ሃገረ ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኦስትሪያ ርእሰ ብሔር ቫን ደር በለን ሃገረ ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኦስትሪያ ርእሰ ብሔር ቫን ደር በለን 

ሃገረ ቫቲካን፥ ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኦስትሪያ ርእሰ ብሔር ቫን ደር በለን

ብዛዕባ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ጒዳያትን ኤውሮጳውን ዓለም ለኻውን ሕቶታትን ዘማእከለ ዘተ ምክያዱን ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ምትሕብባርን ኵለንተናዊ ሕውነትን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ሓድነት ኣብ ምድንፋዕን ዘለዋ ግደ ብወገን ኦስትሪያ ንኡድ ኣፍልጦ ከምእተወሃበሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኦስትሪያ ርእሰ ብሔር ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብውን ብዛዕባ ሃገር ቫቲካንን ኦስትሪያን ክሌኣዊ ርክብ ሰናይን  ከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸትን ምንቕቓሕ ሰላም እተካይዶ ጻዕሪ ኣፍልጦ ዝሃበ ርክብ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ሰነ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ኦስትሪያ ርእሰ ብሔር ኣሌክሳንደር ቫን ደር በለን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን እቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኦስትሪያርን ዘሎ ክሌኣዊ ዝምድና ዝነኣደ ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ጒዳያትን ኤውሮጳውን ዓለም ለኻውን ሕቶታትን ዘማእከለ ዘተ ምክያዱን ቤተ ክርስቲያን ሰላምን ምትሕብባርን ኵለንተናዊ ሕውነትን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ሓድነት ኣብ ምድንፋዕን ዘለዋ ግደ ብወገን ኦስትሪያ ንኡድ ኣፍልጦ ከምእተወሃበሉ ኣመልኪቱ።

ናይ ረፓብሊካዊት ኦስትሪያር ርእሰ ብሔር ቫን ደር በለን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፣

ናይ ረፓብሊካዊት ኦስትሪያር ርእሰ ብሔር ቫን ደር በለን ቤተ ክርስቲያን ብካሪታስ ዝጸዋዕ ጨንፈር ብሩንዲ ኣቢላ ኣብ ብሩንዲ ንእተካይዶ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝውዕል ሓገዝን ሓደ ጒዱዕ ስነ ጥበባዊ “ምስ ኖህ እግዚኣብሔር መገዲ ድሕነት ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ፍጥረትን ኣርሃወ” ዘርእስቱ ምስሊ ኖህ ዝተነብሮ ዝሰኣሎ ቅብኢ ንቅዱስነቶም ከምዘወፈዩን ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድን ናይ 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምን ንርእሰ ብሔር ቫን ደር በለን ገጸ በርኸት ከምዘቕረቡሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 June 2021, 15:29