ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ የልቦን! ንሓጢኣተኛ ሕይወትና ለዊጡ ሓዋርያ ይገብር! ር.ሊ.ጳ

‘ጳውሎስ፡ ሓዋርያ ብኢየሱስ ክርስቶስ በቲ እግዚኣብሔር ኣቦ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡. . . ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከሎኹስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። . . . እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡’ (ገላ 1,1.13.15-16)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ዝሓለፈ ሶሙን ዝጀመርናዮ ምንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ በብቁሩብ ክንምልከት ኢና። እዚኦም ክርስትያን እዚኦም እምነቶም ንምባር ኣብ ከመይ ዝበለ ግጭታት ከምዝተረኽቡ ተመልኪትና ነርና። ሓዋርያ ጳውሎስ እንክጽሕፈሎም ከኣ ኣብ መጀመርያ ከመይ ዝበለ ሠናይ ርክብ ከምዝነበሮም እንተኾነ ካብኦም ብምርሓቁ ዝተሰምዖ ጓሂ ብምግላጽ ንነፍስወከፎም ዘለዎ ፍቅሪ ወትሩ ክምዝሕደስ ይነግሮም። እንተኾነ ነታ ቅንዕቲ መንገዲ ካብ ምኽታል ከይሰናኸሉ ዘለዎ ስክፍታ እውን ኣይሓብኣሎምን። እዚ ሻቅሎት እዚ ግን ናይ ሓደ ወላዲ ብእምነት ነታ ማሕበር ዝወለደ ሻቅሎት ነበረ። ዕላማኡ ንጹር ነበረ። ህላዌኦም ዝምሥርቱሉን ሓቀኛ መንነቶም ዝሃንጹሉን ናይቲ ብኣኡ ዝተሰብከሎም ወንጌል ከነጽረሎም ግድን ነበረ። እቲ ቀንዲ ውራይከስ እዚ ነበረ ማለት ሰብ ገላትያ ነቲ ካብኡ ዝተቀበልዎ ሕዳሴ ወንጌል ክዝክሩ ነበረ።

በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ምሥጢረ ክርስቶስ ብዕምቈት ከምዝፈልጦ ንግንዘብ። ካብ ፈለማ መልእኽቱ እንክጽሕፍ ናይቶም ናይ ግዜኡ ክኢላታት ዝኽተልዎ ዝነበሩ ኣገባብ ኣይኮነን ዝኽተል። ክንዮኡ ሰጊሩ ንላዕሊ ይበርር። እዚ ከኣ ሎሚ ንዓና እውን ኣብ መንጎ ማሕበራትና ግጭት እንክፍጠር ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ይምህረና። ኣብ ምዝዛም መልእኽቱ እዩ ነታ ቀንዲ ክትዕ ዝጠቅሳ እዚ ከኣ ብዛዕባ ግዝረት ኮይኑ ቀንዲ ባህሊ ኣይሁድ ነበረ። ጳውሎስ ትኽ ኢሉ ናብታ ሕመረት ናይታ ጉዳይ ይኣቱ። እዚኣ ከኣ እታ ብዕምቈት ክኽተልዋ ዘለዎም መንገዲ ሓቅታት ወንጌልን ሓርነትን ክርስትያንን ኰይና ዘይፈላለያ መግልጺ መንነት ክርስትና እየን። እዚ ከኣ ከምቲ ንሕና ጸገማትን ግጭታትን እንከጓንፉና ንኩሉ ዘሐጒስ ፍታሕ ያኢ ክንረክብ ዘይምሕር ዘይቀትል ፍታሕ ንክነምጽእ ሒዂ እንብሎ ነቲ ጸገማት ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ክትንክፎን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኪኣቱን ኣይደለየን። ጳውሎስ ንኢየሱስ የፍቅሮ እዩ። እንተኾነ ኢየሱስ ናይ ዋጋ ዕዳጋ ሰብ ወይውን እግዚአብሔር ከምዝኾነ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ነበረ። ምስ ወንጌል ከኣ ዋጋ ዕዳጋን ንሰማማዕ ዝብል ኣምርን ኣይሰርሕን እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ሓዋርያ ጳውሎስ ነታ ብዙሕ ጻዕሪ እትሓትት መንገዲ ይመርጽ። ከምዚ ቢሉ ከኣ ይጽሕፍ ‘ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ! ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ!’ ብማለት ምስ ኩሎም ዘሰማማዕ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኰነን ዝደሊ ዘሎ፣ ወይ ነቲ ሓደ ወይ ነቲ ካልእ ምረጽ ዚዓይነቱ ኰይኑ ብምቅጻል  ‘ግና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ’ (ገላ 1,10) ይብል።

ብቀዳምነት ንሰብ ገላትያ ክገልጸሎም ግድን ኰይኑ ዝተሰምዖ ሓቀኛ ሓዋርያ ከምዝኾነ እዚ ከኣ ብመንፈዓቱ ዘይኮነ ብሕርየት እግዚአብሔር ከምዝኾነ ምብራህ ነበረ። ብዛዕባ ጸዋዕታኡን ለውጢ ሕይወቱን በቲ ንኤማሁስ ክርስትያን ከሳድድ ክጐዓዝ እንከሎ ዘጋጥሞ ርክብ ምስቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ባዕሉ የዘንቱ (ግሐ 9,1-9)። ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ዝገልጾ ብጣዕሚ ዘደንቅ እዩ። ብዛዕባ እታ ዝቀደመት ሕይወቱ ከኣ ‘ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከሎኹስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም አሎኹም። ነቲ ሰርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ’ (ገላ 1,13-14)ይብል። ብአይሁዳውነት ልዕሊ ኩሎም ከምዝነበረን ቀናእ ፈሪሳዊ ከምዝነበረን ብዘይ ስኽፍታ ‘ብቕንኣት ሰጓጕ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብለይ እየ’ (ፊሊ 3,6) እንክብል ይገልጽ። ካብቲ ብዙሕ መግለጺታቱ ክልተ ግዜ ተኸላኻሊ ሥርዓት ኣበውን ጽኑዕ ዓቃብ ሕጊ ኦሪትን ከምዝነበረ የስምረሉ። ታሪኽ ጳውሎስከስ እዚ እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ንቤተክርስትያን ከምዘሳደደን ‘ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን’ (1ጢሞ 1,13) ከምዝነበረ ብዘይ ምንም ቀመም ማለት ቅጽላት እንክገልጽ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ልዕለና ንዘለዎ ዓቢ ምሕረት ብምግላጽ እዚ ምሕረት እዚ ናብቲ ኩልና እንፈልጦ መሠረታዊ ለውጢ ከምዘብጽሓና ይዛረብ።  ከምዚ ቢሉ ከኣ ይጽሕፍ፡ ‘እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ አሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይሰምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ’ (ገላ 1,22-23) ይብል። ተለዊጡ! ተቀዪሩ! ልቡ ተለወጠ! ጳውሎስከስ ነቲ ብዛዕባ ጸዋዕታኡ ዘጋጠሞ ዘደንቅ ሓቂ ብምንጽጻር ማለት ነቶም ንሥርዓትን ሕጊ ኦሪትን ዘይኽብሩ ዝነበሩ ክርስትያን ሓያል ኣሳዳዲ ካብ ምዃን ንወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ክሰብኽ ከምዝተጸውዔ ብምትንታን ይገልጾ። ኣብዚ እንዕዘቦ ጳውሎስ ሓራ ኰይኑ ወንጌል ይሰብኽ ሓራ ኰይኑ ከኣ ሓጢኣቱ ይናሳሕ። ኣነ እዝን እዝን እየ ነረ እንክብል ነታ ሓቂ ቶግ የብላ ሓርነት ልቢ ካብ እግዚአብሔር ዝመጽእ ሓርነትከስ ሳዕቤኑ እዚ እዩ።

ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ታሪኹ እንክዝክር ብዓቢይ ኣድናቆትን ምስጋናን እዩ። ንሰብ ገላትያ ከኣ እንትርፊ ሓዋርያ ምዃን ካልእ ኩሉ ክኸውን ምሉእ ተኽእሎ ከምዝነበሮ የብርሃሎም። ካብ ሕጻንነቱ ተኸታሊ ሕጊ ሙሴ ክኸውን ብጽኑዕ ተማሂሩስ ኩነታት ከኣ ነቲ ዝተማህሮ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ማለት ንተኸተልቲ ክርስቶስ ከሳድድ ዕድል ከፈቱሉ። እዚ ኩሉ ክኸውን ግን ሓደ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጓነፎ። እግዚአብሔር ብጸጋኡ ነቲ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተንሠኤን ወዱ ገለጸሉ በዚ ከኣ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ሰባኺኡ ከምዝኸውን ገበሮ (ገላ 1,15-16)።

ናይ ጐይታ መንገድታትሲ ክንደይ ኮን ዘደንቁ እዮም! ዕለት ዕለት በእዳውና ንድህስሶም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጐይታ ዝጸወዓና ግዝያት እንክንዝክር ክንደይ ኮን የደንቁ። እግዚአብሔር ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሕይወትና ዝኣተዎ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናና ሃምናን ቀልብናን ኣብታ እግዚአብሔር ብጸጋኡ ኣብ ልብና ዝኣተወላን ሕይወትና ዝለወጠላን ሁመት ከተኩር ኣለዎ። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ሥራሓት ጐይታ እንተኾነ ‘እግዚአብሔርሲ ብሓደ ሓጢኣተኛን ተኣፋፍን ድኹምን ገቢሩ ፍቃዱ ክፍጽም ከመይ ቢሉ ይከኣል’ ትብል ሕቶ ትቅጀለና። ስለዝኾነ ከኣ ብዕድል ወይ ብሃንደበት ዝኸውን ጉዳይ የለን ከመይ ኩሉ ብመደብ ኣምላኽ ዝተሓንጸጸ እዩ። ንሱ ንታሪኽና ቀድም ኣዋዲድዎ እዩ! ታሪኽ ነፍሲወከፍና ንሱ ባዕሉ እዩ ዘዋድዶ! እንተ ንሕና ብምሉእ ምትእምማን ንመደብ ድሕነቱ ተቀቢልና ሽዑ ክስቈረና እዩ። ጸዋዕታ ኩሉ ግዜ ክንፍጽሞ ምስ ዘሎና ተልእኮ ዝተታሓሓዘ እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ከምዝጽወዓናን እግዚአብሔር ባዕሉ ብጸጋኡ ከምዘሰንየናን ተገንዚብና ተጠንቂቅና ክንሰናዶ ኣሎና። ኣሕዋተይን ኣሓተይን በዛ ብርሃን እዚኣ ክንምራሕ ፍቃደኛታት ንኹን። ጸጋ እግዚአብሔር ብቀዳምነት ሕይወትና ይልውጥ ኣስዒቡ ከኣ ንኣገልግሎት ወንጌል ከምእትበቅዕ ይገብራ። ቀዳማይ ሥራሕ ጸጋ እግዚአብሔር ኩሉ ሓጢኣትና ይሽፍነልና ልብታትና ይልውጥ ሕይወትና ይልውጥ ሓደስቲ ጐዳናታት ከም እንርኢ ይገብረና። ነዚ ኣይንረስዕ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 June 2021, 18:03