ር.ሊ.ጳ.፥ ዲያቆናት ጐደሎ ካህናትን ኣብ ምሾት ዘጣጥሑ ኣናጉስጢስ ዘይኮኑ ትሑታን ኣገልገልቲ እያቶም ር.ሊ.ጳ.፥ ዲያቆናት ጐደሎ ካህናትን ኣብ ምሾት ዘጣጥሑ ኣናጉስጢስ ዘይኮኑ ትሑታን ኣገልገልቲ እያቶም 

ር.ሊ.ጳ.፥ ዲያቆናት ጐደሎ ካህናትን ኣብ ምሾት ዘጣጥሑ ኣናጉስጢስ ዘይኮኑ ትሑታን ኣገልገልቲ እያቶም

ዲያቆናት ‘ጐደሎ ካህናት’ ውይ ካልኣይ ደረጃ ዘለዎም ካህናት’ ወይ ‘ኣብ ምሾት ሸናዕ ዝብሉ ኣናጐስጢሳውያን‘ ኣይኮኑን የግዳስ ዋላ ሓደ ሰብ ከይውገድን ፍቕሪ ጐይታ ንሕይወት ሰባት ብጭቡጥ መገዲ ንኽትንክፉ ዝዓዩ ሓለይቲ ኣገልግልቲ እያቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ናይ ሮማ ሰበኻ ቀወምቲ ዲያቆናት ምስ ኣባይቲ ስድራኦም ተራኺቦምን ቃል ምዕዳን ከምዝለገሱን፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኣቡናትን ካህናትን ፈቐዶኡ እናዞሩ ሸናዕ ዝብሉ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፡ ስለዚህ እቶም ዲያቆናት ነቲ ከምዚ ዓይነት ናይ ካህናት መቕዘፍቲ ንምስናፍ ደኣ እምበር ካህናት ንኽሰንፉ ዝሕግዙ ክዀኑ የብሎምን፥ ቀወምቲ ዲያቆናት “ሕያዎት ኣቦታትን ሰብኡትን ኣቦ ሓጐታትን” ኪኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም እዚ ነቶም ኣብ ቅልውላው ዘለዉ ሰብ ሓዳር ተስፋ ዝህብ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀወምቲ ዲያቆና “ጐደሎ ካህናት” ወይ ካላኣይ ደረጃ ዘለዎም ካህናት ዘይኮኑስ “ሕያዎት ሰብ ሓዳርን ንፉዓት ኣቦታትን” ልዕሊ ኹሉ ድማ “ትሑታት ኣገልግልቲ ኵሉን እዮም፥ “ሓልዮት” ከምውን “ትሑታት” ኣገልገልቲ። “ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማእከል ዓለም ከቐምጣ ዝደሊ ዲያቆን ምርኣይ ዘሕዝን እዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዲያቆን ፥ “ከም ኣገልገልቲ ህዝበ እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣገላልጻ ዘቕርቦ ተክለ ሰብነት፡ ነቶም ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ በረኸት ንዝተራኸብዎም ናይ ሰበኻ ሮማ ቀወምቲ ዲያቆናት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ዕዳን ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ቀወምቲ ዲያቆናትን ኣባይቲ ስድራኦምን
ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ቀወምቲ ዲያቆናትን ኣባይቲ ስድራኦምን

ትውፊት ድቝና

ቅዱስነቶም ነቶማ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ሰበኻ ሮማ ኣብ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዝተሰምዩን ስሞም እናጠቕሱ፥ ተወላዲ ሃገረ ሮማኒያ ንናይ ሰበኻ ሮማ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ዝተሰምዩ ኣባ በኖኒ ኣብራሩስን ካልኦትን ደሓር እውን ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ቺነቺታ ናይ ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ስታኒዝላው ብሓላፍነት ንኸመሓድሩ ዝተሰምዩ ቀዋሚ ዲያቆን 49 ዓመት ዝዕድመኦም ኣንድረያ ሳርቶሪ ጠቒሶም፥ እቲ ዘወሃበኩም ሓላፍነት “ጥንታዊ ልምዲ እዩ፡ ናይ ሓንቲ ቝምስና ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንዲያቆን ምሃብ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆን ኣገልጋሊት ንኽትከውን ዝተጸውዐት ምዃና ዘዘኻኽር እዩ፡ ካብ ጥንቲ ኣብ መበቈል ቤተ ክርስቲያን ሮማ ዝነበረ ጥንታዊ ልምዲ እዩ . . .“ ብዝብል ሓሳብ ኣበጊሶም፥

ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ቀወምቲ ዲያቆናትን ኣባይቲ ስድራኦምን
ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ቀወምቲ ዲያቆናትን ኣባይቲ ስድራኦምን

ዲያቆን ቀሲሳውነት ዝብል መቕዘፍቲ ንኽስነፍ ዝሕግዝ እይ

ዲያቆን ኣብ ኣገልግሎቱ “እቲ መርሓ ዝኾነ ዝስዕቦ መገዲ ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፥ ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ውሳኔ ዝሕብሮ እዩ” ብፍላይ ከኣ ዲያቆናት “ንኽህነት ዘይኮነስ ነገልግሎት እዩ ኣብ ርእሶም ኣቡን ኣንብሮ ኢድ ዝግብረሎም” ቢሎም ቅድም ክብል ድቁና ናብ ክህነት ንኽትሰጋገር ዘገልግል መተሓላልፎ ማዕርግ ተገይሩ እዩ ዝህሰብ ዝነበረ፡ ስለዚህ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድቍና “ቦታኡን ፍሉይነቱን” የዘኻኽር። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ዳግም ክምለስ ከምዝገብረ ሓቢሮም። “እዚ ኸኣ ነቲ ገለ ገለ ካህናት ዘቑምዎ ቀሲስነት ኣብ ሎዕሊ ሕዝቢ ዘውድቕዎ መቕዘፍቲ ንምስናፍ ዝሕግዝ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ፍሊጡ።

ናይ ቀሲስነት ቀንዲ መሰረት፥ ካህን ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ልዕል ዝበለ እዩ ዝብል ኣመለካኽታን ኣነባብራን፡ እዚ እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔር ምዃና ተሪፉ ቀሲሳዊት ኮይና ክትቕጽል እያ፡ እቶም ዲያቆናት ነዚ ሕዝቢ እዚ ንምግልጋል ውፉያት ስለ ዝኾኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኤቅለሲያዊ ኣካል ሓደ ካብ ካልኦት ክብ ክብል ከምዘይኽእል ዘዘኻኽሩ እያቶም።

እቲ ሓይሊ ኣብ ምግልጋል ዝተመርኰዘ እዩ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ትሕትና ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክህሉ ኣለዎ - ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውራድ፡ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ስለ ዘዋረደ ኣገልጋሊ ኩሉ ስለ ዝዀነ ኵላትና ገዛእ ርእስና ንኸነዋርድ ዝተጸዋዕና ንኸውን። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢዪ እንተ ኣልዩ ንሱ እዩ ንርእሱ ካብ ኵሉ ዝነኣሰ ኣገልጋልን ዝገብራ። ካብ ሓይሊ ኣገልግሎት ዝበልጽ ካልእ ሓይሊ የልቦን።” ከምዚ ዓይነት ሕይወት እንተ ዘይብልካ “ኵሉ ኣገልግሎት ብውሽጡ ባዶ ይኸውን መኻን ይኸውን ፍረ እውን ኣይፍርን። በብቝሩብ ድማ ናይ ዓለም ነገር ይኸውን።”

ሓደ ዲያቆን ነቲ ናይ መጀመርታ መስርዕ ዘይደልይ ወንጌል ወንጌል ዝሽትት ገዛእ ርእሱ ዘጥፍእ ልግሲ ነቶም ዝባኖም ዝሃብዎ እውን ከይተረፈ ንምርካቦም ቀዳማይ ስጒምቲ ዝወስድ ትሕትና ኣምላኽ ዝገልጽ እዩ!

ዲያቆን ጐደሎ ካህናት ወይ ኣብ ምሾት ዘጣጥሕ ኣናጐስጢስ ኣይኮነን

ሎሚ ግን ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ካልእ መዳይ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ቝጽሪ ካህናት ምንካዩ እዩ፡ ከመይሲ ዕዮ ዲያቆናት እናበዝሓ ብምኻዱ “ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ነቲ ድቁና ብዝርዝር ዘየቝሙ ተወሳኺ ዕዮታት” ንኽነብሩ ይድርኽ።  ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምህረና “ዲያቆን ልዕሊ ኵሉ “ንቤት ጽሕፈት ግብረ ሰናይን ምምሕዳሩን ዝተወፍየ እዩ፡” ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብስም ኣቡን ምእመናን ዘድልዮ ዝሓልዩን ኣብ መንጐ ድኻታትን ሕሙማንን ብንጥፈት ይንቀሳቐሱን ነበሩ። ሎሚ ዲያቆናት ሰበኻ ሮማ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ዝርከቡ እዮም፡ ከምዚ ክትግበር ከለኻ ቡሶላካ ስለ ዘይትስሕት ድማ ብሓቂ እቲ ሰናይ መገዲ ንሱ እዩ”

ዲያቆናት ‘ጐደሎ ካህናት’ ውይ ካልኣይ ደረጃ ዘለዎም ካህናት’ ወይ ‘ኣብ ምሾት ሸናዕ ዝብሉ ኣናጐስጢሳውያን‘ ኣይኮኑን የግዳስ ዋላ ሓደ ሰብ ከይውገድን ፍቕሪ ጐይታ ንሕይወት ሰባት ብጭቡጥ መገዲ ንኽትንክፉ ዝዓዩ ሓለይቲ ኣገልግልቲ እያቶም

ንሕይወት ኣብ ዙሪያ ዝክረ-ነገር ሸኾርተት ዘይምባል

ስለዚህ መንፈሳውነት ዲያቆን መንፈሳውነት ኣገልግሎት እዩ፥ “ወትሩ ስንድው . . . ኣብ ውሽጡ ኣብ ልቡን ብልቡን ከም ፍቓድካ ባሃላይ በዓል ሕራይ ልኡም ሕይወቱ ኣብ ዙርያ ዝክረ - ንገር ሸኾርተት ዘየብል” ኣብ ደገ ድማ ኣዒንቱ ናብ ኵሉ ሰብ ብፍላይ ከኣ ናብቶ ኣብ ደገ ዝተርፉ ናብቶም እተገለሉ ዀይኑ ዝስምዖም ብምጥማት ክፉት ምዃን” ዝብል እዩ። ኣባ ኖርዮነ ንናይ ማሕበሮም ካህናት፥ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ስኡናት (ድኻታት) ክዛረቦም እንከሎ ኣብ ዝጸሓፎ፥ “ኣብ ኣባይትና ስኡን ጥራሕ ዘይኮነ ስቓይ ንዘለዎ እውን ሓንጉፋይ ቢልና ንቐበሎ . . . ነቲ ስቓይ ዘለዎ ምእንጋድ . . . ነዞም ሰባት እዚኣቶም ድጋፍ ንኽትኰኑ ሓደራ እብል” ዝበልዎ ጠቒሶም፥

ብዘይ ምጒርምራም ኩሉ ምፍጻም

ቅድም ቀዳድም “ትሑት” ኩን “ኣቡን ሓደ ካህን ፈቐዶኡ እናዞሩ ሸናዕ ክብሉ ዘሕዝን እዩ` እንተዀነ ግን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማእከል ዓለም ከቐምጣ ዝደሊ ዲያቆን ምርኣይ ዝገደደ እዩ! ኵሉ እትገብሮ ሰናይ ነገር ኣብ መንጐኻን ኣብ መንጐ ኣምላኽን ዘሎ ምስጢር እዩ። እዚ ፍረ ይህብ። ቀዋሚ ዲያቆን “ሕያዋይ መጻምድትን ንፉዕ ኣቦን ንፉዕ ኣቦ ሓጐን ይዅን” ቢሎም፥

እዚ ነቶም ድኻም ዘሕልፉ ዘለዉ እሞ ቕልል ብዝበለ መገዲ ኢዱ ዘርጊሑ ሓፍ ዘብሎም ሰብ ሓዳር ተስፋን ምጽንናዕን የውህቦም . . . ምስ ድኻታት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ካህናትን ምስ ዲያቆናትን ኣብ ቤቱን ሕጉስ . . . ምስ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ምስኩሉ . . . ከየጒረምረመ ኵሉ ብሓጐስ ዝገብር . . . ካብ ብዙሕ ስብከታት ንላዕሊ እዚ እቲ ዚበለጸ ምስክርነት እዩ!

ነቶም ርሒቖም ዘለዉ ዘስተውዕል

ቅዱስነቶም፥ “ዲያቆን ንድኻታትን ርሑቕን ዘለዉ ብኸመየ ከምዘለልዮም ዝፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ ንክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ንኢየሱስ ኣብ ድኻታትን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ በራት ኣብ ዝኹሕኩሑ ንኽርእዮን ክራኸቦን ዝሕግዝ እዩ፡ እዚ ትምቢታዊ ስፍሓት እዚ ካልኦት ሰገር ንኽጥምቱ ዝሕግዝ እዩ” እንክብሉ ንኹሎም ስለማ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 June 2021, 01:35