ር.ሊ.ጳ.፥ ብኮቪድ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ንዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ሕይወት ኣድሕን ናውቲ ር.ሊ.ጳ.፥ ብኮቪድ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ንዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ሕይወት ኣድሕን ናውቲ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ብኮቪድ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ንዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ሕይወት ኣድሕን ናውቲ

ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ 38 ናይ መተንፈሲ መሳርዕ መርውሓ ሳምቡእን ዝተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናውትን ናብተን ኣዚየን ድኻታት ዝኾና ሃገራት

ኣብዚ እዋን’ዚ ንልዕሊ 177 ሚሊዮን ግዳያት ዝገበረ ለብዒ ምኽንያት ንዝሳቐዩ ሕዝብታት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓልዮት ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ። በቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ዝበጽሕ ነተን ብለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ጽንክር ቅልውላው ንዝርከባ ሃገራት ናይ ክንክን ጥዕና መሳለጢ ናውትን ናይ መተንፈሲ መሳርዕን ብናይ ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣቢሎም ከምዝለኣኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ላቲን ኣመሪካ ክሳዕ ህንዲ ደቡብ ኣፍሪቃን ሶሪያን ክሳዕ ፓፕዋ ኒው ጊኒ። እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ዝርአይ ዘሎ ለብዒ ካብ ዚጅምር ኣትሒዙ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ዚሳቐዩ ሰባት ዝገብርዎ ጭቡጥ ግብረ ሰናይ ክሳዕ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ይቕጽል ኣሎ። ሎሚ እቲ ብሰንኪ ልውጦ ኮቪድ - 19 ናይ ዝሞቱ ሰባት ቝጽሪ ክብ ይብል ከምዘሎ ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕና ክሕብር እንከሎ፥ ኣብተን ብዙሓት ድኻታት ሃገራት በቲ ለብዒ ምኽንያት ማእለያ ዘይብሉ ሕዝቢ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዑ ኣብ ዝርከብሉ እዋን ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ወፈራ ክትባት ጽረ ኮቪድ ተበራቲዑ ይካየድ ከምዘሎ እዩ ዝርአይ።

በዚ ምኽንያት ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ 38 ናይ መተንፈሲ መሳርዕ መርውሓ ሳምቡእን ዝተፈላለየ ናይ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናውትን ናብተን ኣዚየን ድኻታት ዝኾና ሃገራት ዕለት 17 ሰነ 2021 ዓ.ም. ከምዝለኣኹን እተን ክሳዕ ሕጂ ብጠቕላላ 50 ሚሊዮ ዝኾኑ ግዳያት ዘመዝገባ ኣብ ብራዚልን ህንድን ሽዱሽተ ናይ መተንፈስ መሳርዕ መርውሓ ሳምቡእ ክምእተላእከን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ድሮ ተወሲኑ ከምዝነበረ፡ ናብ ኣርጀንቲናን ኮሎምቢያን ንነፍሲ ወከፈን ሓሙሽተ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ ከምእተላእከን ናብ ቺለን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣርባዕተ ናብ ቦሊቪያን ሶሪያን ንነፍሲ ወከፈን ሰሰለስተ ናብ ፓፕዋ ኒው ጉኒ ድማ ክልተ ናይ መተንፈሲ መሳርዕ መርውሓ ሳምቡእ ከምእተላእከ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ዝለኣኽ ናይ ክንክን ጥዕና መሳርዕ ሓገዝ በቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ኣቢሉ ዝወሃብ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ሓላፊ ብጹዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ኣብ መላእ ዓለም ሓድሽ ብድሆታት ለብዒ

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ብዙሕ ጻዕሪ የካይዱ እኳ እንተሃለዉ እዚ ለብዒ እዚ ትሕቲ ቝጽጽር እዩ ክትብሎ ከምዘይከኣልን፡ ዓለም ነቲ ዝኽሰት ዘሎ ልውጦ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ኣብ ብርቱዕ ጻዕሪ ከምዝርከብን ኣብ ህንዲ ብምኽንያት እቲ ደልታ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ልውጦ ኮቪድ - 19 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ከምእተኣታተወን ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ውሽጢ 11 ሺሕ በዚ ልውጦ ኮቪድ - 19 እዚ ከምእተለኽፉን እዚ ኸኣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ መዓልቲ ዝተመዝግበ እቲ ዝለዓለ ብዝሒ ምዃኑ ይንገር።

ብመሰረት ናይ ኤውሮጳ ማእከል ምክልኻልን ምቝጽጻርን ሕማምን እቲ ለብዒ ካብቲ ዘስዕቦ ዝነበረ ሞት እናተሓተ ይኸይድ ከምዘሎን ወፈራ ናይ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት እውን ተበራቲዑ ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ናብ ድኻታት ሃገራት ክባጻሕ እውን ቤተክርስቲያን ብዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማብራታ ኣቢላ ህርኵት ጻዕሪ ተካይድን ኣብዚ መዳይ እውን መንግስታት ዓለም ኣበርቲዖም ክዓዩ ጻውዒት ተቕርብ።

20 June 2021, 01:54