ር.ሊ.ጳ.፥ ንኣባላት ‘ካሪታስ’ ንመንእሰያት ኣብ ህይወት  እትሓንጹ ኵኑ ር.ሊ.ጳ.፥ ንኣባላት ‘ካሪታስ’ ንመንእሰያት ኣብ ህይወት እትሓንጹ ኵኑ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ንኣባላት ‘ካሪታስ’ ንመንእሰያት ኣብ ህይወት እትሓንጹ ኵኑ

ነቶም ኣብ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ ዝዓዩ ዓለማውያን ምእመናንን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ውለንተይናታትን ኵሎም “ኣብዚ ለብዒ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ ኣገልግሎቶም ህላዌኦም ብኹሉ ጽፍሕታት ክብ ብምባል ነቶም በቲ ለብዒ ዝሳቐዩን ተነጺሎም ኣብ በይናውነት ንዝርከቡን ቀረባ ብምዃን

ዕለት 26 ሰነ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራትን ኤቅለሳውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዝጥርንፍ ብካሪታስ ዝጸዋዕ ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ዝተመስረተሉ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ንኣባላቱን ላዕለዎት ኣካልትን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ንናይ ኢጣሊያ ናይ ማሕበር ካሪታስ ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ካሪታስ “ህያው ክፍሊ ቤተ ክርስቲያን” ምዃኑ ገሊጾም፡ ጳውሎስ ሻድሻይ ንናይ ኢጣሊያ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እንከበራትዑ፥ ብመንፈስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ነፍሲ ወከፍ ማሕበረ ክርስቲያን መጋበርያ ውፉይ ፍቕሪ ክኸውን ንግብረ ሰናይን ዝውፈይ ኣገልግሎት ፍቕሪ ዘነቓቕሕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይን ግብረ ሰናይ ንምድንፋዕ ዝዓዩ ቤት ጽሕፈት ንኸቑሙ ዝሃብዎ ለበዋ ጠቒሶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ብድሆን ጸገማትን ሓሳብ ዘይኮነ ወጅሕታት እያቶም፡ ምእንቲ እዚ ሓላፍነትኵም ነዚ ዝተሓላለኸ ጸገም ንምብዳህ ዝብል እዩ እሞ ኣብ ሓላፍነትኵም አጽንዓኵም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትሕትና ዝዓሰሎ መገዲ

እቲ ፍጻሜ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ “ጒዕዞኹም እትመርሕሉ ሰለስተ መገድታት፥ ክሕብረኩም ቢሎም፡ እቲ ቐዳማይ ትሑትን ንኡስን ምዃን ዝብል፡ ካብቶም ዝተናዕቁን ዝተረስዑን ግምት ዘይወሃቦምን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ካብ ዘይብሎም ምብጋስ” ዝብል መገዲ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ፍቕርን ምሕረትን ዝተናዕቁን ተኣፋፍያንን ዝደልይን ንሰባት ካብቲ ዝጨቆኖም ጊልያነት ሓራ ንምውጻእን ቀድነይና ናይ ሕይወቶም ተዋሰእቲ ንኽኹኑ ዝድርኽ እዩ . . .  ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ወንጌላዊ መገዲ

እቲ ካልኣይ መገዲ ድማ ወንጌላዊ እዩ፡ እዚ ወንጌላዊ መገዲ እዚ ናይ ትሑት ፍቕሪ ኣገባብ ሕይወት መግለጺ እዩ፡ . . . ዓስቢ ዘይደሊ ዓይነት ናጻ ዝኾነ ፍቕሪ። ነቲ ኣግልጋሊ ኵሉ ዝኾነ ኢየሱስ ብምምሳል ዝንበር ኣገባብ ኣገልግሎት እዩ፡ ልግሲ ንዅሉ ዝሓቍፍ ዘይንጽል እዩ” ከምኡ እውን ብዛዕባ ጉኡዝ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነ መንፈሳዊ መዳይ ዘጠቓልል ተግባር እዩ፡ . . . ድሕነት ኢየሱስ ንዅሉ ዝሓቍፍ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድኻ ኢየሱስ ህልው ምዃኑ ወንጌል ዝነግረና ሓቂ ዝምስክር እዩ፡ ሓደራ ካብ ርእሰ ውከሳ ፈተና ገዛእ ርእስና ንሓልው ናይ ርህራሀን ሓልዮትን ቅርበት ንድኻታትን ናይ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ንኹን፡ ድኻታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ማእከል እያቶም፡ ሓሴት ካብ ኣገልግሎት እዩ ዝምንጨው . . .” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መገዲ መሃዝነት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ሳልሳይ መገዲ ድማ መሃዝነት ዝብል ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ እዚ ናይ ምምሃዝ ክእለት . . . እቲ ናይ ሓምሳ ዓመት ተመክሮ እናደጋገምካ እትነብሮ ፍጻሜ ዘይኮነ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፥ ‘ናይ ፍቕሪ ስእለ ኣእምሮ’ እንክብሉ ከምዝግለጽዎ ነቲ እትፍጽሞ ኣገልግሎት መሰረት ኮይኑ ነቲ ኣብ በቢ እዋኑ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዝተፈላለየ ዓይነት ድኽነት ንምግጣም ብብቕዓት ምላሽ ንምሃብ ክከኣል መታን ብመሃዝነት ክምራሕ ኣለዎ፥ ኵላዊ ሕውነት ዝሓልምን ዝዅስኩስን ምልክት ተስፋ ክኸውንን መታን . . .” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ቃል ምስጋና

ነቶም ኣብ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያ ዝዓዩ ዓለማውያን ምእመናንን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ውለንተይናታትን ኵሎም “ኣብዚ ለብዒ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፥ ኣገልግሎቶም ህላዌኦም ብኹሉ ጽፍሕታት ክብ ብምባል ነቶም በቲ ለብዒ ዝሳቐዩን ተነጺሎም ኣብ በይናውነት ንዝርከቡን ቀረባ ብምዃን ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ብምቕራብ” ንዝፈጽሞ ውፉይ ኣገልግሎት ኣመስጊኖም፡ ብፍሉይ ነቶም ኣባላት ወለንተይናታት መንእሰያት እናሓሰቡ፥ “ካብቶም ኣብዚ መዋዕል ለውጢ እዚ ኣዝዮም ተነቀፍትን ግዳያትን መንእሰያት እውን እንተኾኑ መንእሰያት ኣብ መዋእል ቀንደይና ናይ ለውጢ ዕቑር ሓይልን መሃንድሳትን እውን እያቶም” ቢሎም ካሪታስ ንመንእሰይ ወለዶ ናይ ሕይወት ቤት ሕንጸት ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፥ ፍቅርን መሃዝነትን ኣብ መንእሰያት ውዕዉዕ ኮይኑ ብዘይ ፍርሕን ሰጋእ መጋእ ብተወፋይነት ዝምስከር እዩ . . .” እንክብሉ ከዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

26 June 2021, 16:14