፉት መዓጹ እትውንን ኩሎም ኪእትውዎ ዝኽእሉ ዓቢ ኣደራሽ እምበር ናይ ቁሩባት ምሩጻት እንብሎም መአከቢ ከምዘይኮነት ንምግላጽ ዝበልዎ ከምዚ ክብሉ ይጠቅሱ።
እዛ ጐይታ ተመንዩ ዝተኸላ ቤተክርስትያንከስ መሓውራ ዘርጊሓ ንኩሉ ክትቅበል ክፍቲ ዝኾነት ማሕበር ኰይና ከም ቀንዲ ምንጪ ህላዌኣን ሓይላን ከኣ ኣድናቆትን ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባንን ክተዘውትር ኣለዋ። እዚ ምስ ዘይህሉ ናብ ጐይታ ናብ መንግሥተ ሰማይ ዘብጽሓና መንገዲ የለን። እቲ ብሲኖዶስ ዝፍለት ብሕብረት ጒዕዞ ቤተክርስትያን እውን የለን ኢሎም።
ርሕው መዓጹ እትውንን ቤተክርስትያን!
‘ቤተ ክርስትያን ሰፊሕ ኣዳራሽ ክትከውን ኣለዋ’ እንክብሉ ዝደጋገሙ ቅዱስነቶም ነቲ ሎምዘመን እውን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ልማድ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራነንሰ ብምቅዳስ ክሳብ ሳንታ ማርያ ማጆረ ዑደት ቅዱስ ቊርባን ብምግባር ዝዝውተር ኣከባብራ በዓል ቅዱስ ሥጋሁ ወክቡር ደሙ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመራኸቢ ብዙሓን ብዙሓት ከምዝከታተልዎም ብምስትውዓል ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ንኣስተንትኖ ኣቅረቡ። እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ‘ቤተክርስትያን ንሓደ ዝቈሰለ ዝተጋገየ መሲልዎ እውን ካልእ መንገዲ ዝኽተል ዝነበረ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንክረክብ ክትመርሖ ዓባይ ኣዳርሽዶ ኰይና ትቅበሎ!’ ትብል ኰይና እታ ካልአይቲ ከኣ ‘ጐይታ ብቅዱስ ቊርባን ነቲ ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ዝደኸመን ዝጠመየ ክዕንግልዶ ኣይኮነን ሰሪዕዎ’ ድሕሪ ቢሎም ክልቲኤን ብአወንታ ይምልሹ እሞ ነዚአን ከይንርስዕ ሓደራ ይብሉ። ምስ እዚአን ማዕረ ማዕረ እትጐዓዝ ግግይቲ ኣተሓሳስባ ከኣ ንክንእረማ ሓደራ ይብሉ። ንሳ ኸኣ ‘ንጻድቃንን ፍጹማን ንጹሓንን እትሕዛእ ቤተክርስትያን ንማንም ዝኸውን ቦታ የብላን። ስለዚ ቤተክርስትያን ርሕው መዓጹ ሃልይዋ ኣብ ዙርያ ክርስቶስ በዓላ እተኽብር እያ ሰፊሕ ኣዳራሽ ኰይና ኩሎም ኪኣትውዋ ዝኽእሉ እውነተኛ ቤተክርስትያን’ ኢሎም።
ጽምኢ ዝወረሮ ዘመደ ኣዳም!
እዛ ሰፋሕ ኣዳራሽ ኢሎም ዝገለጽዋ ቤተክርስትያን ካብቲ ብዙሕ መለለዪታት ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ሰለስተ ምልክታት ይጠቅሱ። እታ ሓንቲ እታ ጐይታና ኢየሱስ ክልተ ካብ ኣርድእቱ ጸዊዑ ድራር ፋሲካ ንከሰናድው ማይ ተሸኪሙ ዝኸይድ ሰብኣይ ክትርኽቡ ኢኹም ሰዓብዎ ዝበሎም እያ። እዚ መንነቱ ዘይፍለጥ ሰብ ንሓዋርያት መሪሕ ክኾኖም ኢየሱስ ይሕብሮም መፍለጢኡ ከኣ ናይ ማይ ብሮካ ተሸኪሙ ኣሎ። እዛ ምሳሌ እዚኣ ጽምኢ ንዝወረሮ ዘመደ ኣዳም ከም እትመልክት ዝገልጹ ቅዱስነቶም እዚኣ ዝጸምአ ሰብ ወትሩ ማይ ሃሰስ ይብል ምስ ረኸበ እቲ ማይ ጽምኡ አርውዩ ሓዲሽ ሓይሊ ሓዲስ ሕይወት ይዘርአሉ ኢሎም።
በይንና ባዕልና ምንም ክንገብር ኣይንኽእልን!
መጀመርያ ጸገምና ኣለሊና ምኽእል እቲ ዝዓበየ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ብዓለ ጥቐ ቅዱስ ቊርባን ንምኽባር እታ ክንፈልጣ ዘሎና እዛ ጽምኢ እግዚአብሔር እያ። ነዚ ከኣ እቲ መግቢ ሕይወትን ዘለዓለማዊ መስተን ዝኾነ ጐይታ ከሰንየና ግድን ከምዝኾነ ክንፈልጥ ኣሎና። ናይ ዘመንና ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ንእግዚአብሔር ዝደልዩ ጽምኢ እግዚአብሔር ዘለዎም ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሓዱ ምኻዶም እዩ። ብዛዕባ እግዚአብሔር ዝሓስቡ የለውን። ከመይ ብካልእ ጉዳያት ስለዝተዋሕጡ ጽምኡ የብሎም ኣይስሕቦምን እውን። ናብ መንበረ ታቦት ገጻ እትስሕበናኸስ ጽምኢ እግዚአብሔር እያ። እዚኣ እንተዘየና እቲ ንገብሮ ሥርዓታት ደረቅ ምድረበዳ ኰይኑ ይተርፍ።
እግዚአብሔር ከም ንእሽቶ ቊራስ እንጌራ ይቀርበና!
ቅዱስነቶም ናብተን ምልክታት ምልስ ይብሉ እሞ ካብታ ብሮካ ማይ ሒዙ ዝጐዓዝ ሰብኣይ ትርጓሜ ናብታ ካልአይቲ እቲ ሰብኣይ ዘወፈያ ‘ዓባይ ኣደራሽ’ ኣዳራሽ ብኣደራሻ ኸኣ ስልምትን ድራር ፋሲካ ንምፍጻም ዘድሊ ምስንዳእ ዝተገብረላን ኣደራሽ ይሰግሩ። እቲ ዘገርም ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ ክንድዚ ዚኣክል ሰፊሕ ኣደራሽን ምሽብሻብን ንንእሽቶ ቊራስ እንጌራ ምዃኑ እዩ። እግዚአብሔር ዚኣክል ናብ ንእሽቶ ቊራስ እንጌራ ይልወጥ። እቲ ዕቤት ኣደራሽን ሽልማትንከስ ነዚ ዓቢ ምሥጢር እዚ ኣለሊኻ ንምቅባልን ኣምልኾም ስግደትን ንምቅራብን ዘድሊ ሰፊሕ ልቢ ከምዘድሊ የመልክት። ህላዌ እግዚአብሔር አብ መንጎና ክሳብ ክንድዙይ ትሑትን ስቱርን ስለዝኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ክንርእዮ ኣይንኽእልን ስለዚ ንምልልያዩን ንምቅባሉን ዝተሰናደወን ንቁሕን ሰፊሕ ልቢ የድሊ። ብአንጻሩ ልብና ሰፊሕ ኣደራሽ እንተዘይብሉ ዝኣረጉን ግዚኦም ዝሓለፎም ነገራትን ዕሚም እናበልና ንሓብኣሉ በዓቲ ይኸውን። እዚ ኣዳራሽ ልብና ሃንቀውታናን ሕልምታትናን ኣስፊሕና ነቀመጥሉ ሓፍ ዝበለ ሰፊሕ ኣደራሽ ዶ ይመስል ወይስ በይንና ተዓጺና እንነብረሉ ጸገማትናን ጭንቀታትናን እነስቈቊረሉ ጸልማት በዓቲ ኢልና ንሕሰብ። ኣብዚ ግዜ እዢኣ እዩ ነዛ ጸጥታን ሰላምን ዝሰፈና ትሕቲ ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ማእከልና ክንዝክር ዘሎና። ኣብ ቅድሚ እዚ ብቊራስ እንጌራ ዝቀርብ ቅዱስ ቊርባንከስ ኣንክሮናን ኣምልኾናን ስግደትናን ብትሕትናን እምነትን ክንገልጽ ኣሎና ኢሎም።
ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ኣንክሮን ስግደትን ኣምልኾን ምቅራብ ከምዘድሊ!
ጐይታኸስ ከምዚ ብዝበለ ኣገባብ እንክቀርበና ካባና ዝድለ ሰፊሕ ኣዳራሽ ልብና ምስፋሕ እዩ። ስለዚ ካብተን ናኣሽቱ ናይ ኣነነት ገዛውትና ወጺእና ኣብዚ ዓቢ ናይ ኣንክሮን ኣምልኾን ስግደትን ቦታ ክንኣቱ እዩ ዝድለ ዘሎ። እንተኾነ ሎሚ ከም ሎሚ ብጣዕሚ ጐዲሉ ዘለ እዚ እዩ። ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ኰንካ ኣንክሮን ኣምልኾን ስግደትን ምቅራብ የድልየና ኣሎ። ኣብቲ ዕለት ዕለት ከም ቤተክርስትያን እንገብሮ ምንቅስቃሳት ከምኡ እውን ብዛዕባ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነት ንክንዛተ ኣብ እንገብሮ ርክባትን ጉባኤታትን እዚ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቊርባን ኰንካ ዝግበር ስግደትን ኣምልኾን እንተዘየለ ኩሉ ከንቱ እዩ ከመይ ናብ ጐይታ ዘብጽሕ መንገዲ የለን። ንባዕሉ እቲ ሲኖዶስ እንብሎ ኩልና ብሓንሳእ ንቅድሚት ንገስግስ ዝብል ኣምር እውን የለን። ብሓጺሩ ምንም የለን ኢሎም።
እግዚአብሔር ካብና ምንም ኣይደልን እንተኾነ ኩለንትናኡ የወፍየልና!
ቅዱስነቶም ኣብታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ዝበልዋ ታሪኽ ድራር ጸሎተ ሓሙስ ድሕሪ እተን ክልተ ዝቀደማ ምልክታት ኣብ ብሮካ ማይ ዝሓዘን ሰፊሕ ኣደራሽን ዝብላ ጽምኢ እግዚአብሔር ስፍሓት ልቢ ቤተክርስትያንን ምስ ገለጹ እታ ሳልሰይቲ ሕመረት ናይዚ ኩሉ ምሳሌን ኣምሳልን ዝኾነ ምቊራስ እንጌራ ይጠቅሱ። እዛ ኢየሱስ ዝገብራ ምቊራስ እንጌራ መለለዪትና ኰይና እምነትና ዝሓዘት እያ። እንተኾነ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ልብኻ ዝትንክፍ ዓቢ ስቅቅታ ዘሕድር እዩ ከመይ ወልደ እግዚአብሔር ናይ መሥዋዕቲ በጊዕ ኰይኑ ስለኩልና ሕይወቱ ክህብ ክመውት ምዃኑ ምሕሳብ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።
ካብ እንፍጽሞ ዓበይቲ ሥርዓታት ኣምልኾ እቲ ዝተርፍ ፍቅሪ ጥራሕ እዩ!
ሥርዓት ኣምልኾ ቅዱስ ቊርባን ንፍጻም እንጽወዓሉ ፍቅሪ ጥራሕ እዩ እንክብሉ ኩሉ ብፍቅሪ ከምዝጠቃለል ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ንሓውኻ ልብኻ ዓጺኻ እንከሎኻ እንጌራ ቅዱስ ቊርባን ክትቈርስ ኣይከኣልን። ንዝጠመየ እንጌራ ዘይትልግስ እንተኾንካ ነዚ እንጌራ እዚ ክትበልዕ ኣይከኣልን። ኣብ ጸገም ናይ ዝርከቡ ሰባት ስቃይ ዘይትሳተፍ እንተኾንካ ነዚ እንጌራ እዚ ክትካፈል ኣይከኣልን። ኣብ መወዳእታ ኩሉ እንፍጽሞ ዓበይቲ ሥርዓታት ኣምልኾ ፍቅሪ ጥራይ እዩ ጸኒዑ ዝተርፍ። እዚ ከኣ ንሕና እውን ብግደና በቲ ዝቊረስ እንጌራ ተለዊጥና ንካልኦት ዝቊረስ እንጌራ ብምዃን መጠን ዝተጐዓዝናዮ እዩ ቊርባናትና ንዓለምና ክልውጦ ዝኽእል ኢሎም።
ኣብ ኢዳ ብሮካ ማይ ሒዛ እትጐዓዝ ቤተክርስትያን!
ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ቅዱስነቶም ሎሚ ከም ሎሚ ቤተክርስትያን እንታይ ትግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ ነቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ጽምኢ እግዚአብሔር ዳግም ንምብርባር ኩልና ‘ኣብ ኢዳ ብሮካ ማይ ሒዛ ጽምኢ እግዚአብሔር እተበራብርን ማይ ሕይወት እትዕድልን ቤተክርስትያን ንኹን። ኩሎም ንክእትውን ምስ ጐይታ ንክራኸቡን ልብታትና ንፍቅሪ ጋህ ኣቢልና ብምኽፋት ሰፊሕ ኣደራሽ ንኹን። ሕይወትና ንርሕራሔን ንምትሕብባርን ከም ዝቊረስ እንጌራ ነቅርቦ በዚ ከኣ ዓለም ብኣና ኣቢሉ ዕብየት ፍቅሪ እግዚአብሔር ክርኢ እዩ’ እንክብሉ ስብከቶም ደምደሙ።
ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ቅዱስ ቊርባን ብክብሪ ኣብ መንበረ ታቦት ተቀሚጡ ብሱቊታ ኣምልኾን ስግደትን ምስ ኣቅረቡ ብቡራኬ ቅዱስ ቊርባን ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።