ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስን ቍጠባዊ ምቍጽጻርን ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስን ቍጠባዊ ምቍጽጻርን 

ዋዕላ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት፥ ዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስን ቍጠባዊ ምቍጽጻርን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ኣኼባ ብብሔራውን ሰበኻውን ደረጃ ኣገዳስነት ሲኖዶሳዊ መስርሕ ከምዘተሓሳሰቡን እዚ መስርሕ እዚ ዘማእከለ ሲኖዶስ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ከምዘበገሰ

ዕለት 24 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሃገር ቫቲካን ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ላዕለይ ብጹዓን ካርዲናላት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ብመረብታዊ ውሕዘት ከምእተኻየደን፥ ብጹዕ ካርዲናል ግራሲያስ ቅዱስነቶም ንምያንማር ዝምስክርዎ ቅርበትን ጸሎትን ዘኪሮም ከምዘመስገኑን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዓለም ሓቆፍ ተቖጻጻሪ ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ግብሪ ዝውል መስርሕ ኣማእኪሉ ናይ ምቍጽጻር መስርሕን ትግባሬኡን ዘዕግብ እንክብል ዝሃቦ ርእይቶን ብዛዕባ ቍጠባዊ ምቍጽጻርን ሲኖዶሳዊ መስርሕን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ኣማእኪሉ ከምእተመያየጠ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኮይኖም መሪሖም ዝተሳተፍሉ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት ላዕለዎት መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓውደ ኣኼባ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ኣብ ዞባ ቪተርቦ ከተማ ሞንተፊያስኮነ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዛዕባ ምሉእ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ዓውደ ኣኼባን ምርኢትን ይሳተፉ ብምህላዎም ክርከቡ ከምዘይከኣሉን፡ ካልኦት ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ካርዲናላት ኣባላት ከካብ ሃገሮም፥ ብጹዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ብጹዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦምለይን ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉን ካብ ሃገረ ቫቲካን ከኣ ብጹዕ ካርዲናል ጁሰፐ በርተሎን ናይቲ ናይ ብጹዓን ካርዲላት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ሲኖዶሳዊ መስርሕን ጸብጻብ ሃብቲ ገንዘብ ተቖጻጻሪ ሽማግለ ክኢላታት ቀዋሚ ኣካል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ኣኼባ ብብሔራውን ሰበኻውን ደረጃ ኣገዳስነት ሲኖዶሳዊ መስርሕ ከምዘተሓሳሰቡን እዚ መስርሕ እዚ ዘማእከለ ሲኖዶስ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝሓለፈ ሰሙን ብወግዒ ከምዘበገሰ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣተሓሒዙ፥ ሕጽቦ ዘይሕጋዊ ሃብቲ ገንዘብን ንግብረ ሽበራ መመወሊ ዝውዕል ገንዘብ ዝቆጻጸር ሽማግለ ኽኢላታት ቀዋሚ ኣካል ቤት ምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ መዳይ ዝወስደኦ ስጉምቲ ዝከታተልን መንግስታት ኣብዚ መዳይ ዜድሊ ምምሕያሻት ንኽገብሩ ገምጋም ብምክያድ ርእይቶ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘለዎን ንመንግስታት ሕጽቦ ረሳሕ ሃብቲ ገንዘብን ንግብረ ሽበራ ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብን ኣብ ምቅጽጻር ዝሓሸን ስሉጥን መገዲ ዝሕብር Moneyval ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣካል፥ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ዝኽተልኦ ኣሰራርሐ ዘዕግብ ምዃኑ ዝገለጾ ሓሳብ ኣማእኪሉ ዝተመያየጠ ዓውደ ኣኼባ ምዃኑ ገሊጹ፥ ኣብ መወዳእታ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ዓ.ም. ቀጻሊ ኣኼባ ንምክያድ ብዝተወሰደ ቆጸራ እቲ ዓውደ ኣኼባ ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።

26 June 2021, 16:05