ኣብ 20214 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኮርያ ምስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ ኣብ 20214 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ኮርያ ምስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ 

ኮርያዊ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ-ሲክ ሓድሽ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ

እዞም ኮርያዊ ጳጳስ ሓድሽ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ክስየሙ ድሕሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ፊሊፒናዊ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ካልኣይ እስያዊ ከምዝኾኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካህናት ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጽዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላ ሕገ ቀኖና ከምዝእዝዞ፡ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ናብ ልሒቅነት ንኽሰጋገሩ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም ናይዚ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ ንኮርያዊ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ ከምዝሰመይዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካህናት ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ካርዲናል በንያሚኖ ስቴላ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ክለቁ ንዘቕረብዎ ሕቶ ተቐቢሎም ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ 69 ዓመት ዝዕድመኦም ኮርያዊ ናይ ሰበኻ ዳኡአዤኦን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ ከምዝሰመይዎምን ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዓ.ም. ኣብ ኮርያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ብብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብጹዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ - ሲክ ኣብ 1951 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ሰበኻ ዳኡአዠኦን ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 2003 ዓ.ም. ናይታ ሰበኻ ተራዳኢ ጳጳስ ኮይኖም ዝተሰምዩን ኣብ 2005 ዓ.ም. ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ኮይኖም ተሰምዮም ኣብ ምግልጋል ዘለዉን ናይ ኮርያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሰላም ሽማግለ ኣቦ መንበር ኮይኖምን ኣብ መንጐ እተን ክልተ ኮርያ ሰላም ክወርድ ኣበርቲዖም ዝዓዩን ኣርባዕተ ሳዕ ኣብ ሰሜናዊት ኮርያ ምብጻሕ ከምዘካየዱ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዞም ኮርያዊ ጳጳስ ሓድሽ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ክስየሙ ድሕሪ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ፊሊፒናዊ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ካልኣይ እስያዊ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ሞንዶቪ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኤጂዲዮ ሚራጎሊ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካህናት ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሓድሽ ህየንተ ኣብ ዝሰመይሉ ዋዜማ ኣብቲ ናይ ካህናት ጒዳይ ዝሓል ቅዱስ ማሕበር ምብጻሕ ከካይዱ ከምእተላእኹ ሓቢሩ፡ ቅድም ክብል እውን ናይ ቅዱሳት ምስጢራትን ስርዓተ ኣምልኾን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ናብ ልሂቅነት ተሰጋጊሮም ኣብ ቦታኦም ሓድሽ ህይነተ ኣብ ዝተሰመዩሉ ዋዜማ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማኒኣጎ ኣብቲ ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ምብጽሕ ከምዘካየዱ ኣዘኻኺሩ፡ ስለዚህ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኩርያ ሮማና ኣካየድቲ ስራሕ ኣብ ዚትክእሉ እዋን ኣብ ዋዜማ ስሜት ሓድሽ ናይ ቅዱሳት ማሕበራት ህየንተ ድዩ ናይ ጳጳሳውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣበ መናብርት ኣካየድቲ ስራሕ ስሜት ከም ልምዲ ኮይኑ ዝቕጽል ር.ሊ.ጳ. ዘተኣታተውዎ ሓድሽ ኣገባብ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ናይ ካህናት ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህይነተ ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስቴል ዕለት 18 ነሓሰ 80 ዓመት ክመልኦም ብምዃኑ እውን ዝትክእዎም ሓድሽ ህየንተ ክስየሙ ምዃኖም ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ጒዳይ እዩ። ብጹዕ ካርዲናል ስተላ ናይ ካህናት ጒዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ንኽኾኑ ኣብ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሰምዩ ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ካርዲናል ስተላ ናብ ልሂቕነት ንኽሰጋገሩ ዘቕረብዎ ሕቶ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተቐቢሎም ሓድሽ ህየንተ ክሳብ ዝሰምዩ ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ከምዝገበሩ ኣፍሊጡ።

12 June 2021, 17:45