ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ሲኖዶስን ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ሲኖዶስን  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣድናቖትን ኣኽብሮትን ሲኖዶስን

ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት “ጰራቅሊጦስ ሓባራዊ ጸብለልትነት የረጋግጽ” ከምዝበልዎ እዩ። ብሓፈሻኡ ክረአ እንከሎ ኣብ ማሕበረሰብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓባራውነት ምውሳእን ሕዳሴ ኣብ ምምጻእን እዩ ዘሎ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 6 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፡ ቅዱስ ቍርባ ናይ እውነተይና ኤቅለሲያዊ ጉዕዞ ምንጪ ምዃኑ ብዕምቆት ዘብርህ ስብከት ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዕለት 8 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ

“ዚድነቕን ዚኽበርን እንተ ዘየልዩ ናብ ጐይታ ዝመረሓነ መገዲ የሎን። ሲኖዶስ ኮነ ዋላ ሓንቲ እውን ኣይኪህሉን እዩ . . .” በዚ ሓሳብ’ዚ ኣቢሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ንኽካየድ ምስንዳዋት ዝገበረሉ ዘሎ ዝጸውዕዎ ሲኖዶስ ክስዕቦ ዝግብኦ መገዲ የመላኽቱን ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ እውነተይና ኤቅለሲያዊ ጉዕዞ ምንጪ እንታይን መንን ከምዝኾነን ምዃኑን የነጽሩ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፡ “ካብታ ንእሽቶ ኽፍሊ ገዛእ ርእስና ዝኾነ ኣነነት ወጺእና ናብቲ ዝደንቕን ዝኽበርን ዓቢይ ቦታ ክንኣትው ኣሎና፡ እዚ እቲ ብዙሕ ግዜ ዝጐድለና ኪደት እዩ። እዚ ኸኣ ንኽንራኸብን ንኽንእከብን ብዛዕባ ጉስነት -  ግብረ ኖልዎ ንኽንሓስብ ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓሳት ክጐድለና ይረአይ።”  

ቅዱስነቶ ኣብታ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየት መጽሔት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ዝሓለፈ ሕትመት፥ ብዛዕባ እውነተይና መርትዖን እቲ ኣብቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ንሰብ ቓል ኪዳን-ንሰብ ሓዳር ማዕርገ ክህነት ምሃብ ዝብል ሓሳብ ከምዝቐረበን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ`ዚ እውን ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን . . . ዓሚይቕን ባህ ዘብልን . . . ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ምይይጥ ዝተኻየደ እውን እንተነበረ ሓባራዊ ስምምዕ ወይ ተዛማዲ ዓበይቲ ኣኼባታት ክህሉ ዝብል ልልያ ኣይተገብረን። ብዛዕባ እቲ ንምርዑዋት ማዕርገ ክህነት ክፍቀድ ዝብል ሕቶ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ምይይጥ ሃብታምን ውጽኢታውን ኣድላይን ባይቶ ኰይኑ እዩ ዝተረኽበ፥ ግናኸ እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሲኖዶስ ካብ ሓደ ሕዝባዊ ባይቶ ንላዕሊ ምዃኑ ከነስተውዕል እዩ ዝግብኣና።” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ንንባብ ኣብ ዝበቕዔ ሓተተ ዝተመልከተ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ምግራም (ብጸጋ ዘይኮነስ ብግዲ ዝፍጸም) ከምኡውን ብዘይ ኣምልኾ (እዚ እውን ኣቕሊልካ ዘይርአ ሳዕቤን ዘለዎ እዩ) ዓለማዊት ኰይና ኣብ መወዳእታ ፖለቲካዊ ህልዩን ስነ ምግባራዊ መደብ ኮይና ክትተርፍ ትግደድ። ስለዚህ ቀንደይና ተዋሳእቲ ምእንቲ ኽንከውን ብዘይ ብእኡ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ኣይንክእልን ኢና፡ የግዳስ ስነ ሜላታትን ስልትታትን መራኸቢ ዕዳጋ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት በቢ ናቶም ዝዋስእሉ ኣልቦ ሱታፌ ምዃኖም ዘመላኽት ዝክረ ነገራት ዝፍመጽሉ ስፍራ ኮይና ትተርፍ። ንመንፈስ ቅዱስ ዘይኮነስ ንስሉጥነት ውጥናትና መዋቕራትናን ከምኡውን ነቲ ንምሕዳስ ዘዳለያናዮ መደባትን ጽን እንብል ንኸውን፡ እዚ ኸኣ ንኹሉ ምንቅስቓስ ሕይወት ኤቅለሲያ ዘንቅጽን ባዶ ዘትርፍን ብምዃኑ፡ ከቢድ ኣቝሳልን ሓጢኣትን ናብ ዝፈጥር ኪደት ንምባል ይድርኽ። እዚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ርሑቕ እዋን ኣትሒዞም ከቕርብዎ ዝጸንሑ መጠንቀቕታን መተሓሳስብን እዩ። ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት “ጰራቅሊጦስ ሓባራዊ ጸብለልትነት የረጋግጽ” ከምዝበልዎ እዩ። ብሓፈሻኡ ክረአ እንከሎ ኣብ ማሕበረሰብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓባራውነት ምውሳእን ሕዳሴ ኣብ ምምጻእን እዩ ዘሎ። ሎሚ ንመንፈስ ቅዱስ ኣንተድኣ ጽን እንብል ኮይንና፡ ኣብ ዓቃባውያ ዕቤት ዝገብሩን ኣብ ባህላዊ ኣተሓሳስባ ዘተሰረቱን ከምኡውን ኣብ የማንን ጸጋምን ዘተኰሩ ኣይንኸውንን ኢና - ናይ የማንን ጸጋም ዓቃባውያንን ባህላዊ ኣተሓሳስባ መለክዒታት እንተድኣ ዀይኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረሲዑ ማለት እዩ። ጰራቅሊጦስ ናብ ሓድነትን ስኒትን ናብ ስኒት ኣብ ብዙሕነትን እዩ ዝድርኸና። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኽፋል ናይቲ ሓደ ኣካላትና ከምዝኾኑ ኢና እነስተውዕል፥ ሓባራውነት ንድለይ! ጸላኢ ኸኣ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያትና ናብ ተጻብኦ ዝድርኽ ምኽንያት ክኸውን እዩ ዝገብሮ፡ ስለዚህ እዩ ድማ ብዙሕነት ንፖለቲካዊ ህልዩ ባይታ ክኸውን ዝርአይ።

ናይ ሮማ ኣቡን ዝሓለፈ ሰንበት  ዕለት 6 ሰነ ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ከም ዝገለጽዎ ምድናቕን ምኽባርን እንተ ጐደለን ንመንፈስ ጽን ምባል እንተድኣ ቦኺሩ ነቲ ሓባራዊ ጸብለልትነት ጽን እንተድኣ ዘይተባህለ ሲኖዶስ ኣይክህሉን እዩ። ጽቡቕ ባይቶ ጥራሕ እዩ ክህልው ዝኽእል እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓቀጽ ዛዚሞም።

(Andrea Tornielli)

09 June 2021, 15:42