ቅዱስ ቊርባን መግቢ ሓጢኣተኛታት እምበር ሽልማት ጻድቃን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ዝዘከረትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ 19 ንመጀመርያ ግዜ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦማ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ምሕረት ኢየሱስ ክርስቶስ ሕስረታትና ስለዘየፍርሆ ቅዱስ ቊርባን መሕወዪ ፈውሲ እዩ’ እንክብሉ ዕምቆትን ዕብየትን ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾነ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ካብተን ሸውዓተ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ብዕብየቱ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ብመንጽሩ ከኣ ንኩሉ ብኣመለኻኽታ ደቂ ሰባት ክትርድኦ ዘጸግሙ ኣብ ባህርያት ቅዱስ ቊርባን ዝርከቡ ማለት ድኹምን ተኣፋፍን ምስ መለኮታዊ ሓይሊ ከምኡ ክሕደትና ምስ መለኮታዊ ፍቅሩ ንሓጢኣትና ከኣ ምስ መለኮታዊ ምሕረቱ ብምንጽጻር ስፍሕ ዝበለ ኣስተምህሮ ሂቦም።

“ቅዱስ ቊርባን ምስ ኢየሱስ ስለዘሕብረና ይፍውሰና የሕውየና! ኣብ ሕይወቱ ከምእንሓብር ብምግባርን ነቲ ንሱ ዝገበሮ ዝቊረስ እንጌራ ኰና ንኣሕዋት ምውፋይ ብምምሃርን ንክፍኣተ ግብሪ ብጽቡቅ ከም እንምልሽ ይገብረና። ካብቲ ብፍርህን ሽቊረራን ወይውን ብካልእ ምኽንያት ኣብ ገዛእ ርእስና ተዓጺናሉን ተሓቢእናሉን ካብ እንርከቦ ኩነታት ወጺእና ንድኻምነትን ተኣፋፍነትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍቅሪ ተንበርኪኽና ንክንክእል ትብዓት ይህበና። እዚኣ ከምቲ እግዚአብሔር ምስ ነፍስወከፍና ዝገበሮ ንብጾትና ንምግባር እዩ። ትርጉም ቅዱስ ቊርባንከስ እዚ እዩ። ነቲ ዘፍቅረናን ድኻምነትናን ተኣፋፍነትናን ዝፍውስን ንሕና እውን ብግደና ንካልኦት ንክነፍቅርን ኣብ ዳኽምነቶምን ተኣፋፍነቶምን ንክንሕግዞምን ብምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ንቅበሎ። በዚ ከኣ ሕይወትና ንካልኦት ንምግልጋል ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢሎም።”

ሕይወት ንኣገልግሎት እዩ ተዋሂቡና!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን ብምሥራዕ ንገዛእ ርእሱ ስለና ምውፋዩን ንዘለዓለም ከምዘሰንየናን እንክገልጽ ብዝበለሰ ግን ይብሉ ቅዱሰንቶም ‘ኣብዛ ዓባይ ናይ ትሕትና ወፈያን ንገዛእ ርእስኻ ንካልኦት ምክፋልን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንብዙሓት ዝጠመዩ ክዕንግል ኣኽል ታርፍ እንጌራ ኣይኮነን ዝህብ ዘሎ እንታይ ደኣ ገዛእ ርእሱ ሥጋኡን ደሙን እዩ ቈሪሱን ኣፍሲሱን ንነፍስወከፍ ዝዕድል ዘሎ፣ በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ትርጉም ሕይወት ኣብ ምዕቃባ ዘይኮነ ንካልኦት ኣብ ምውፋያ እዚ ከኣ ኣገልግሎት እቲ ዝዓበየ ወፈያ ምዃኑ የብርሃልና። ንሕና ሎሚ በዚ ተኣፋፊ ዝመስል ቊራስ እንጌራ ዝግለጸልና ፍቅርን ንካልኦት ምክፋልን ዕብየት እግዚአብሔር ዳግም ንረኽቦ’ ድሕሪ ቢሎም ኣብቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ ንጽጽር ይሰግሩ።

“ኣብ ቅዱስ ቊርባን ተኣፋፍነትን ሓይልን ኣሎ። እቲ መልእልተ ባህርያዊ ሓይሊ ፍቅሪ ኩልና ብዘይ ፍርሂ ንክንቅበሎ ንእሽቶ ተኣፍፊ ኰይኑ ይቀርብ። ሓይሊ መለኮታዊ ፍቅሪ ዝቊረስን ንሕና ክንቅለቦን ሕይወት ክህበናን ይውፈ። ሓይሊ መለኮታዊ ፍቅሪ ንሕና ኩልና ኣብ ሓድነት ንክንሰምር ይቈራረስ። እዚ ሥጋ ኢየሱስ ዝኾነ ቊራስ ግን መግቢ ሓጢኣተኛታት እዩ ኢሎም።”

መግቢ ሓጢኣተኛታት!

ካብቲ ዘደንቅ ኩነታት ቅዱስ ቊርባን እቲ ኣዝዩ ዘገምርም እዚ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ተኣፋፊ ቊራስ እንጌራ እዚ ሥጋን ደምን ኢየሱስ ኰይኑ ስለ እቶም ዝተጋገዩ ስለ ሓጢኣተኛታት ምውፋዩ ምዃኑ ዝገለጹ ነዚ ከኣ እታ ኣብ መወዳእታ ድራር ዘጋጠመት እቲ ክኽሕዶ ዘለዎ ይሁዳ ኣብቲ መኣዲ ምሳኡ ምስታፉን ነቲ ቅዱስ ቊርባን ምቅባሉ እዩ። ከመይ እዚ ክሕደት ናይ ሓዋርያ ንሓደ ዘፍቅር እሞ ከኣ ብመለኮታዊ ፍቅሪ ዘፍቅር ኢየሱስ ዝለዓለ ሥቃይ ኰይኑ ኣብዚ ዓዘቅቲ ሓዘን እንከሎ ግን ገና ምሕረት እዩ ዝዕድል እምበር ኣይቀጽዕን ኣይኩንንን ኢሎም።

“ንሕና እውን እንተኾነ ቅዱስ ቊርባን እንክንቅበል ኢየሱስ ብምሕረቱ እዩ ዝቅበለና። ካብቲ ንሕና ንገዛእ ርእስና እንፈልጦ ላዕሊ ይፈልጠና እዩ። ሓጢኣተኛታት ብዙሕ ዝተጋገናን ምዃንና ኣጸቢቁ ይፈልጥ። እንተኾነ ነታ መለኮታዊት ሕይወቱ ምስ ሕይወትና ምውህሃድ ኣይሓድጎን እዩ። ቅዱስ ቊርባን ብግዲ ከምዘድልየና ይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ቅዱስ ቊርባን ሽልማት ጻድቃን ዘይኮነ መግቢ ሓጥኣን ኰይን ዘንጽሕን ዝልውጥን እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ‘ኣይትፍርሁ እንኩ እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዕዎ’ እንክብል ዝዕድመና። ፈውሲ ፍቅሪ ኰይኑ ንኩሉ ዘሕዊ መድሓኒት እዩ።”

መድሓኒት ፍቅሪ!

ቅዱስነትም ኣብታ ንጽጽር ምልስ ይብሉ እሞ ኣብዚ እንጌራ ሕይወት ዝኾነ ቊራስ እዚ ድኻምነትናን ተኣፋፍነትናን ሓዲስ ትርጉም ይረክብ። ኢየሱስከስ ክቡራት ኢኹም ይብለና ኣሎ። በዚ ከኣ መለኮታዊ ምሕረቱ ሕስረታትና ኣይፈርሆን እንክብሉ ከምዚ ብማለት ገለጹ።

“ጐይታ ቅድሚ ዝኣገረ በዚ ፍቅሪ እዚ ገቢሩ ነቲ በይንና ክንፍውሶ ዘይንኽእል ድኻምነትናን ተፋፍነትናን ይፍውሰና። ምናልባት እዚ ድኻነት እዚ እዚ ተኣፋፍነት እዚ እንታይ ኮን ይኸውን ኢልና ክንሓስብ ንኽእል። እታ ዝሓሰመት ሕማቅ ንዝገበረና ምቅያም ኰይና ካብዚ ጐይታ እንተዘይረዲኡና ባዕልና ክንሓዊ ኣይንኽእልን። ወይውን ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ሰባት ክንርሕቅን ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ፈጺምና ክንዕጾ ክንጅምርን ካብዚ እውን በይንና ክንወጽእ ኣንኽእልን። ከምኡ ወትሩ ዕሚም እናበልና ኣብ ምጒርምራምን ምስቁርቋርን ምብካይን እንተወዲቅና እሞ ሰላም ካባና እንተሃዲሙ ካዚኣ ኩነት እዚኣ እውን ባዕልና ክንሓዊ ኣይንኽእልን። ጐይታ ጥራሕ እዩ በቲ መልኮታዊ ህላዌሁ ዘሕውየና በቲ እንጌራ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ገሩ ዝፍውሰና። ቅዱስ ቊርባንከስ ተጻይ ኩሉ ናይ ምዕጻው ሕማማት ዝኾነ መድሓኒ ፍቅሪ እዩ ኢሎም።”

ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ቅዱስነቶም ንሕይወት ኢየሱስ ዝገልጻ ካብ አርባዕቲኤን ወንጌላት ዝተዋጽኤት ኣብ ጸሎት ሰዓታት ኣርባዕተ ሓረጋት ንረክብ ንሰን ከኣ ‘ኢየሱስ ብልደቱ ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና መሰነይታ ኮነ። ኣብ ድራር ጸሎተ ሓሙስ ከም መግቢ ተዋህበና። ኣብ መስቀል ከኣ ብሞቱ ስለና ተሰዊኡ ዕዳ ሓጢኣትና ከፈለ። ሎሚ ከኣ ናብቲ ክንቅበሎ ሃንቀው እንብሎ ከም ሽልማት ክንቅበሎ ንጽበዮ ሰማይ ነጊሡ ኣሎ’ ይብላ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

07 June 2021, 17:45