ድለ

ንክንጽሊ ዓቢ ውሕስነት ዝኾነና ኢየሱስ ስለና ወትሩ ምጽላዩ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መወዳእታ ድራር ብሓባር ምስ ሓዋርያቱ እንክበልዕ ‘ንስኻትኩም ግና ብፈተና ምሳይ እተዓገሰኩም ኢኹም። ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም። ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም’ በሎም (ሉቃ 22,28-32)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ መንጎ ኢየሱስን ሓዋርያቱን ንዝነበረ ርክብ ጸሎት ክሳብ ክንደይ መሠረታውን ኣድላይን ከምዝነበረ ወንጌል ይገልጸልና። ብቀዳምነት ነቶም ሓዋርያቱ ክኾኑ ዘለዎም ካብ ኣርድእቱ ንክመርጽ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ከምዝሓደረ እንከዘንቱ ሉቃስ ነቲ ጸሎትን ቦታኡን ብንጹር ‘ ኣብቲ ዕለታት እቲ ኢየሱስ ንክጽሊ ናብ እምባ ደየበ ምሉእ ለይቲ ከኣ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ክጽሊ ኣሕለፎ። ምስ ወግሔ ድማ ንኣርድእቱ ናብኡ ጸውዖም ካብኦም ከኣ 12 ሓረየ ሓዋርያት ቢሉ ከኣ ሰመዮም’ (6.12) እንክብል ይገልጾ። ኢየሱስ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ድሕሪ ምሕዳር ሓዋርያት ይመርጽ። ኣብዚ ፍጻሜ እዚ እንትርፊ ጸሎት ካልእ መምዘኒ ዘሎ ኣይመስልን በዚ ከኣ ኢየሱስ ብጸሎት ምስ ኣቦኡ ይዋሳእ። ካብቲ ድሒሩ ዝስዕብ ማለት እዞም ሰባት እዚኦም ዘርኣይዎ ጠባያት ተበጊስካ እዛ ሕርየት እዚኣስ ዝበለጸት ኣይነበረትን ዘብል ጉዳይ ማለት ኩሎም ገዲፎሞ ይሃድሙ ቀቅድሚ ሕማማቱ ንበይኑ ጠንጢኖሞ ምኻዶም ዘተሓሳስብ እዩ። እንተኾነ ብዝገደደ ናይቲ ኣብ መጻኢ ኣሕሊፉ ክህቦ ዘለዎ ይሁዳ እንክትምልከት ከኣ እዛ ጉዳይ እዚኣስ ቀደም ኣብ መደብ ኣምላኽ ዝተጻሕፈት ምዃና ይበርሃልካ።

ኣብ ሕይወት ኢየሱስ እንተተዓዘብና ብቀጻሊ ስለ ኣዕሩኽቱ ክጽሊ ንረኽቦ። ጉዳይ ሓዋርያት ብዙሕ ግዜ ከተሓሳስቦን ከሻቅሎን ይረኤ እንተኾነ ድሕሪ ነዊሕ ጸሎት ካብ ኣቦኡ እዩ ተቀቢልዎም ስለዚ ወትሩ ኣብ ልቡ ምስ ሓዞም እዩ። ነዚ ከኣ ኣብ ግዜ ምግጋዮምን ኣብ ግዜ ውድቀቶምን ከይተረፈ ክሳብ ፍጻሜ ገበሮ። ኣብዚ ኩሉ ጒዕዞ ኢየሱስ ብከመይ ዝበለ ኣገባብ መምህርን ዓርኪ መሓዛን ከምዝኾነ ንግንዘብ። ንዝኾነ ሕቶ ሓዋርያት ወትሩ ብትዕግሥቲ ክከታተሎ ንርኢ። ናይዚ ሓልዮት እዚ ጥርዚ ከኣ ኣብዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል ዘሎ ንመከላኸሊ ስምዖን ዝዘርግሖ መከላኸሊ ጸሎት እዩ። ከም ዝሰማዕናዮ ‘ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ። ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም’ ይብሎ። ኣብ ግዜ ውድቀትን ዘልሓጥሓጥን ፍቅሪ ኢየሱስ ዘይጐድል ምዃኑ ምግንዛብ ክንደይ ዘደንቅ እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘እወ ኣባቴ ሓቅኹም! እንተኾነ ኣነ ኣብ ዓቢ ሓጢኣት ወዲቀ ካብ ጐይታ ርሒቀ እንከሎኹ ኢየሱስ ገና ምሳይዶ ይህሉ ይኸውን!’ እንተበልኩም እወ! እብል። ቀጺልኩም ‘ኢየሱስ ስለይ ይጽልዶ ይኸውን! እንተበልኩም እውን እወ እዩ መልሲ። ደጊምኩም ‘እንተኾነ ኣነ ዝኸፍአ ሓጢኣት ኣብ ዝፍጽመሉ ደጋጊመ ኣብ ዝሓጥኣሉ እውንዶ ገና ስለይ ይጽሊ! ብማለት እንተተጠራጠርኩም እውን እወ እብለኩም ከመይ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ፍቅሪ ኣየቋርጽን እቲ ስለነፍስወከፍና ዝገብሮ ጸሎት እውን ኣየቋርጽን እብለኩም። እኳ ደኣ ኣብ ማእከል ጸሎቱ ስለዝኾና ነቲ ጸሎት የጽዕቆ። ነዚ ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ኣሎና ‘ኢየሱስ ስለይ ይጽሊ! ሕጂ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦኡ ኰይኑ ነቲ ስለድሕነትና ዝኸፈሎ ቅንዋት እናኣርኣየ ስለና ይጽሊ! ምሳና ዘተኣሳስሮ ፍቅሪ ከኣ እዚ እዩ። ኣብዛ ሁመት እዚኣ ኢየሱስ ስለይ ይጽሊዶ ኣሎ ኢሉ እንተሓሰበ መልሱ እወ እዩ። እዚ ውሕስነት እዚኣ ወትሩ ኣብ ልብና ክንሕዛ ዘሎና እያ።

ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ከሰናዱ እንከሎ ወትሩ ኣብታ ጸሎት ተድለየላ ግዜ ስንድው ነበረ። ንኣብነት ንእምነት ሓዋርያቱ ክምርምርን ስለጽንዓቱ ምእንታኦም ድሕሪ ምጽላዩ ንዘጋጠሞ ሉቃ 9.18 ዝብሎ ንመልከት። ‘ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ኺጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዚብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ። ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም’ ይብል። ኣስተውዕል ኣቢልና እንተተመልከትና ኢየሱስ ኣብ ተልእኮኡ ቅድሚ ዝኣገረ ብጸሎት ይጅምር እዚ ጸሎት እዚ ግን ንማለቱ ንግዜኡ ዝግበር ዘይኮነ ክበድ ዝመልኦን ጽዑቅን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ነበረ። ዝኾነ ተልእኮ ንምፍጻምስ ይኹን ዝኾነ ጸገም ምስ ዘጓንፍ ወትሩ ብጸሎት እዩ ዝገጥሞ ዝነበረ። እዛ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰት ጸሎትን ምርግጋጽ እምነት ሓዋርያትን ንማለቱ ዝተገብረት ኣይኮነትን። ሓዋርያት ጒዕዞ እምነቶም ብሓዲሽ ንምጅማር ነበረ ከመይ ካብዚ ንደሓር ተልእኮ ኢየሱስ ፍልይ ብዝበለ ቃና እዩ ክፍጸም። ነቲ ክኸውን ዘለዎ ነገራት በብሓደ ክድርጐሓሎም ይጅምር ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ኣግሂዱ ክዛረቦም ይጅምር።

ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ባህርያዊ መልሲ ስምዒት ኣብቶም ሓዋርያትስ ይኹን ሎሚ ኣባና ነዞም ወንጌሉ እነንብብ ‘ዋእ እዝስ ኣይረድ’ ዝብል እንክኸውን ጐይታ ግን እንኮ ምንጪ ብርሃንን ሓይልን ጸሎት እያ ይብለና። ኣብ ጒዕዞ ሕይውትና ኩሉ ተርጊጡ እንክዕጾ ወይውን ናብ ተሪር ዓቀበት እንከምርሕ ኣበርቲዕና ምጽላይ የድሊ።

ኣብ ኩነት ሓዋርያት ምልስ ኢልና ምስ እንዕዘብ ከኣ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝጽበዮ ዘሎ ምስ ገለጸሎም ፍጻሜ ተኣምር ደብረ ታቦር ይኸውን። ‘ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። ኪጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዚብል ጻዕዳ ዀነ። እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ’ (ሉቃ 9.28) እንክብል ይትርኾ። እቲ ዝዘራረቡሉ ዝነበረ ጉዳይ ከኣ ብዛዕባ ሕማማቱ ነበረ። እዛ ቅድሚ ግዜኡ ትግለጽ ዘላ ክብሪ ኢየሱስከስ ኣብ ግዜ ጽዑቅ ጸሎት እያ ተፈጺማ እዚ ከኣ ወልደ እግዚአብሔር ምስ ኣቦኡ ብጸሎት ኣብ ጥቡቅ ውህደት እንከሎን ነቲ ፍቅራዊ ፍቃዱ ንማለት ንድሕነት ዘለዎ መደብ ንክፍጽም ኣሜን ኢሉ እንክቅበልን ነበረ።  ካብዛ ጸሎት እዚኣ ካልእ ዘደንቅ ነገር እውን ፈልፊሉ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሠለስተ ሓዋርያት ዝኸውን ንጹር ቃላት ‘እዚ እቲ ሕሩይ ወደይ እዩ ንኣኡ ስምዕዎ’ ዝብል ተጋውሐ። ካብ ጸሎትከስ ንኢየሱስ ስማዕ ዝብል ዕደመ ይመጽእ። እዚ ወትሩ ካብ ጸሎት እዩ ዝምንጩ።

ካብዚ ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ኣብ ወንጌል ዝተዓዘብናዮ ታሪኽ ኢየሱስ ከምቲ ንሱ ዝጸለዮ ክንጽሊ ጥራይ ኣይኮነን ዝዕድመና እንታይ ደኣ ጸሎታትና ከንቱን ዘየስልጡን ኣብ ዝመስለና ግዜ እውን እንተኾነ ንሱ ግን ስለና ወትሩ ከምዝጽሊ የረጋግጸልና። ብጸሎቱ ወትሩ ክንተኣማመን የዘኻኽረና። ነዚኣ ክንርስዓ የብልናን ኢየሱስ ወትሩ ስለና ይጽሊ። ሓደ ግዜ ሓድ ንፉዕ ኣቡን ኣብ ሓደ ዝሓሰመን ኩሉ ጸልማት ዝኾነን ብጣዕሚ ዓቢ ፈተናን ኣብ ዘጋጠመሉ ግዜ ከዕገርግር እንከሎ ኣብታ ዝነበራ ባዚሊካ ኣብ መንደቅ ‘ጴጥሮስ ኣነ ስለኻ ክጽሊ እየ’ ዝብል ጽሑፍ ርእየ ይብል። እዛ ጠቅሲ እዚኣ ሓዲስ ሓይልን ምጽንናዕን ከምዝሃበቶ ኣዘንትውለይ። እዚ ከኣ ነፍሲወከፍና ኢየሱስ ስለና ይጽሊ ከምዘሎ ኣብ እንዝክረሉ ይፍጸም። ኣብዛ ሁመት እዚኣ ሕጂ ሕጂ ኢየሱስ ስለና ይጽሊ ኣሎ። ነዚኣ ጸጸኒሕኩም ብምዝካር ኣብ ኣእምሮኩም ንክትሕዝዋ ጸዓሩ። ጸገም እንከጓንፈኩም ኣእምሮኹም ሃውቲቱ ኩሉ እንክጠፍኣኩም ኢየሱስ ስለኹም ይጽሊ ከምዘሎ ዘክሩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ኣባቴ እዝስ ሓቂድዩ’ ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ኸኣ እወ ሓቂ እዩ ከመይ ንሱ ባዕሉ ከምኡ ኢሉ እብሎ።  ነዚ ኣይንረስዕ! ኣብዛ እንነብረላ ሁመት ንሕይወት ነፍስወከፍና ኣጽኒዑ ሒዙ ዘሎ ጸሎት ኢየሱስ እዩ። ኢየሱስ ስለነፍስወከፍና ሽምናን ሽም ኣቦናን ጠቂሱ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦኡ ይጽሊ። ነዚ ከኣ ነቲ ስለድሕነትና ዝኸፈሎ ቅንዋት እናኣርኣየ ይገብሮ።

ጸሎታትና ሃለውለው ኰይኑ እንተተረኸስ ይኹን ብዝጠራጠር እምነት ዝተገብረስ ይኹን ብኣኡ ምትእምማን ብምንም ተኣምር ክነቋርጽ የብልናን። እንተሓሰመ ኣነ ጸልየ ኣይክእልን እየ ንሱ ግን ስለይ ይጽሊ ኣሎ ንበል። ብጸሎት ኢየሱስ ተደጊፈንከስ ትሑታት ጸሎታትና ብኣኽናፉ ክሳብ ሰማይ ይዓርጋ። ነዚ ኣይትረስዑ ሕጂ ኢየሱስ ስለይ ይጽሊ ኣሎ። ኣብ ግዜ ፈተና ኣብ ግዜ ሓጢኣት ዋላ ኣብቲ ዝሓሰመ ሓጢኣት ንረኽብ ኢየሱስ ብብዙሕ ፍቅሪ ስለና ይጽሊ ኣሎ። እግዚአብሔር ይሃበለይ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
03 June 2021, 13:29
ንኩሉ ኣንብብ >