ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ማርክስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶን ንኽለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ነጺጐምዎ ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ማርክስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶን ንኽለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ነጺጐምዎ 

ር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ማርክስ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶን ንኽለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ነጺጐምዎ

ር.ሊ.ጳ. እቲ ንብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ብቋንቋ ጀርመንን ስፓኒሽን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ከምዝገበሮ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም፥ ንብጹዕ ካርዲናል ማርክስ “ንመስቀል ዘይፈርሕ ተባዕ ክርስቲያን” እንክብሉ ኣመስጊኖም

ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስ ኣብቲ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ከም ናይ ሰበኻ ሚዪኒክን ፍሪሲንጋን ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም መጠን ኣብ ጀርመን ዘጋጠመ ዓመጽን ህሳያን ሕጻናት ግምት ብምሃብ “ብሕታዊ ውድቀትን” ከምኡውን “ምሕደራዊ ጌጋታትን እተወደበ ስሩዕ ፍሽለትን” እንክብሉ ተንቲኖም በዚ ብኻልኦት ዝተፈጸመ ገበን ምኽንያት ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቍ ዘቕረብዎ ሕቶ ቅድስነቶም፥ “ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ሓጢኣት ብዘለኩም ክርስቲያናዊ ትብዓት ከይዋረድ ዝብል ፍርሒ ዘይብልኵም” እንክብሉ ገሊጾም፡ ብትሕትና ነቲ ቅልውላው ብውልቅን ብማሕበረሰብን ምቕባልን ናብ ፍርያም መገዲ ዝመርሕ እዩ” እንክብሉ ኣብ ናይ ሰበኻ ሙዪኒክን ፍሪሲንጋል ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንኽቕጽሉ ውሳነ ብምሃብ ነቲ ዘቕረብዎ ናይ ስንብታ ሕቶ ከምዝነጸጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ተልእኾዅም ብምርግጋጽን ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንኽትሰናበቱ ዘቕረብክምዎ ሕቶ ናይ ሮማ ጳጳስ (ዘፍቕረካ ሓውኻ) ብዘይምቕባል ብፍላይ ጐይታ ንጴጥሮስ ኣባጊዔይ ሓልው እንክብል ሓላፍነት ክህቦን ጴጥሮስ እውን ሓጢኣተይና እየ እንክብል ነቲ ሓላፍነት ንኸይቅበል ዘቕረቦ ምኽንያት፡ ኢየሱስ ከምዘይተቐበሎ ምዝካር የድሊ” እንክብሉ ናይ ሰበኻ ሙዪኒክን ፍርሲንጋን ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ካብ ሓላፍነቶም ንኽሰናበቱ ዕለት 21 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ሕቶን ደሓር እውን ኣብ ናይ ሰበኻኦም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ነዚ ሕቶ እዚ ንኸቕርቡ ዝደረኾም ምኽንያት፥ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣብ ጀርመን ብኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽን ነዚ ዓቢይ ገበን እዚ ኤጲስ ቆጶሳት ጀርመን ብቑዕ ምላሽ ኣይሃቡሉን ዝብልን ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ እውን ብቐጥታ ተሓታቲ እውን እንተዘይኮኑ ውልቃውን ማሕበረሰብኣውን ፍሽለት እንክብሉ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃብሉ ሕቶ፡ ቅዱስነቶም ነጺጐም፥ ስለ ዝተሰምዖም ሓላፍነት እውን ንኢዶም፡ ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነትኵም ክትቕጽሉ ድላየይ እንክብሉ መልሲ ከምዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. እቲ ንብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ብቋንቋ ጀርመንን ስፓኒሽን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ከምዝገበሮ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም፥ ንብጹዕ ካርዲናል ማርክስ “ንመስቀል ዘይፈርሕ ተባዕ ክርስቲያን” እንክብሉ ኣመስጊኖም፥ “እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢ ሓጢኣት ከይዋርድ ዝብል ፍርሂ ዘይብልኩም፡ ብምኽንያት እቲ ዝተፈጸመ ገበን መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስቓይ እያ ዘላ” ቢሎም፥ “ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነታ ከይተቐበለት ንቕድሚት ክትስጉም ኣይትኽእልን እያ ከመይሲ “ከም ሰገን ርእስኻ ትሕቲ መሬት ናይ ምቕባር ፖለቲካ ናብ ዝምርሖ ቦታ የብሉን፥ ነቲ ቅልውላው ድማ ብናይ ፋሲካ እምነት ክንቅበሎ ይግባእ፡ ሕሉፍ ስነ ማሕበረሰብኣውነትን ስነ ቀልባውነትን ጥቕሚ የብሉን” ስለዚ፡ “ብውልቅን ብማሕበረሰብኣውን ሓላፍነትካ ምቕባል ጥራሕ እዩ እንኰ ናብ ፍርያም ዝመርሕ መገዲ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቲ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ኣብ ዘመሓላለፉሎም ሰታሪት ዘስፈርዎ ሓሳብ “ምሉእ ብምሉእ ዝሰማምዑሉ እዩ፡ ነቲ ጾታዊ ማህሰይቲ ዘሕዝን ታሪኽን ከምኡውን ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ቀረባ ግዜ ከም ዕንወት ገይራ ትምልከቶን ከምዝነበረትን፡ ከም ናይ ውልቅን ማሕበረሰብን ዘሎካ ሓላፍነት ተቐቢልካ ናይ ተሓታትነት መንፈስ ክስምዓካ ወሳኒ እዩ፡ ከምቲ እምነትና ጸጋ ምዃኑ ብእንነብሮ መንፈስ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓይነት ገበን’ዚ ዘይግደሱ ኮይንና ክንተርፍ ዝክኣል እይኮነን፥ ምቕባሉ ኣብ ቅልውላው ምእታው ማለት እዩ፥ ክንትንስእ እንደልይ እንተድኣ ኰይንና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ “ታሪኻዊ ኩነታት በቲ እተፈጸመሉ እዋን ክትርጐም ኣለዎ ማለት ካብ ሓላፍነት ኮነ ዛንታ ናይቲ ከቢቡና ዘሎ ሓጢኣት ከም ዝኾነ ንኽንሓስብ ናጻ ኣይገብረናን፡ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ኣቡን ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ክስምዖን ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ዕንወት እዚ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ቢሉ ክሓትት ዝግብኦ ይመስለኒ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ቅድሚ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዝተፈጸሙ ጌጋታትን ገበናትን ቤተ ክርስቲያን ደጋጊማ “ብሓጢኣተይ ብሓጢኣተይ ቢላ ምሕረት ከምዝሓተተት” ዘኪሮም፡ እዚ ጉዳይ እዚ ሕዳሴ ከምዘድልን ብቓላት ዘይኮነ ነቲ ቅልውላው ንምስጋር ትብዓት ዘለዎ ኣረኣእያታት ዘጠቓልል ተሓድሶ ክንገብር ኢና እንሕተት፡ ኵሉ ሕዳሴ ኸኣ ካብ ገዛእ ርእሱ እዩ ዚጅምር፡ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እተገብረ ተሓድሶ በቶም ኣብ ቅልውላው ከይኣትዉ ዘይፈርሁ እሞ ብጐይታ ክሕደሱ ዘይፈርሁ ሰብኡትን ኣንስትን እዩ ተፈጺሙ። እዚ እቲ እንኰ መገዲ እዩ፡ እንተዘይኮነ ግን ስጋኦም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ‘ናይ ተሓድሶ ስነ ሓሳብ’ ካብ ምዃን ሓሊፍና ካልእ ኣይንኸውንን ኢና፣ . . . ከምቲ ኢየሱስ ዚገበሮ ብሕይወቱን ብታሪኹን ብስጋኡን ክሳብ ኣብ መስቀል ናይ ኩሉ ሓጢኣት ናቱ ዝገበረን በጃ ዝኾነን . . . ንስዅም ፍቝር ሓወይ ካብ ሓላፍነትኩም ክእለይ ቢልኩም ዘቕረብክምዎ ሕቶ ነዚ ኣብነት ዝገበረ እዩ፡ ከመይሲ ሕሉፍ ገበናት ምቕባር ናብ ከንቱ እዩ ዝመርሓና፡ ስቕ ምባል ዘይምግላጽ ንኽብሪ ተቕዋማት  እምብዛ ኣኽቢርካ ዝርአ እንተ ዀይኑ ናብ ብሕታውን ታሪኻውን ውድቀት ጥራይ እዩ ዝመርሕ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

“መንፈስ ናብ ምድረ በዳ ናብ መስቀልን ትንሳኤን ክመርሓና ምፍቃድ ሕጹጽ እዩ፡ ክንስዕቦ ዝግብኣና መገዲ መንፈስ እዩ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ነጥቢ ኸኣ ትሕትና ዝመልኦ ኑዛዜ እዩ - ጌጋታት ገርና ሓጢእና ኢና። ናይ ተቕዋማትና ድምጽን ሓይልን ኣየድሕነናን እዩ። ንሓጢኣት እትሓብእ ቤተ ክርስቲያንና ክብሪ ኣየድሕነናን እዩ። ሃብቲ ገንዘብ ኮነ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእይቶታት (ብዙሕ እዋን ዓቢይ ግምት እንህበሉ) ኣየድሕነናን እዩ። . . . ሓጢእና ብምባል ዕርቃንና ምንዛዝ እዩ ዘድሕነና። እቲ ቀዳማይ ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ኣቡናትን ዝሓደገልና ውርሻ ‘ሓጥእ እየ እሞ ካባይ ረሓቕ’ ዝብል መንፈስ እዩ። ነዚ ንስዓብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመልክት።

. . . ከምዚ ብምግባር እውን እዩ እቲ ወትሩ ዝቐርበና ጐይታ ንኽድንግጸልናን መገዲ ርህራሀን ምሕረትን የርህወልናን፡ . . . ነዚ ዅሉ መሰረት ገይረ - ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነትኩም ክትቕጽሉ ኣዩ ድላየይ፡ ናይ ሚዪኒክን ፍሪሲንጋን ሰበኻ ጳጳስ ናይ ምዃን ኣገልግሎትኩም ቀጽሉ” እንክብሉ . . . ከምቲ ኢየሱስ ናዝራዊ ንርእሰ ሓዋርያት “ኣባግዔይ ሓልው” እንክብል ኣብ ዝሃቦ ሓላፍነት ንዝሃቦ መልሲ ልቢ ክትብሉ እዕድመኩም” ቢሎም መልእኽቶም ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

11 June 2021, 23:04