ፍራንቸስኮ፥ ሓድሓደ ግዜ ምጽልያ ናብ እግዚኣብሔር ምግዓር ማለት እውን እዩ

ነቶም ካብ ድቓሱ ዘበራበርዎ ደቀ መዛሙርቲ ክንመስሎም የድሊ፡ ብቐዳምነት “በይንና ክንንሳፈፍ ከምዘይንኽእል ምእማን እዩ፡ ልክዕ ከም ባሕረይናትት መገዲ ዘለልዩሉ ኰዀብ ከም ዘድልዮም ኢየሱስ እውን ከምኡ ንዓና ይድልየና

ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ “ምድቓስ ኢየሱስ ኣብ ጀልባ “ዘድልየና ነገራት ዝቱኽቱኽ እዩ። እቲ ኣብ ሕይወትና ኣዚዩ ኣግዳሲ ዝኾነ” እዚ ኸኣ “ተኣምራት ዚገብር ልኡምን ሓለፋን ጸሎት” ምዃኑ የስተርእይ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ኣስተተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝለገሱን ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እዚኣብሐር ቅዱስነቶም ምእንቲ ሰላም ኣብ ምያንማር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ሰንበት ወንጌል፥ ቅዱስነቶም ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንበይኖም ብዘይ ኣካላዊ ሱታፌ ምእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ንኸናግፍፈና መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሒዞም ናይ ዘዕረግዎ ጸሎትን ኣስተንትኖን መሰረት ዝገብርዎ ካብ ማርቆስ ወንጌል ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 35 ክሳብ 41 ዝተወስደ ምንባብ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ህቦብላ ንፋስን ብርቱዕ ማዕበልን ኣብቲ ሃዋሁ ሕይወት ሱቕታ ኢየሱስ ኣብ ድቃስን ምስ እዚ ሓሳብ እዚ በታ ዕለት እቲኣ (ዕለት 20 ሰነ) ተዘኪሩ ንዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይንታት ፍሉይ መልእኽቲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ብዙሓት ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ እንከለዉ “ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን - ኣድሕነና” እናበሉ ዘቕርብዎ ገዓር ጸሎት ኮይኑ ናብ እግዚኣብሔር ዚዓርግ እዩ። “ናብ መዓጾ ኣምላኽ ዝኾነ ልቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንኳሕኵሕ ጸሎት ሰራሕ ተኣምር እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብርቱዕ ህቦብላን ማዕበልን፥

ጐይታ ኣብኡ ህልው እዩ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ጉዳይ ሕይወትና ህልው ንኽኸውን እንልምኖ ኣብ ማእከል እንነብረሉ ክርከብ እቲ ድላይ ካባና ምዃኑ እዩ። ምድቓሱ ከም እንበራበር ይገብረና። ምኽንያቱ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ንምዃን ኢየሱስ ኣብ ዘለናሉ ምህላዉ ምእማን እዅል ኣይኮነን፡ የግዳስ ምስኡ ክንጽበርን ጐይታ ኣድሕነኒ ቢልካ ምጭዳር የድሊ . . .

ኢየሱስ ህልው እዩ

ፍራንቸስኮ፥ ኣብቲ ዘጥሕልን ዘጨንቕን ኵነታ፥ . . . ብሓፈሻ ንቕዲሚ ናይ ምስጓም ብርታዐ ኣብ ዝጠፍኣሉ እዋን . . ኢየሱስ ኣብኡ ህልው እዩ፥

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ ሓያሎ ኻልኦትን ንሕና እውን ብፍርሒ ዝተወሓጥና ኰይኑ ኣብ ዝስምዓና ኩነት ልክዕ ከም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ልዕሉ ዅሉ ኣገዳሲ ዚኾነ ነገር ክንርስዖ ንኽእል ኢና። ኢየሱስ እቲ ዋና እታ ጀልባ ኣብታ ጃልባ እውን እንተ ደቀሰ ኣብ ኩነትና እዩ ዘሎ፡ ንዅሉ እቲ ዝኾነ ነገራት ሓቢሩ እዩ ዚካፈሎ፡ ድቃሱ በቲ ሓደ ሸነኽ እንተገረመና በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ይፍትነና!

መገዲ መለለዪ ኰዀብ

እቲ ጸፍዒ ሕይወት ዝኾነ “ንፋስ” ክንሓስብ እንኰለና እቲ ስቓይና ንኢየሱስ እነሆልካ ቢልና ክንህቦ ንኽእልን “ኵሉ ንነግሮን” ከመይሲ “ካብ ዘይልሙድ ማዕበላት ሕይወት መዕቘቢ ኽንረክብ እዩ ዚደሊ፡ ምስኡ ክንጠብቕ እዩ ዚደሊ።” ነቶም ካብ ድቓሱ ዘበራበርዎ ደቀ መዛሙርቲ ክንመስሎም የድሊ፡ ብቐዳምነት “በይንና ክንንሳፈፍ ከምዘይንኽእል ምእማን እዩ፡ ልክዕ ከም ባሕረይናትት መገዲ ዘለልዩሉ ኰዀብ ከም ዘድልዮም ኢየሱስ እውን ከምኡ ንዓና ይድልየና፥

እምነት ዝጅምር ንርእስና እዅላት ከምዘይኰንና ብምእማን ኢየሱስ ከም ዘድልየና ክስምዓና እንኰሎ እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ንኽንዕጾ ንዝወረደና ፈተና ምስ እንሰግሮን ነቲ ንኣምላክ ከሸግሮ ኣይደልን ዝብል ናይ ሓሶት ሃይማኖተይናነት ምስ እነሰንፍ ናብኡ ከነብል ዝድርኸናን ናብኡ ክንግዕር እንከሎና ንሱ መስተንክር ነገራት ይገብር፡ ተኣምር ዚገብር ልኡም ዜደንቕን ሓይሊ ጸሎት . . . !

ማዕጾ ልቢ ኢየሱስ ኳሕኲሑ

ስለዚ እዚ መሰጋገሪ እዚ ኻብ ፍርሂ ናብ እምነት ሕድሪ ምንባር ዝብል፡ ካብቲ ንማዕበላት ምጥማት ዘላቕቕ እሞ ንኢየሱስ እናጠመትካ ክትጓዓዝ ዘብቕዕ እዩ፡

ናብ ጐይታ ኣብ ክድኒ እንኸይድን ጸገማትና ናብኡ ኣብክንዲ እነንብሮን ክደይ ሳዕ ኢና ጸገማትና ባዕልና ንኽንፈትሕ እንፍትን፡ ክንደይ ሳዕ ኢና ንጐይታ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ ህይወት መርከብ ሓዲግና ኣብ ግዜ ጸገምና ጥራሕ ካብ ድቓሱ ንኸነበራብሮ ላዕልን ታሕትን ንብል? ሎሚ ንጐይታ ንምድላይ ማዕጾ ልቡ ንምዅሕኳሕን ፈጺማ ዘይትሕለል እምነት ንኽጽገወና ንለምኖ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 June 2021, 18:08