ቤተክርስትያን ንሥድራቤታት ብዕቱብነት ጽን ኢላ ክትሰምዖምን ኣብ ሓዋርያዊ ጒስነት ክተሳትፎምን ትዕደም! ር.ሊ.ጳ

ንሲኖዶስ ሥድራቤት ስዒባ ዝወጸት ኣሞሪስ ለቲስያ ማለት ሓሴት ፍቅሪ ንእትብል ሓዋርያት ቃለ ምዕዳን ብዕምቈት ንምርኣይን ንምስትንታንን ተጋቢኦም ንዘለው ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ርእየት መልእኽቲ ከምዝለኣኹን ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከኣ ‘ኣድላይነት ምትሕብባር ውሉደ ክህነትን ሰብ ሓዳርን ሥድራቤታትን ኣብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል’ ዝምሕጸን ከምዝነበረ ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ንምእመናንን ሥድራቤትን  ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበር ዘሰናደዎ ዓውደ መጽናዕቲ ነታ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ንሲኖዶስ ሥድራቤት ስዒባ ዝተላእከት ኣሞሪስ ለቲስያ ሓሴት ፍቅሪ እትብል ቃለ ምሕዳን ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ነውዕል ብዝብል ሓሳብ ኣብ ዝዝትየሉ ዘሎ እዋን ሮቡዕ ዕለት 9 ሰነ 2021 ዓም ቅዱስነቶም እውን ሓሳባቶም ብመልእኽቲ ርእየት ማለት ቪድዮ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 27 ታሕሳስ 2020 ዓም ዝኣወጅዎ ዓመት ሥድራቤት ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ኸኣ ኣብዛ ዝተጠቅሰት ሓዋርያት ቃለ ምዕዳን ተመርኲስካ ኣብ መንጎ ቅድስት መንበርን ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳትን ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳትን ማሕበራት ሥድራቤታትን ክካየድ ንዘለዎ ሓባራዊ ዘተ ንምድንፋዕ ኣብ ዝተጋብኤ ዓውደ መጽናዕቲ ይሕግዛ ዝበልወን ሓሳባት ብምግላጽ መልእኽቶም ጀሚሮም። ብቀንዱ ግን መንፈስ ቅዱስ ንቤተክርስትያኑ ጓሶትን ምእመናንን ብሓባር ክጋብኡ እሞ ንስድራቤታት ዘድልዩ ነገራትን ጸገማቶምን ጽን ኢሎም ሰሚዖም ክኽእሉ እሞ ነቲ ቤተክርስትያን እትእውጆ ንምሕዳስ ዘድሊ ውሳኔታት ንክገብሩ ፍረ ከምዝህልዎ ይገብር እንክብሉ ግደ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብምግላጽ ንሱ ከብርሃሎምን ክመርሖምን ዘለዎም ሠናይ ምንዮትን ጸሎቶምን ገሊጾም።

ዘመነ ለበዳ ኮቪድ ብዝፈጠሮ ጸገም እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ መላእ ዓለም ብወቢናር ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ከካብ ዘለውዎ ካብ ዕለት 9-12 እንክሳተፍዎ ኣብ ልዕሊ 60 ዝኾና ጉባኤ ረኪበ ጳጳሳት ወከልቲ ቤትጽሕፈታት ሥድራቤት ከምኡ ልዕሊ ሠላሳ ዝኾና ዓለምሓቆፍ ምንቅስቃሳት ይሳተፍዎ ኣለው። እቲ ብእዋኑ ዝተመደበ መሪሕ ሓሳብ ከኣ ‘ምስ ኣሞሪስ ለቲስየ ሓሴት ወንጌል ኣብ ምንታይ በጺሕና ኣሎና! ንሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል መደባት ምሕንጻጽ’ ዝብል እዩ።

ብዛዕባ ሥድራቤት ቤተክርስትያን ክተስተንትን ምንቅቃሕ!

ቅዱስነቶም ነቲ መሪሕ ሓሳብ ደገፎም ብምግላጽ ቀንዲ ዕላማ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ‘ፍረ ዘለዎ ምልላይ ቅርጽን ዕላማን ሓዋርያዊ ጒስነት ሥድራቤት ብኣመላኽታ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንምንቅቃሕ እዩ’ ኢሎም። ብምቅጻል ከኣ ኣሞሪስ ለቲስያ ፍረ ናይቲ ንመርዓን ሥድራቤትን ዝምልከት ሲኖዶስ ዘካየዶ ዓሚቚ ኣስተንትኖ ብምዃኑ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ኣብ ተልእኾ ንምልዋጡን ብትዕግሥቲ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።

በዚ ኣበው ሲኖዶስ ዘብርህዎ መንገዲ ከኣ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ መቀጸልታ ኣበው ሲኖዶስ ዝጀመርዎ መንገዲ ሒዙ ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ከመይ ገቢረን ኣብ ግብሪ ከውዕላኦ ከምዝኽእላ ዝሕግዝ ኰይኑ ነዚ ከኣ ምትሕብባርን ሓላፍነት ምክፋልን ከምኡ እውን ናብ ሥድራቤታት ቅርበት ንክህልወን ናይ ምልላይ መንፈስን ድላይን ክህልወን የድሊ ኢሎም።

ንሥድራቤታት ኣብ ስብከተወንጌል ከምዝሳተፉ ምግባር!   

ቅዱስነቶም ነታ ብዙሕ ግዜ ኣብ መንበረ ታቦት ኰይና ስምዑኒ ጥራይ እትብል ቤተክርስትያን ሎሚ ከም ሎሚ ንሳ ንሥድራቤታት ብዕቱብነት ጽን ኢላ ክትሰምዖም ነቲ ብልማድ ኣብ ቤተክርስትያን ጥራይ ተሓዚኡ ዝርከብ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ከኣ ንሶም እውን ክሳተፍዎ ግደኦም ከበርክቱ ክተባብዑ ምናዳ ኸኣ ኣብዚ ከቢድ ግዜ ለበዳ ኮቪድ ንኣፍኣውን ውሳጣውን መነባብሮን ፍቅርን ብዙሓት ስድራቤታት ኣቊስልሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ቤተክርስትያን ጽን ኢላ ትስምዓዮም።

እዚ እትገብረሉ ከኣ ንስድራቤታትን መንእሰያትን ፍቅሪ እግዚአብሔር ክተብጽሕ ብምዃኑ “ብቀዳምነት ሓገዝ ናይተን ሥድራቤታትን ብግብሪ ዝነብርዎ ተመክሮ ሕይወቶምን ውህደቶምን የድልየና። ኣብ ጐድኒ ጓሶት ዝስርዑ ሰብ ሓዳር የድልዩና በዚ ከኣ ኣብ ጐድኒ ሥድራቤታት ኰና ብምጒዓዝ ንዝደኸሙ ክንድግፍ ከምኡ እውን ኣብ ጽንኩር ግዜ እውን እንተኾነ ክርስቶስ ኣብ ምሥጢረ መርዓ ህልው ኰይኑ ንኩሎም ኣብ ዝኾነ ኩነታት መነባብሮ ርሕራሔን ትዕግሥትን ተስፋን ከምዝዕድል ምእንቲ ክነበስርን እዩ’ ኢሎም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ነፍሲወከፍ ዝተጠምቀ ዘበለ ኩሉ ልኡኽ ስብከተ ወንጌል እዩ።  ንመነባብሮ ሕዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱ ብሓሳብ ጥራይ ዝግበር ስብከትን ስብከተ ወንጌል ንሊቃውንቲ ጥራይ ዝተወሰነ እዩ ምባልን ክተርፍ ኣለዎ እንክብሉ ሓደራ ኢሎም።

ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ሓላፍነት ከተሳትፍ የድሊ!

ቅዱስነቶም ነቶም መዓርጋት ፍሉያት ዝገብሮም ዝመስሎም ቃል ኪዳን እውን ካብኡ ከምዘይትሕትን ንምግላጽ ‘መርዓ ከም መዓርገ ክህነት ንህንጸት እግዚአብሔር የገልግል ንሰብ ሓዳር ከኣ ኣብ ሕንጸት ቤተክርስትያን ፍሉይ ተልእኮ የልብስ’ ኢሎም። በዚ ከኣ ሥድራቤት ብዙሕ ግዜ ናይ ገዛ ቤተክርስትያን ትስመ። እዚ ማለት ምሥጢራዊ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ሰብሓዳር ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ወለድን ውሉድን ይሰርሕ እዚ ተመኲሮ ፍቅሪ ሥድራቤታት ከኣ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ዘለዓለማዊ ምንጪ ሓይሊ እዩ። ስለዚኸስ ብጸጋ ምሥጢረ ተክሊል ነፍስወከፍ ሥድራቤት ንሠናይ ቤተክርስትያን ምልኣት ይኸውን ኢሎም።

በዚ መንገዲ ኣዚኸስ ንተልእኮ ወንጌል ሱታፌ ዝተመርዓው ጽምድታትን ሰብ መዓርግ ልኡካንን ምናዳ ከኣ ኣቡናት ኣብ ምትሕብባር ሓልዮት ናይዘን ኣብያተ ክርስትያን ገዛ ዝበልናየን ሥድራቤታት ሓላፍነት ከሳትፉ ኣለዎም። ‘ንሕና ጓሶት ብቀዳምነት መንፈስ ቅዱስ ከብርሃልና ክነፍቅድ በዚ ከኣ ናይ ድሕነት ስብከተ ወንጌል በቶም ወትሩ ኣብኡ ዝርከቡ ስንድዋት ግንከኣ ንኣኡ ዘይተጸዑ ሰብ ሓዳር ክፍጸም ከምዝከኣል ንረዳእ። ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ነንሕድሕዶም ብምምልላእ ቂሔጽልሚ ስድራቤት የቁሙ ከምኡ እውን ምሥጢረ ክህነትን ምሥጢረ ተክሊልን ንቤተክርስትያን ከም ሥድራቤት ስድራቤታት ንምህናጽ ብግዲ ዘድልዩ እዮም ኢሎም።

ዝተሓደሰ ጠመተ ናብ ኣሞሪስ ለቲስያ/ሓሴት ፍቅሪ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም እዛ ካብ ትእወጅ ሓሙሽተ ዓመት ገራ ዘላ ፍረ አበው ሲኖዶስ ዝኾነት ሰነድ እዚኣ እቶም ካብ መላእ ዓለም ዝተጋብኡ አበው ጳጳሳት በብወገኖም ካብ ዘቅረብዎ ምሕጽንታን ለበዋን ዝተዋጽኤት ስለዝኾነት ንኩሉ ዝኸውን ዘርኢ ስለዝርከባ ነፍሲወከፍ ከባቢ ነቲ ከባቢኡ ዝሰማማዕ ነጥብታት ወሲዱ ንኣኡ ብዝጥዕሞ መንገዲ ፈጠራ ብዝተሓወሶ ስብከተወንጌላዊ መንፈሳዊ ቅንኣት ንከወሃሃዶ ሎሚ ከም ሎሚ ዝተሓደሰ ጠመተ ናብ ኣሞሪስ ለቲስያ የድሊ ኢሎም።

ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቤተክርስትያን ወትሩ ዝተታሓዘን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝድግፍን ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ናብታ ኣብ ምጅማር ሓዋርያዊ ኣገልግሎትም ዘቅረብዋ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓጐስ ወንጌል ንእትብል መሪሕ ተልእኮም ዝሓዘት ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን ምልስ ኢሎም ነቲ ኣብኣ ዝተሓንጸጸ መደባት ምስቲ ኣብ ኣሞሪስ ለቲስያ ንሥድራቤት ዝምልከት ጒስነታዊ መደባት ብምውህሃድ ኩለን ማሕበራት ንጒስነታውን ስብከተወንጌላዊ ለውጢ ልብን ከደንፍዑ ከመይ ከምዘሎ ክቅጽል ዝኽእል ኣይመስልን ኢሎም።

ነዚ ኩሉ ንምግባር ግን መሠረታዊ ዝኾነ ነገር ከምዘሎ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ኩሎም በብዘለውዎ ንምእመናን ንተልእኮ ስብከተ ወንጌል ንምኲስኳስ ፍሉይ ጸዓሪ ክገብሩ ብፍላይ ከኣ ንመርዑትን ሥድራቤታትን ከሰናድው እሞ ንቤተክርስትያን ምውፋዮምን ካብ ሰብ ሓዳርን ስድራቤታትን ምዃን ዝምጩ ተልእኮ ብዝበለጸ ከምዝርድኡ ክገብርዎም ሓደራ ኢሎም።

ነዚ ንምግባር ግን ነጢርካ ኣብ ሰብ ሓዳርን ስድራቤትን ምዃድ ዘይኮነ ቅድሚ ዝኣገረ እቶም ሓዳር ዝገብሩን ሥድራቤት ዘቊሙን ንመርዓ ፍሉይ ምስንዳው ክገብሩ ምስ ተመርዓው ንመንእሰያት ሰብ ሓዳር ፍሉይ ምክትታል ምግባር ንኣኦም ዝኸውን ትምህርቲ ኣሰናዲኻ እውን ምዂስኳሶም ነቶም ዝሸምገሉ ፍሉይ ኣተኲሮ ምግባር ቅርበት ናብ ዝቈሰሉ ብምግባር ተመኲሮ ናብራ ክርስትና ብምልኣት ከምረኽቡ ምግባር የድሊ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሓሳባቶምን ጒስነታዊ ተመኲሮታቶምን ነንሕድሕዶም ከካፍሉ ንብድሕሪ ሕጂ ከኣ ንስብከተ ወንጌል ስድራቤታት ኣፍራዪ ብዝኾነ መንገዲ ንምፍጻም ንምልክታት ግዜ ብምምላስ ሓዲስ መርበብ ክፈጥሩ ዘኽእሎም ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ብጸሎት ከምዘሰንይዎምን ስለኦም ክጽልዩ ብምዝኽኻርን ነቲ ጉባኤ ቅድስትን እኖና ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ብኣማልድነቶም ከሰንይዎም ብምምሕጻንን መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

10 June 2021, 08:53