ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ምያንማር፡ ኵነታት ተመዛበልቲ ዜጒሂ እዩ፣ ሰላም ክምለስ ይምሕጸኑ

ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ መተሓላልፎ ክኽፈትን ኣብ ልዕሊ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራታት፥ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያንን ገዳማትን መሳጊዳትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ደው ክብልን ገለልተይና መዕቈቢ ስፍራ ምዃኑ ክኽብርን ምሕጽንታትና ነቕርብ

ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ባሕቲ ለካቲት ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝኻየደላ ናብ ስእነት መግብን ጥምየትን ገጻ ተብልን ኣብ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ መጥቃዕቲ ዝፍጸመላ ዘላ ሃገረ ምያንማር፥ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ሰላም ሓቢሮም ሰላም ክወርድ ተማሕጺኖምን ኣተሓሒዞም እውን ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ካብ ውግእን ዓመጽንድ ድኽነትን ንዘምልጡ ልባትና ነርህወሎም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ዝሓለፈ ዕለት 11 ሰነ 2021 ዓ.ም. ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሃገሮም ሰላም ክወርድ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ እምነትን ስግደትን ኣምልዀን ስፍራ ዝፍጸም ሕይወት ዜጋታት ንሞት ዝዳርግ መጥቓዕቲ ከብቕዕ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ናቶም ገይሮም፥

ምስ ድምጺ ብጹዓን ጳጳሳት ምያንማር እሓብር፡ እቶም ኣቡናት ዝሓለፈ ሰሙን ዛዕባ እቶም በሸሓኣት ዝቝጸሩ ዝመዛበሉን ብጥምየት ዝሃልቁን ዘለዉ ኣቃልቦ መላእ ዓለም ክረክብ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ አቃልሕ፡

ምሕጽንታ ኣቡናት ምያንማራ፥ ንጥምየት ዝተቓልዑ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ሕይወት ምድሓን

ኣብቲ ብብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ዝምራሕ ኤጲስ ቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ ምያንማር ናይ ሕዝቢ ህይወት ካብ ሓደጋ ምክልኻል ክግበረሉ ጻውዒት ኣቕሪቦምን ኣተሓሒዞም “ብዙሓት ዜጋታት ተመዛቢሎም ፈቐዶ ዱር ሰፊሮም ብጥምየት ይሃልቁ ኣለዉ” ብምባል ነቲ ንሓደጋ ዝዳርጐም ዘሎ ኵነት ኮኒኖም፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣብ ፈቕዶ ዱር ዝርከቡ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተዓናቕፍ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ክርስቲያንን ገዳማትን መጥቓዕቲ ከማምእፈጸመ ክዝከር እንከሎ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ይከበር

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ናይ ምያንማር ኣቡናት ቃል ምሕጽንታ ናቶም ገይሮ፥

ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ መተሓላልፎ ክኽፈትን ኣብ ልዕሊ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራታት፥ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያንን ገዳማትን መሳጊዳትን ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ደው ክብልን ገለልተይና መዕቈቢ ስፍራ ምዃኑ ክኽብርን ምሕጽንታትና ነቕርብ

ቢሎም ምእንቲ ኵሎም ኣሕዋትን ኣሓትን መላእ ዓለም፥

            ልቢ ክርስቶስ ንልቢ ዅሉ ብምትንካፍ ኣብ ምያንማር ሰላም የምጽእ!

እንክብሉ ከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኻ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ “ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ልብና ንኽፈተሎም”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዅነታት እቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተነቓቒሑ ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን እናሓሰቡ፥ ብዛዕባ እቶም ካብ መላእ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝመጹ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጽንኵር ኩነታቶም ዘኪሮም፥

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ልብና ንኽፈተሎም ጓሂኦምን ሓጐሶምን ናትና ገይርና ካብቲ ጽንዓት ዝመልኦ ተጻዋርነቶም ንመሃር!

ቢሎም፥ ናይ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ስደተይናታትን ተመዛበልትን “ብሓባር ለውጢ ኽንገብር ንኽእል” ዝብል መረሕ ቃል ጠቒሶም፡ ስለዚ ነዚ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታታ እዚ ብሓባር ብምግጣም

ዝያዳ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ማለት ሓንቲ ዓባይ ስድራ ቤት ነዕቢ ሓደራ

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ለብዒ እናሃለወ ክነሱ ቍጽሪ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ይውስኽ

ላዕለዋይ ድርገት ስደተይናታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ጀነቭ ዘሕተሞ ጸብጻብ፥ ዝጠቐሰ ግሎባል ትረንድስ - ዓለም ለኻዊ ኣንፈት ኣብ 2020 ዓ.ም. ቍጽሪ እቶም ካብ ውግእን ዓመጻን መስጐጒትን ከምኡ እውን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብረትን ምኽንያት ዝስደዱ ሰባት ናብ 82.4 ሚሊዮን ክብ ከምዝበለን 48 ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ይሕብር። ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ እውን ናይ ላዕለዋይ ድርገት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ፊሊፖ ግራንዲ፥ “ብድሕሪ ዅሉ ቝጽርታት ሰብ እዩ ዘሎ፥ ብሰብኣዊ ረድኤት ጥራሕ ዘይኰነስ ንዅነታትም ፍታሕ ምርካብን ቈላሕታን ደገፍን ይግብኦም ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ማሕበር ዓለም ሓቆፍ ኣንፈታት ጠቒሱ ይሕብር።

21 June 2021, 18:01