VATICAN-RELIGION-POPE-HEALTH-VIRUS VATICAN-RELIGION-POPE-HEALTH-VIRUS 

ር.ሊ.ጳ ንወፈራ ጸሎተ መቊጸርያ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን ዛዚሞም!

‘ማራቶን ጸሎት’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንምሉእ ወርሒ ግንቦት እግዚአብሔር ብአማልድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ንለበዳ ኮቪድ 19 ከወግደልና ወፈራ ጸሎተ መቊጸርያ ክግበር ዝኣዘዙ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓም ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን ንፈታሒት ቊጻራት ድንግል ማርያም ብምምሕጻን ጸሎተ መቊጸርያ ብምዕራግን ንቊጻር ለበዳ ኮቪድ 19 ብሰንኩ ዝሰዓቡ ንሥራሕን ካልእ ማሕበራዊ ምንቅስቃሳትን ዝምልከቱ ቊጻራትን ክትፈትሓልና ብምጽላይ ዛዚሞሞ።

ዜና ቫቲካን!

ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ‘እምአፈ ደቂቅ ወሕጻናት ኣስተዳለከ ስብሓተ’ (መዝ 8.2) ዝብሎ ቅዱስነቶም እሞ ዝሓለፈ ሰንበት መጀመርያ ቊርባን ዝገበሩ ሕጻናት ተሰንዮም ከምኡ እውን ምሥጢረ ሜሮን ዝተቀብኡ ኣጓብዝን ምሥጢረ ተክሊል ዝፈጸሙ ሓደስቲ መርዑትን ነፍሰጾራትን ብእስካውት ዝፍለጡ መንእሰያትን ሥድራቤታትን ገዳማውያንን ገዳማውያት ተሰንዮም ነቲ ማራቶን ጸሎት ማለት ወፈራ ጸሎተ መቊጸርያን ወርሒ ግንቦት ኢሎም ዝጀመርዎ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን መቁጸርያ ብምድጋም ዛዘምዎ።

ንጸሎት ዝተወፈየ ወርሒ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣብ ፍጻሜ ወርሒ ሚያዛያ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ነታ ብልማድ ንእኖና ድንግል ማርያም ዝተወፈየት ወርሒ ግንቦት ንሎምዘመን ጐይታ ነዚ ወሪዱና ንዘሎ ለበዳ ኮቪድ ብኣማልድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ንኽንቅንጥጠልናን እቲ ብሰንኩ ስዒቡ ዘሎ ሥራሕ ምስኣንን ካልእ ምሳኡ ዝተታሓሓዘ ማሕበራው ቊጠባውን ቅልውላዋትን ንከወግደልና ምሉእ ወርሒ ማራቶን ጸሎት ማለት ወፈራ ጸሎተ መቊጸርያ ክግበር ኣዘዙ። በዚ ትእዛዝ መሠረት ከኣ ካብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መካነ ንግደታት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰላሳ ተመሪጸን ዕለት ዕለት ኣብዘን ዝሓለፈ ሰላሳ መዓልታት ጸሎተ መቊጸርያ ካብ መላእ ዓለም ምእመናን ብመራኸቢ ብዙሓን ዝሳተፉሉ ኣብ መብዛሕትኡ መካነ ንግደታት ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ብሓባር ብምጽላይ ብዓቢ መንፈሳውነት ተፈጸሙ። ኣብዚ ጸሎት እዚ ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ከምዝተሳተፉ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን የመልክት።  

ቅዱስነቶም እውን ኣብ ምጅማር እቲ መደብ ዕለት 1 ግንቦት 2021 ዓም ንስእሊ ኪዳነ ምሕረት ኣብ ቫዚሊካ ቅ. ጴጥሮስ ብምንባር ነቲ መደብ ጸሎት ጀመርዎ። ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓም ከኣ ካብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ ብምብጋስ ንስእሊ ፈታሒት ቊጻራት ድንግል ማርያም ሒዞም ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን ዑደት ብምግባርን ጸሎተ መቊጸርያ ብምዕራግን ዛዘምዎ።

ፈታሒት ቊጻራት ድንግል ማርያም!

ነዚ ፍሉይ መደብ ጸሎት ተባሂላ ካብታ መበቈላ ከተማ ኣውስበርግ ሃገረ ጀርመን ስእሊ ፈታሒት ቊጻራት ድንግል ማርያም ከምዝመጸት እንክምልከት ነቲ መንፈሳዊ ዑደት ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ቫቲካን ከኣ ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ በርትራም ጆሃንስ ማየር ከምዝመርሕዎን መጀመርያ ቊርባን ዝገበሩ ሕጻናትን ቅብኣ ሜሮን ዝተቀበሉ መንእሰያትን መንእሰያትን ከምኡ እውን ጒጅለ እስካውትን ስድራቤታትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንምሉእ ሕዝበ እግዚአብሔር ብምውካል ከምዝተሳተፉ ተመልኪቱ።

እቲ ስእለ ማርያም ብመንእሰያት ተጸሩ እንክጐዓዝ ንር.ሊ.ጳ ፍሉይ ሓለዋ ብዝገብሩ ወተሃደራት እስዊዘርላንድን ናይ ከተማ ቫቲካን ሓለውቲ ጸጥታ ፖሊስን ተዓጂቡ ዑደት ፈጺሙ። ቅዱስነቶም ነቲ ጸሎት ምስ ጀመሩ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ካቶሊካዊ ተግባር ዝበሃል ጒጅለ ጀሚርካ ክሳብ ግለሰባት ብተባርዮ ነቲ መደብ ጸሎት ፈጸሙ። ዝቀረበ ጸሎተ መቊጸርያ ናይ ደሥታ ምሥጢር ኰይኑ ኣብተን ሓሙሽተ ምሥጢራት ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ሓሳብ ጸሎታት ከምዝቀረባ ፈታሒት ቁጻራት ድንግል ማርያም ከኣ ነዘን ዝቀረባ ሓሙሽተ ቊጻራት ማለት ለበዳ ኮቪድ 19 ብዓንዲ ርእሱን ብለበዳ ኮቪድ ዝሰዓበ ቁጻራት ቅልውላው ርክባት ሽቅለት ኣልቦነት ዓመጽ ሕማማትን ውሕስነት ምስእንን ኣብ መወዳእታ ከኣ ንሓዋርያዊ ጒስነት ዝዕንቅፍ ዘቦኡ ኩሉ ቊጻራት ፍትሕልና ክብሉ ለመኑ።

ዓለም ብዓለሙ ዝተሳተፎ ጸሎት!

እዚ መደብ ጸሎት እዚ ብእዋኑ ምስ መላእ ዓለም ብሓደ ሰዓት እሞ ኸኣ ብዘሎ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሓን እናተራኣኣኻ ክትገብሮ ዝከኣል ምዃኑ ብእዋኑ ተመዲቡ ስለዝነበረ ብዘደንቅን መንፈስካ ብዝቅስቅስን ኣጋባብ ካብ መላእ ዓለም ብዙሓት መካነ ንግደታት ብቀጥታ ብሓባር ከምዝጸለያ እንክምልከት ከም ምልክት ከኣ ካብ ሃገራት ፈረንሳ ጀርመን ርዋንዳ ቺለ እስፐይን ፓርጉዋይን ሃገረ ጣልያንን መካነ ንግደታት ብቀጥታ ምስ ናይ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና መርበብ ብሓደ እንክመሓላለፍ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ምእመናን ካብ መላእ ዓለም ከምዝተኻተተልዎ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ጸሎት ቅዱስነቶም ነታ ነዚ መደብ እዚ ኢላ ዝመጸት ስእሊ ፈታሒት ቊጻራት ድንግል ማርያም ዘውዲ እንክደፍኡላ ወዳ ንጉሥ ንግሥቲ ስለዝገበራ ዘውዲ ነወፍየልኪ ድሕሪ ቢሎም ‘ንሕና እውን ከማኺ ንኣገልግሎት እግዚአብሔርን ነንሕድሕድና ብፍቅሪ ክነገልግልን ንውፈ ኣሎና’ እንክብሉ ልቢ ዝትንክፍ ጸሎት ኣብ ክንዲ ኩልና ኣዕሪጎም።

ብሓዋርያዊ ቡራኬ እንከሰናብቱ ከኣ ንኩሎም እቶም ኣብዚ ንለበዳ ኮቪድ 19 ክቅንጥጠልናይ ናብ እግዚአብሔር ዘቅረብናዮ ወፈራ ጸሎተ መቊጸርያ ብሓደ ድምጺ ናብ ኣማልድነት ድንግል ማርያም ዝጸልዩ ኣመስጊኖም። ጐይታ ንዓለምና ካብ ለበዳ ክሕልወና ጸሎትና ክንቅጽል ከምኡ እውን ነፍሲወከፍና ብዘይምንም ሌላን ጉሌላን ብክትባት ገዛእ ርእስና እንከላኸለሉ ዕድል ብዝቀልጠፈ ክወሃብ ጸሎትና ይቅጽል` እንክብሉ ተሰናበትዎም። 

መቀጸልታ ታሪኽ ድንግል ማርያም ፈታሒት ቁጻራት (ብኣባ ኣሮን ገብረትንሣኤ ሲታዊ)

ድንግል ማርያምን ኣቦና ፍራንቸስኮስን!

ኣቦና ርሊጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝድይቡ እዚ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ንኽስፍሕፋሕ ዝሓገዝዎ መንፈሳውነት ብቅጽበት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርግሐ። ሎሚ እዛ ጸሎተ ታስዕቲ ናብ ፈታሒት ቊጻራት ናብ ብዙኅ ቋንቋታት ዓለም ተተርጒማ ኣብ ኲሉ ክፍለ ዓለማት በጺሓ ትርከብ። ዘሎዎም ዓሚቊ ፍቅሪ ማርያም ከም ዘለዎም ርሊጳ ካብ ዝሥየሙ ኣትሒዞም ኣርኢዮም፣ ኣብታ መጀምርታ መዓልቲ ሥልጣኖም ኣብታ ናይ ሮማ ባሲሊካ ቅድስት ማርያም ዓባይ (ሳንታ ማሪያ ማጆረ) እትበሃል ክበጽሑ ደለዩ። እዚ ከኣ ነዚ ሓዲስ ተልእኮ ናብ ኣምላኽ ከማዕቊቡ ንማለት እዩ።

ንዲያብሎስ እትስዕር ታስዕቲ!

እዛ ናይ ፈታሒት ቊጻራት ጸሎተ ታስዕቲ “ንዲያብሎስ እትስዕር ታስዕቲ” እውን ተባሂላ ትጽዋዕ እያ። ወዲ ማኅበር ካፒቺኒ  ዝኾኑ ኤክሶርሲስት ማለት ገሳጺ/ መንጽሒ ርኹሳት መናፍስቲ ፡ ኣባ ቺፕሪያኖ በዓል መዮ ከምዚብልዎ ብጊዜ ምግሳጽ ባዕሉ ዲያብሎስ ዝመስከሮ “በታ ሰበይቱ ዝተጸለይት ታስዕቲ ነቲ ኂዘዮ እሞ ብሞት ክቀዝፎ መዲበዮ ንዝነበርኩ ሰብኣያ ዘፍረሰትለይ” ኪብል ለፍሊፉ። እቶም ኣባቴ ካባኡ ንደሓር ነቶም ዚከታተልዎም ጽጉማት  ብፍሉይ በዛ መንፈሳውነት ናይ ፈታሒት ቊጻራት ዲያብሎስ ስለዝድምሰስ ንኺጽልዩ ንዅሎም ምኽሪ ክህቡ ጀሚሮም። ካልእ መንጽሒ መናፍስቲ ፍራንቸስኮ ባሞንተ “ኣብ ድንግል ማርያምን ዲያብሎስ ኣብ ጊዜ ምንጽሕ ኣጋንንቲ (ቤት ማኅተም ቅዱስ ጳውሎስ 2010)” ዝኣርእስቱ መጽሓፎም ብዛዕባ ግደ ማርያም ኣብ ጊዜ ምግሳጽ ኣጋንንቲ ወሳኒን መሰረትውን ምዃኑ ብኸምዚ ኣስሚሮሙሉ ይርከብ፦ “ሰይጣን ክጻወሮም ዘይክእል ናብ ድንግል ማርያም ዝበጽሑ መንፈሳውነታት ኣለዉ፣ እንካብዚኣቶም “ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም፣ ናይ ቅዱስ ቦናቨንቱራ መዓልታዊ ወፈያን ጸሎተ መቊጽርያን እያቶም” (ገጽ 31)። ዓሚ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝሓለፉ ኣባ ገብርኤል ዓሞርጽ (ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሮም  ኣገልግሎት ዝሃቡ ውሩይ ገሳጺ) ናይ ድንግል ማርያም ግደ ኣትሪሮም ይገልጹ፦ “ናይ ጸጋ መራኸቢት ድንግል ማርያም ምዃና ብኢድ ምድህሳስ ይከኣል፣ ከመይሲ እንካብ ጋኔን ብወዳ ሓርነት ንዝርከብ ኵል ጊዜ ንሳ እያ እትረኽቦ።”   

ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ነቲ ተመን በቲ ካብ ሰበይቲ ዝተረኽበ ፍሬ ከርሳ ንኽሰዓር ዝተፈርደ እዩ (3:15)። ኣብ መንጎ ተመንን እታ ሰበይትን ጽልኢ ኣሎ፣ ኣብዚ ውግእ’ዚ በቲ ብእግዚኣብሔር ብዝተዋህባ ሥልጣን ዓወት ናይታ ሰበይቲ እዩ። በዚ መሰረት’ዚ እዩ እምበኣር ኣብ ስእሊ ንጽሕቲ ደንግል ማርያምን ፈታሒት ቊጻራት ማርያምን ርእሲ እቲ ተመን ብእግራ ተጨፍሊቁ  ዚሰኣል። ተመን ንዅሉ ንሕይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኃጢኣት ምልክት እዩ።

ምስክርነት ናይ ሓደ መንጽሒ ኣጋንንት!

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ኣባ ቺፕርያኖ በዓል መዮ ብዛዕባ ዝምድና ታስዕቲ ናብ ፈታሒት ቊጻራትን ዲያብሎስን ነዚ ዝስዕብ የቅርቡ፦ “ሓደ  ዓርቢ መዓልቲ ብጒዳይ ምንጻሕ ኣጋንንቲ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ኣወፊ ነይረ። ኣብ ቅድመይ ጋና ሓንቲ ብርኹስ መንፈስ ዝተለኽፈት ብዓቢይ ገዓርን ኣውያንትን ነቲ ጸሎትና ትጻረሮ ነበረት። ብኣፍ እታ  ሰበይቲ   ገቢሩ እቲ ጋኔን ዝተሳዕረ ምዃኑ ብኸምዚ እናደጋገመ ተጣርዐ፦ “ሓንጎል ናይቲ ሰብኣይ (ነባቴ ማለቱ እዩ) ከፍርሶ እዩ ነይሩኒ፣ ግዳስ ንሳ ኣድኂናቶ።” ፈጺሙ እኳ ሽማ እንተጸይጸውዐ ንድንግል ማርያም ኣመልኪቱ ብቊጥዓ ቀጺሉ ከምዚ በለ፦ “እታ ሰበይቲ እቲኣ እያ እታ ዘዕለወትኒ! እታ ዘድኃነቶ ከዓ እታ ዝተረግመት ጸሎተ ታስዕቲ እያ!! ናብታ ሰበይቲ ዝተጸለየት ታስዕቲ!! ሰበይቱ ምእንታኡ ዝጸልየቶ እንካብ  ኵለን ታስዕትታት እታ ዝሓየለት ዘድኃነቶ ንሳ (ፈታሒት ቊጻራት) እያ።”  ምኒን ምባሉ ኣየቋረጸን ፣ ንዓይ ግን ብዘይ መጠን ዚግድስ ረኺበሉ። ንመደብ ዲያብሎስ ንምድምሳስ ካብ ታስዕትታት ኣየነይቲ ምዃና ክፈልጥ ተሃንጦኹ። ንዅለን ዝፈልጠን ጸሎታት ዳህሲሰ፣ ንሽዑ ተወሳኺ ኣገደስቲ ንዓኡ ዚስዕራ ጸሎታት ከጋልጽ ኣይተረኽበን። ግዳስ ናብ ድ. ማርያም ዚግበር ጸሎታት ኣብ መንግስቲ ጸልማት ስቓዮም ምዃኑ ብምርድአ ተጸናናዕኩ። ኢደይ ግን ኣይሃብኩን፣ ክፈልጥ ዳህሳሰይ ቀጺለ። ብልበይ ንጐይታ ክልምኖ ኣንቀድኩ እሞ ንሰይጣን መደባቱ ዘፍርስ ታስዕቲ ከምታ በታ ትሕዝቲ ብርኹስ መንፈስ  ክጋልጽ ለምንክዎ። ዘደነቂኒ ነገር ግና ጸሎተይ ሰሜዑ ኣብ መወዳእታ መለሰልይ።

“ ኣብ ፍጻሜ ናይቲ ምንጻሕ ስርዓት ኣቢሉ እቲ ጋኔን ኣጋለጸ። “እታ ቊጻራት እትፈትሕ ታስዕቲ”  ንመደባተይ ዘዕነወትን ዘድኃነቶን!!  ኣነ ርእሱ ከፍርስ ነይሩኒ! እንካብተን በዓልቲ ቤቱ ዝጸለየተን ታስዕትታት እታ ዝሓየለት ንሳ እያ፣ ሽሕ እኳ ብዙሓት ካልኦት እንተ ጸለየት ዘዕነውትኒ ግና ንሳ እያ!!” በለ። ብመለኮታዊ ፍቃድ ንዂሎም ሓደራ ከመሓላልፍ ዘሎኒ ምዃነይ ፈለጥኩ!!” (Patrizia Cattaneo, Il diavolo in ginochio, Segno, 2007 = ፓትሪጺያ ካታነዮ፡ ዝተንበርከኸ ዲያብሎስ (ጽሑፍ)።

ታስዕቲ ፈታሒት ቊጻራት ስድራ ቤትን!

እንካብ መፈለምታ ኣትሒዙ መንፈሳውነት ታስዕቲ ፈታሒት ቊጻራትን ሰብኪዳንን ስድራ ቤትን ብቀረባ ዝተተሓሓዙ እይቶም፡፣ ነቲ  ኣብ መንጎ ሰበኪዳን ዚፍጸም ዘይፍታሕ ቃል ኪዳን ድ. ማርያም ቅሩብነታን ኣማልድነታን ትኽእሎ ንምግላጽ  ድሌታ  እዩ። ፈታሒት ቊጻራት ድ. ማርያም ልዕሊ ኲሉ ኣብ ስድራ ቤት ንዝገጥሙ ሽግራት ማለት ናይ ቃልኪዳን ቅልውላው፣ ዘይምርድዳእ፣ ዘይምትእምማን፣ ምፍልላይን ምምቅቃልን . . . ምስ ደቂ ዘሎ ዘምርድዳእ፣ ጭካኔ ፣ ሕማም ድንገታዊ ጽንስን ነዚ ዝኣመሰሉ ዘተዓናቅጹ ሽግራት ረድኤት ድ. ማርያም ምሕታት ወሳኒ ፍታሕ እዩ።

ድ.ማርያም ሕጽይቲ ዮሴፍን ወላዲት ኢየሱስ ክርቶስን ግድላትን ሽግራትን ናይ ስድራ ብምሉኡ ትፈልጥ እያ፡፡ ዘድሊ ትሩፋት ንምርካብ ስድራ ቤትና ከኣ ኣሰር ቅድስቲ ስድራ ንኽስዕቡ ናብኣ ገጽና ንመለስ። ኣብ ወንጌል ዮሐንስ (2:1-11) ከም እንረኽቦ ድ. ማርያም ኣብ ናይ ስድራ ሽግር ኣቲያ ንወዳ ዝግበር ክገብር ዓዲማቶ ዘቃለለት እያ። ኣብ ቃና ናይ ገሊላ እቲ ናይ ሓጐስ ምልክት መጋበርን ዝኾነ ወይኒ ምስተወድአ  ሰቲራቶም ናብ ሓጐስ ለዊጣቶ። መንጎኝነት ድ. ማርያም ኣብ ኲሉ ሽግራት ናይ ስድራ ኣገዳሲ እዩ። ናብኣ ንጸጋዕ። በዚ ዘመና ክርስቲያናዊ ቃል ኪዳን ንውሳጣውን ደገኣውን ሓደጋታት ዝተቃልዐ እዩ። ብምኽንያት ኃጢኣት ዝተላዕለ ቊስልን ምምቃልን ረድኤት ጸጋ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ዚድለየሉ እሞ ከኣ መማለዲት ድ. ማርያም ብምዃና ናይ ሕይወትን ፍቅርን ስጡም ኅብረት ናይ ሰበ ኪዳን ብዘይካኣ ንዕንወት ዝዛዘወ እዩ (መዝ. ሃይ. 1606 – 1608)። 

ብድምጺ ንምክትታል!
01 June 2021, 09:17