ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ምስ ጆርጂያ ርእሰ ብሔር ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ምስ ጆርጂያ ርእሰ ብሔር  

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ምስ ጆርጂያ ርእሰ ብሔር

ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ፥ “ኣብቲ ልባዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ርክብ ብፍላይ ኣብ ባህላውን ስነ ፍልጠታውን ትምህርታውን ዓውድታት ዘሎ ምትሕብባር ከምኡ እውን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጆርጂያን ልዑል ኣፍልጦ” ከምእተወሃበሉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሰነ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ሃገረ ጆርጂያ ርእሰ ብሔር ሳሎመ ዙራቢችቪሊ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበታ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ከምእተራኸባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጎ ቅዱስቲ መንበርን ጆሪያን ኣብ ባህላውን ስነ ፍልጠታውን ትምህርታውን ዓውድታት ግብረ ሰናይ ከምኡ እውን ፍትሒ ኣብ ምድንፋዕ ዘሎ ምትሕብባር ዘማእከለ ምይይጥ ዕለት 18 ሰነ 2021 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዋ ናይ ጆርጂያ ርእሰ ብሔር ሳሎሜ ዙራቢኽቪሊ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ምክያዱን፡ ርእሰ ብሔር ሃገረ ጆርጂያ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ከምእተራኸባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓቢሩ።

ዘተ ብዛዕባ ፍትሕን ማሕበራዊ ስኒትን

ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝወጸ መግለጺ ፥ “ኣብቲ ልባዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ርክብ ብፍላይ ኣብ ባህላውን ስነ ፍልጠታውን ትምህርታውን ዓውድታት ዘሎ ምትሕብባር ከምኡ እውን ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጆርጂያን ልዑል ኣፍልጦ” ከምእተወሃበሉን “ወትሩ እናደንፈዔ ክኸይድ” ናይ ክልቲኤን ሃገራት ጽኑዕ ድላይ እውን ምዃኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተሰመረሉ ኣፍሊጡ፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን “ፍትሕን ማሕበራዊ ስኒንትን ንምድንዕፋ ኣድላዪ ምዃኑ ብምስትብሃል ብዛዕባ ኣገደስቲ “ዞባውን ዓለምለኻውን ጒዳያት” ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክያድ ይሕብር።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዋ ምስ ጆርጂያ ርእሰ ብሔር
20 June 2021, 01:19