ር.ሊ.ጳ.፥ እተጐድአ ተፈጥሮ ምጽጋን ገዛእ ርእስና ምሕዋይ ማለት እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ እተጐድአ ተፈጥሮ ምጽጋን ገዛእ ርእስና ምሕዋይ ማለት እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ እተጐድአ ተፈጥሮ ምጽጋን ገዛእ ርእስና ምሕዋይ ማለት እዩ

ንዝመጽእ ወለዶታት እውን ሓላፍነት ዝስምዖም ኣመሓደርቲ ንምዃን “ብህጹጽ” ስጒምቲ ኽንወስድ ኣሎና፡ ከመይሲ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘዘኻኽሮ ኵላትና ክፍሊ እቲ “ውህበት ፍጥረት” ኢና። እዚ ምስ ዘይንጽል ማሓደሮ እተተሓሓዘን ምትእስሳር ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ኣብታ “ይሴባህ”

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ንምትኽኻል ስርዒት ማሓድሮ ዝተበገሰ መደብ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. ብይብጻሕ ናብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ኣካባቢ ናይ ተፈጥሮ ኣየር መርሓ ግብሪ ሓልዮ ዋና ኣመሓዳርን ናብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ማሕበር ዋና ኣመሓዳርን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምእተነበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ተፈጥሮ ዝሃሰየ  ወለዶ ዘይኮኑስ ብምህዞን ብትብዓትን “ሓዳሲ ወለዶ” ከም እንኸውን ንግበር። “ነቲ ዝጐዳእናዮ ተፈጥሮ ነሕውይ” ክበሃል እንከሎ “ቅድም ቀዳድም ገዛእ ርእስና ምሕዋይ ማለት እዩ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብይብጻሕ ናይ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ከባቢ መርሓ ግብሪ ዝሓልይ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኢንገር ኣንደርሶንን ናብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ሓልዮ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ቅን ዶንግይን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊን ብቋንቋ እንግሊዘይና ኣብ ዝተነበ መልእኽቶም ክኸውን እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ተፈጥሮ ዝወረዶ ማህሰይት ብምሕካም ናብቲ ዝነበሮ ንኽምለስ ዝድግፍ ዘበገሶ መደብ ዓስራይ ዓመቱ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውን ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ እተጐድአ ተፈጥሮ ምጽጋን ገዛእ ርእስና ምሕዋይ ማለት እዩ

ሒደት ግዜ እዩ ዘሎና እሞ ኣብ ምዕናው ኣይንቐጽል

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ስርዓት ከባቢ ኣየር ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዝብል መደብ ኣብ ዘበገሰሉ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ተመራመርቲ “ብዙሕ ግዜ” ከምዘይብልና ይሕብሩ፡ ስለዚ ነቲ ንነዊሕ እዋን እተመዝመዘ ስርዒት ማሓድሮ ዝሃሰየ ኣገባባት ንምቕያር ዚግበር ጻዕሪ ብምጒላሕ ንዓሰረ ዓመት ዚኣክል ዝተኣተወ ቃል ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ እዋን ሎሚ እዩ፥ ንገዛእ ርእስናን ንዚመጽእ ወለዶታትን ምዕልቕላቕ ማይን ጥሜትን ከቢድ ሳዕቤንን ከይንሓድግ ማሓድሮን ንሓድሕድናን ነቶም ኣብ መንጐና ዘለዉ ድኹማትን ድኻታትን ንከናኸን”፥ ካብዚ ወጻኢ “ዘይፍትሓውን ዘይምግዳስን” ኣብ መገዲ ጥፋእት ሰብን ተፈጥሮን ምቕጻል ከምዝኸውን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ይሕብሩ።

ንመጻኢ ወለዶታት ሓላፍነት ዝስምዖም ንዅን

ንዝመጽእ ወለዶታት እውን ሓላፍነት ዝስምዖም ኣመሓደርቲ ንምዃን “ብህጹጽ” ስጒምቲ ኽንወስድ ኣሎና፡ ከመይሲ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘዘኻኽሮ ኵላትና ክፍሊ እቲ “ውህበት ፍጥረት” ኢና። እዚ ምስ ዘይንጽል ማሓደሮ እተተሓሓዘን ምትእስሳር ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ኣብታ “ይሴባህ” ዘርእስታ ዓዋዲት ምልኽቶም ቅዱስነቶ ብተደጋጋሚ ዘመላኽትዎ ሓሳብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብዙሕ መጠንቀቅታት

ከባቢኻ ክትርኢ ከለኻ ናብ ቅልውላውን ጥፋኣትን ተፈጥሮ ከምኡውን ናብ “ብሚሊዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሞት ዜስዕብ ዓለምለኻዊ ለብዒ” ዚመርሕ ቅልውላው ትርኢ። እንተዀነ ግን ገሊኡ መዳያት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ቝጠባዊ ስርዓታት ከምኡውን ሓያሎ ዕንወት ማሓድሮ ከባቢ ኣየርን ዘምጽኦ ዘይፍትሓዊ ሳዕቤናት “ኣብ ሕብረተሰብ ደቅሰብ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ ጃምላዊ ምጽናት እተፈላለዩ ዓይነት ዘርኢ ከቢድ ጽልዋ ኣለዎ።” ስለዚ ህጹጽ ስጒምቲ ንኽንወስድ ዝድርኸና “ብዙሕ መጠንቀቕታታት” ከምዘሎ ነስተውዕል። ገለ ኻብዚ ኸኣ “ኮቪድ - 19 ከምኡውን ምውሳኽ ሙቐት ዓለም” ኪጥቀስ ይኽእል። ስለዚ እቲ ኣብ ዚቕጽል ወርሒ ሕዳር ኣብ ግላስኮ ብዛዕባ ለውጢ ዅነታት ኣየር ኣማእኪሉ ዚመክር ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ቅኑዕ መልሲ ኺህብ ተስፋ ንገርብ። ካልእ እቲ ኣገዳሲ ግንባር ከኣ ቍጠባዊ ስርዓት እዩ። ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ብምጒላሕ “ምብልሻው ስርዓት ናይ ከባቢ ኣየር ንጹር ውጽኢት ናይቲ ቝጠባዊ ጸገም እዩ” ኢሎም - ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ምዕባለ ኽንምርምሮ ቅዱስነቶም የተሓሳስቡ።

ካብ እተሓደሰ ህርኵት ጻዕሪ ዚርከብ ተስፋ

“ዜተሓሳስብ እኳ እንተ ዀነ ተስፋ ግን ኣሎ”። እደ ጥበብ ናብ ጥዑይ ምምሕያሽ ዝመርሕ ኪኸውን ይኽእል። ብተወሳኺውን መንግስታት ሰበ-ስልጣናት ከምኡ እውን በርገሳዊ ሕብረተሰብ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ማሓድሮ ንምድንፋዕ ሓደስቲ መብጽዓታትን ሕርኵት ጻዕርታትን የረአይ ኣሎ። እቲ “ነዊሕን ብዝሓ ምዕዳወ ዝሓትት” ከምኡ እውን “ንድኻታትን ተፈጥሮን ንማሕበረሰብን ፍትሕን ውሳጣዊ ሰላምን ዝብል ቈራጽ ውሳኔን ተግባርን” ከምዘድሊ ዘጒልሕ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዅሉ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ንጐረባብትናን ንፍጥረትናን ከምኡውን ንፈጣሪ ሓላፍነት ክስከም ዝጽውዕ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣምር ተነቢሩ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

05 June 2021, 14:57