ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ካናዳ ዝተረኽበ ናይ ሕጻናት ሬሳ ዝፈጠረሎም ከቢድ ሓዘን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ካናዳ ኣብ ጥቓ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ዝተረኽበ ሬሳ ልዕሊ 200 ደቀባት ዝፈጠረሎም ከቢድ ሓዘን ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈስውያን ነጋዲ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፥ እቲ ኣብ መወዳእታ 1800 ኣብ መባእታ 1900 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዘጋጠመ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጻናት ዝተፈጸመ መቕተልቲ ተጻርዩ ሓቂ ክንገር “ምሕጽንታይ አቕርብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቶም ኣብ ካናዳ ዞባ ብሪጣንያ ኮሎምቢያ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ጥቓ ዝተረኽበ ናይ 215 ቈልዑ ሬሳ ዝፈጠረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ ስለ እቶም ሕጻናት ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ናይ ጽሞና ጸሎት ከምዘዕረጉን፡ እቲ ርኽበት ናይቶም ዝተቐትሉ ቈልዑ ሬሳ ንመላእ ሕዝቢ ካናዳን ንዅሉ ሕዝቢ ዘሰንብድ እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቶም ሕጻናት ንእግዚኣብሔር ኣወኪፎም ምእንቲ እቶም ስቓይ ዘሕለፉ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ካናዳ እትርከብ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀረባኦም ከምዝኾነት አረጋግጽ ቢሎም ምእንቲ ደቀባት ካናዳ ንጸልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥
እቲ ዘሕዝን ርኽበት ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ስቓይን መከራን ንዘሎ ግንዛበ ክብ ዘብልን ናይ ካናዳ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ሰበ ስልጣናትን ነቲ ዘሕዝን ታሪኽ ንምብራህ ከምኡ እውን ብትሕትና ኣብ ናይ ዕርቅን ምሕዋይን መገዲ ንኽርከቡ መታን ኣበርቲዖም ክዓዩ ይግባእ። እዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ኵላትና ካብዚ ሎሚ ዘሎ ዓብላሊ ኣገባብን ካብ መግዛእቲ ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ክንርሕቕን ከምኡውን ብምምይያጥን ብምትሕብባርን ንባህላዊ መሰላትን ስነ ምግባራዊ ስርዓትን ናይ ኵሎም ካናዳውያን ኣፍልጦ ንምሃብ ብሓባር ክንዓዪ ሓያል ጻውዒት የቕርበልና፥
ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሕይወት ዘኽፍል ፍልልያት
እቲ ጃምላዊ መቓብር ኣብቲ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዚመሓደር ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ዝተረኽበ ብመንግስቲ ዝፍጸም ዝነበረ ተግባር ዝበሃል፡ ኣብ 1800 መወዳእታን ኣብ 1900 መባእታ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕን ምኽንያት ጓህን ሓዘንን ከምዝኾነን፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ 1978 ዓ.ም. ከምእተዓጸወን ኣስታት 150 ሺሕ ዝግመቱ ደቀባት ቈልዑ ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ተፈልዮም ናብቲ መሕደሪ ቤት ትምህርቲ ክኣትዉ ተገዲዶምን ቋንቋኦም ከይዛረቡን ባህሎም ከይነብሩን ካብኡ ሓሊፉ እውን ንዝተፈላለየ ዓመጽ ተዳሪጎም ይህሰዩ ከምዝነበሩን ቋንቋኦምን ባህሎምን ክሳብ ሕይወቶም የኽፍሎም እውን ከምዝነበረ ታሪኽ ጠቒሱ የመላኽት።
ስቓይ ኣቡናት ካናዳ
ናይ ካናዳ ብጽዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓ.ም. እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ተግባር ዝፈጠረሎም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም፥ ንደቀባት ሃገሮም ዘለዎም ቅርበት ከምዘረጋገጹ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ካናዳ ናይ መስህብ ባህልን ዕርቅን ጉዳይ ዝሓልይ ድርገት እውን ብወገኑ ቅድም ክብል ብዛዕባ ኣብ ካናዳ ዝነበራ መሕደሪ ኣባይቲ ትምህርትን ኣብ ዝነበራ ተቕዋማት ዘካየዶ መርመራ ልዕሊ 4 ሺሕ ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ ከምዘሕተመን ብውሕዱ እውን ኣብተን መንበሪ ኣቢያተ ትምህርቲ 3,200 ቈልዑ ብሰንኪ ማህሰይንት ሽለልትነትን ከምዝሞቱን ከመላኽት እንከሎ፡ ር.ሊ.ጳ. እውን እቲ ዘሕዝን ታሪኽ ብጥልቂ ክምርመን ሓቂ ክንገርን መንነት እቶም ዝተቐትሉ ክልለይን ሓደራ ከምዝበሉ የመላኽት።