እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ሕይወትና ከምዘሰንየናን ከምዝሠርሕን ርኢና ንኽኣል! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 13 ሰነ 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ነቲ ብስውር መንገዲ ወትሩ ዘሰንየናን ኣብ መነባብሮናን ኣብ ታሪኽን ከምዝዓዪ ንምርኣይ ኣዕይንቲ ኣእምሮና ንኽፈት’ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ንዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ካብ ማር.4 ኰይኑ መንግሥቲ እግዚአብሔር ብምሳሌ ዘርኢ ዘቅርብ እዩ። እታ ሓንቲ ሓረስታይ ዘርኢ ምስ ዘርኤ ንሱ ምንም ከየስተውዓለ ክድቅስን ክትንስእን ግዜ ክሓልፍን እንከሎ እታ ዘርኢ በቊላ ኣብ ፍረ ትበጽሕ። እቲ ዘብቊል እግዚአብሔር ምዃኑ እዩ። እታ ካልአይቲ ከኣ ዘርኢ ኣድሪ ካብ ኩሉ እትንእስ ክንሳ በቲ ኣብ ውሽጣ ተሓቢኡ ብዘሎ ሓይሊ ምስ በቈለት ዓባይ ኦም ኰይና ንኩሉ ተጽልል ዝብላ ምሳሌታት ነበራ።

ቅዱሰቶም ነዚ ምሳሌዚ ምስ መነባብሮ ደቂሰባት ብምግንዛብ እግዚአብሔር ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ደቂሰባት ብከመይ ዝበለ ምሥጢራዊ መንገዲ ወትሩ ከምዘሰኒ ገሊጾም። መነባብሮ ተደጋጋምን ዘሰልቹን እኳ እንተመሰለ እቲ ክውን ዝገብሮን ብሓልዮቱ ዝመርሖን እግዚአብሔር ወትሩ ምሳና ከምዘሎ ንምርኣይ ኣዕይንቲ ኣእምሮና ንኽፈት። በዚ ከምዚ ንእግዚአብሔር ካብቲ ዝደቀቀ ነገራት ጀሚርካ ኣብ ኩሉ ነገራት ሃሰስ ምስ እንብሎ ክንረኽቦ ኢና ከመይ እግዚአብሔር ወትሩ ኣብ ሕይወትና ምስ ዓየየ እዩ ኢሎም።

እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ወትሩ ይዓዪ!

ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ነገራት ክንርኢ እንተደሊና ናብታ ኣብነት ዘርኢ ኣድሪ ምልስ ይብሉ እሞ እዛ ካብ ኩለን ዘርእታት ዝደቀቀት ዘርኢ ዓቢ ኦም ከም እትኸውን ዝገብራ እቲ ኣብኣ ተሰዊሩ ዘሎ ሓይሊ እግዚአብሔር እዩ። ልክዕ በዚ መንገዲ እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት ነፍስወከፍና ወትሩ ምስ ዓየየ እዩ። ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ብዘጋጠመና ላዕልን ታሕትን ሃምናን ቀልብናን ኣብቲ ዘጓንፈና ግድላት ስለ እንገብር ነዚ ህላዌ እግዚአብሔር ብዙሕ ኣየነስተውዕለሉን። እንተኾነ ብዘይካ ብእግዚአብሔር ምንም ክንገብር ስለዘይንኽእል ከምታ ኣብታ ደቃቅ ዘርኢ ብስውር ዝሰርሕ ኣብ ሕይወት ነፍሲወከፍና እውን ወትሩ ምስ ሰርሔ እዩ።

ቅዱስነቶም ነዛ ምሳሌ ዝርኢ ኣብ መነባብሮና ብምንጽጻር እንገብሮ ሥራሓት ይዕበ ይንኣስ ከም ንእሽቶ ዘርኢ ኰይኑ ኩሉ ካብ እግዚአብሔር ስለዝኾነ በብዓቅሙ ጽቡቅ ፍረ ይፈሪ። ልክዕ ከምታ ናይታ ዘርኢ እቲ ሓረስታይ ምንም ከየስተውዓለ እትበቊልን እትዓብን እትፈርን ናታትና ሠናይ ተግባራት እውን ንሕና ከየስተውዓልናሉ ብትሕትናን ክረኤ ብዘይከኣል ስውር መንገድን ይዓብን ይፈርን። ስለዚ ኣስተውዒልና ህላዌ እግዚአብሔር ሃሰስ ንበል እሞ ክርዳኣና እዩ።

ህላዌ እግዚአብሔር ሃሰስ ንበል!

ቅዱስነቶም ኣብ ንቡር ኩነታት ሕይወትና ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብጌጋ ተርዲእና ተስፋ ከቊርጸና ከምዘይብሉ ክነስተውዕል ኣሎና ኢሎም። እዚ ግጉይ ርድኢት እዚ ሠናይ ወትሩ ምስ ተወጸዔ እዩ ድኹም እዩ ክፍኣተ ግብሪ እዩ ዘሸንፍ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብ ምጥርጣር እውን ከብጸሓና ይኽእል። ዝገበርና እንተገበርና ዝኾነ ሠናይ ነገር ክንገብር እንተጸዓርና ምንም ለውጢ ክነምጽእ ኣይኮናን ለውጢ ዝበሃል የለን ዝብል ዝገደደ ጸገም እውን ኣሎ። ናይ ሎሚ ወንጌል ግን ነዚ ኩሉ ክንሰግር እሞ ኣዕይንቲ ኣእምሮና ከፊትና ክንዮ እቲ ጸገማትናን ርድኢታትናን ሰጊርና ነቲ ትሑት ህላዌ እግዚአብሔርን ከምቲ ኣብ ሓመድ ዘርኢ ኣብ ሓመድ ሕይወትናን ታሪኽናን ብሱቊታ ንዝሰርሖ ንርአ። ነዚ ምስ እንርዳእን ኣዕይቲ ኣእምሮና ምስ ዝኽፈትን ዕለት ዕለት ብተኣማንነትን ትብዓትን ነቲ ፍረ ዝፈሪ ሠናይ ተግባራትና ከይተሓለልና ብትዕግሥቲ ክንዘርእ ኢና። እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ካብዚ ሕጂ ብኩሉ ኩሉ ኣጸጊሙና ንዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዓወት ክንሰግሮ ኢና። ንኩሉ ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ብምሕዳግን ብኣኡ ብምትእምማንን ዳግም ንምህናጽን ብትዕግሥትን ጽንዓትን ዳግም ክንብገስ ክንክእል ኢና፣ ሽዑ ሥራሕ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ክንርኢ ኢና ኢሎም።

ሥራሕ እግዚአብሔር ኣብ መነባብሮና!

ቅዱስነቶም ኣብ ኩነታት ቤትክርስትያን እውን እዚ ናይ ምጥርጣር ጻህያይ ስለዘይሰኣን ቅልውላው እምነት እንከጋጥም ወይውን ዝመደብናዮም ዕላማታትን ተበግሶታትን ምስራሕ እንክኣብየና ከጋጥም ይከኣል። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ጸገም ረድኤት ክኾነና ዝኽእል ነዛ ምሳሌ ዘርኢ ምዝካር የድሊ። እቲ እንዘርኦ ካባና ኣይኮነን እንታይ ደኣ ካብ ሥራሕ እግዚአብሔር እዩ። ቀንዲ ውራይና ዘርኢ ምዝራእ ጥራሕ እዩ። ነዚ ከኣ ብፍቅርን ተወፋይነትን ትዕግሥትን ክንገብሮ ኣሎና። ሓይሊ እታ ዘርኢ መለኮታዊ እዩ። እቲ ምሳሌ ከምዘብርሆ እቲ ሓረስታይ ምስ ዘርአ በቲ ኣበቋቊላን ለይትን መዓልትን ሓሊፉ ከይተረድኦ ኣብ ፍረ ምብጻሑ ይድነቅ። እዚ ከኣ ወትሩ ተስፋ ከምዘሎ ዋላ ኣብታ ፍርያም ኣይኮነን እንብሎ መሬት እውን ከብቊልን ከፍርን ይኽእል ኢሎም።

ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም እታ ትሕቲ ባርያ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ነቲ ኣብ ናኣሽቱ ነገራት ዝዓዪ ህላዌ እግዚአብሔር ርኢና ንክንክእልን ዕለት ዕለት ብኣኡ ተኣማሚና ብተስፋ ክንነብር ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም። 

 

14 June 2021, 00:10