ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ብሊንከን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ብሊንከን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ብሊንከን

እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣርብዓ ደቓይቕ ዝወሰደን ቅዱስነቶም ምልስ ቢሎም ነቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝዘከሩሉን ንህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፍቕሮምን ቈላሕታኦምን ዝገለጽሉ እዋጋጣሚ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሰነ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘለዎም ፍቕርን ኣክብሮትን ከምኡ እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምልስ ቢሉ ዝዘከረ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ ድሕሪ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ኤንቶንይ ጆን ብሊንከን እተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ባህ ዜብል ሃዋሁ ዝዓሰሎ ምንባሩ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣርብዓ ደቓይቕ ዝወሰደን ቅዱስነቶም ምልስ ቢሎም ነቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝዘከሩሉን ንህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፍቕሮምን ቈላሕታኦምን ዝገለጽሉ እዋጋጣሚ እውን ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኢጣሊያ ዘካይድዎ ምብጻሕ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ብሊንከን ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ድሕሪ ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጽሕ፡ ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም.  ኢጣሊያ ከምዝኣተዉን፡ ብቐጥታ እውን ኣብቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ “ዓለም ሓቆፍ ጸረ ዳዒሽ ጥርናፈ” ኣብ እተሰምየ ዋዕላ ከምእተሳተፉን፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢጣሊያ ንናይ ኣፍሪቃ ደገፍ ዝዓዪ ጉጅለ ክቐውም ዘቕረበቶ ሓሳብ ከምዝደገፉን፡ ዋና ጸሓፊ ብሊንከን፥ “ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ናይ ምጥቓም ተግባር” ክብ ይብል ምህላዉ ሓቢሮም፡ እዚ ተግባር እዚ ከብቅዕ “ብሓባር ምዕያይን ናይ ሓባር ኣቃልቦ” ዘድልዮ ጉዳይ እውን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብ መወዳእታ “እቲ ጸረ ዳዒሽ ዝካየድ ቃልሲ ዘዕተሮ ዘሎ ውጽኢት ናይቲ ብሓባር ናይ ምዕያይ ውሳኔ ውጽኢት እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሎሚ ዕለት 29 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዋና ጸሓፊ ብሊንከን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ማተራ ብናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ተረይና ኣቦ መንበርነት ተመሪሒ ኣብ ዝካየድ ናይ ጉጅለ 20 ሃገራት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትራት ዋዕላ ከምእተሳተፉን፡ ኣብዚ ናይ ማተራ ዋዕላ እውን ዛዕባ ዓለም ለኻዊ ብድሆታት፥ ጉዳይ ጥዕናን ከባቢ ኣየርን ማሓድሮን ዓለም ሓቆፍ ንግድን ምይይጥ ምክያዱን ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ኣፍሪቃ ኣተኵይሩ፥ ምስ ኣፍሪቃ ዘሎ ርክባት ኣብ ዝብል ዝክረ ነገር ከምዝመኸረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ብሊንከን
29 June 2021, 10:33