መርዓ ካብ ልቢ ዝውለድ ጸዋዕታ ስለዝኾነ ስለእቶም ናብኡ ዝሰናደው መንእሰያት ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ኣብ ምጅማር ወርሒ ንምሉእ ወርሒ ዝጸንሕ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ናብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ ኩሎም ምሳኦም ሓቢሮም ስለ ሓደ ጉዳይ ከምዝጽለ ንወርሒ ሰነ እውን ጽባቄ መርዓን ጸዋዕታኡን ማለት ውዕሊ ዘይኮነ ካብ ልቢ ዝምንጩ ጸዋዕታ ምዃና ብምግንዛብ ኩልና ስለ እቶም ንመርዓ ዝሰናደው ክንጽሊ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንምሕጽንታኦም በቲ ዘሎናዮ ህልው ኩነታት ምናዳ ኸኣ ንመርዓ ብዝርኢ ዘሎ ጸገም ንምግላጽ ‘ርግጽ እዩ ገሊኦም ሰባት ዝብልዎ ማለት መንእሰያት ክምርዓው ኣይደልዩን ምናዳ ኸኣ ኣብ ግዜ ጸገም ዝብል ብሂል ሓቂ እዩ’ እንክብሉ ነቲ ብርእየት ቪድዮ ዘመሓለፍዎ ዕድመ ጸሎት ይጅምሩ። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም እንተኾነ መርዓ ብዙሕ መስዋእትነት ዝሓትት ጒዕዞ ሕይወት ስለዝኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ሕልኽላኻት ከጋጥሞ ግድን እዩ። ምስ ኩሉ ሕልላኻቱን ምስ ጸገማቱን ሕይወት ካልእ ሰብ ምስታፍን ምምርዓውን ብጣዕሚ ጽቡቅ ነገር እዩ። እዚ ከኣ ንምሉእ መዋእልካ ሓቢርካ ብምጒዓዝ ሰብኣይስ ይኹን ሰበይቲ ሓቢሮም እንክነብሩ በይኖም ዘይምዃኖም ክፈልጡ እንታይ ደኣ ኢየሱስ ከምዘሰንዮም የረጋግጽ ኢሎም።

ጸዋዕታ ፍቅሪ!

ቅዱስነቶም ጸዋዕታ መርዓ ካብ ጸዋዕታ ፍቅሪ ከምዝውለድ ፍቅሪ ኸኣ ካብ ልቢ ዝምንጩ ተወፋይነት ዝህብ ዓቢ ጸዋዕታ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ተቀቢላ ኸኣ ቤተክርስትያን ብምሥጢረ ተክሊል ኣጽኒዓ ነቶም ነዚ መንገዲ ሕይወት ዝመርጹ ዓቢ ኣተኩሮን ማእከልነትን ትህቦ ኢሎም።

“መርዓ እንክንብል ማንም ማሕበራው ውዑል ኣይኮነን። ካብ ልቢ ዝውለድ ጸዋዕታ ኰይኑ ፈሊጥካን ረዲኻን እትገብሮ ውሳኔ ንምሉእ ሕይወትካ እውን ዝግበር ስለዝኾነ ፍሉይ ምስንዳው የድልዮ ኢሎም።”

ኣብዚ ጸዋዕታ እዚ እቲ ብፍቅሪ ዝፈጠረና ኣምላኽ ንነፍሲወከፍና ዝኸውን ሕልሚ ከምዘለዎ እዚ እንትርፎ ፍቅሪ ካልእ ኣይኮነን እውን ኢሎም።

ደገፍ ማሕበረሰብ!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዘዘኻኸርዎ ኩሎም ማሕበረ ክርስትያን ከም ማሕበር ነዞም ባእታ ሕብረተሰብ ኰይኖም ከም ንእሽቶይ ሃገር ወይውን ቤተክርስትያን ዝቆሙ ስድራቤታት ብጸጋ ኣምላኽ ክሽለሙ ኩሎም ስለ እቶም ንመርዓ ዝሰናደው ዘለው ክጽልዩን ማሕበረክርስትያን ክድግፍዎምን ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ከኣ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንኩሉ ክትቅበልን ብልቢ ክተፍቅርን ዓቢ ትዕግሥቲ ስለዘድሊ እዞም ንመርዓ ዝሰናደው መንእሰያት እግዚአብሔር ብፍቅርን ብልግስን ምትእምማንን ትዕግሥትን ንክዓብዩ ይደግፎም ኢሎም።”

ዓመት ሥድራቤት!

ነቲ ነዚ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ናብ መላእ ዓለም ዝዝርግሕን ነቲ ቪድዮ ዘሰናዱን ዓለምሓቆፍ መርበብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ምስዚ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ኣብ ዘቅረቦ መዘኻኸሪ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዕለት 19 2021 ዓም ንዝጀመረ ዓመት ሥድራቤት ብምዝኽኻር ንኣባልነት እዞም ስለኦም ዓመት ምሉእ ዝጽለን ዝስትንተንን ዘለው ሥድራቤታት ንዝሰናደው መንእሰያት ዝቀርብ ጸሎት ምዃኑ ክንዝክር ኣሎና ኢሉ።

ንህልው ኩነታት መርዓን ፍትሕን ኣመልኪቱ እውን ካብ 1972 ዓም ንነጀው ኣብ ምጥሓል ገጹ እንክጐዓዝ ዝገደደ ኸኣ ናይ ፍትሕ ጉዳያት ንሰማይ ገጹ እንክውንጨፍ እቲ ቀደም ኣብ ደሓን ዝኾነ ዕድመ ዝግበር ዝነበረ መርዓ ዳርጋ ኣብ እርጋን ምስ ተገማገምካ እናኾነ ምምጽኡ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ክንዲ ምጽናዕ ኪዳን ናብ ምፍታሕ ምዝዛው እውን ክነስተውዕለሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

03 June 2021, 13:22