ካርዲናል ማርክስ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ወግዓዊ ከምዝገበሩ ካርዲናል ማርክስ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ወግዓዊ ከምዝገበሩ 

ካርዲናል ማርክስ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ወግዓዊ ከምዝገበሩ

ብተወሳኺ “ኣብዚ መዳይ ምስ ዝሓለፈ ታሪኽን ተመክሮም ምጽብጻብ የድሊ፥ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ንግዳያት ዕሽሽ ምባልን ዘይምግዳስን እቲ ዝዓበየ ገበን ተፈጺሙ እዩ” ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ ዓይነት ኪደት ተኣልዩን ገበናት ምቕባር ፈጺሙ እውን ከምዘየለ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ

ጀርመናዊ ካርዲናል ናይ ሰበኻ ሚዪኒክን ፍርሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብሰንኪ እቲ ኣብ ጀርመን እተፈጸመ ህስያ ሕጻናት ነቲ ናይቲ ሰበኻዊ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብገዛእ ፍቓዶም ክሓድጉ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርት ማርክስ ኣብቲ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ካብ ናይ ሰበኻ ሚዪኒክን ፍሪሲንጋን ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም መጠን ኣብ ጀርመን ዘጋጠመ ዓመጽን ህሳያ “ብሕታዊ ውድቀትን” ከምኡውን “ምሕደራዊ ጌጋታትን እተወደበ ስሩዕ ፍሽለት” እንክብሉ ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክለቍ ከምዝሓተቱ ኣብቲ ናይ ሰበኻኦም ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታን ክሕተም ገይሮም ብወግዒ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ናይቲ ሰበኻ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ ከመላክት እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ክሳብ ውሳኔ ክሳብ ዝህብሉ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብ ሓዋርያዊ ሓልፍነቶም ክጸንሑ ከምዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ባይታ መቐይሮ - ትንሳኤ ኪኸውን ዚኽእል ዕንቅፋት

ኣብቲ እቶም ክሳዕ 2020 ዓ.ም. ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እተሕልፎ ዘላ ቅልውላው ዘኪሮም እዚ ቅልውላው`ዚ እውን ምኽንይት “ብሕታዊ ውድቀት” ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ቢሎም “እዚ ኸኣ ብመሰረት ተስፋ ትንሳኤ ነጥበ መቐይሮ ክኸውን ከምዝኽእል እምነተይ” እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ዓመጽ ዘሎ ሓላፍነት

ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቑ ከምዝወሰኑ ኣብቲ መልእኽቶም እውን ሓቢሮም፡ “ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ብዛዕባ እቲ ናይ ስንብታ ደብዳቤ ብተደጋጋሚ ብዕምቆት ሓሲበሉን ጸልየሉን እውን እየ” እንክብሉ ኣብቲ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ “ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት በቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ማህሰይቲ ብመሰረቱ ብኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ብምዃኑ ብቐጥታ እውን ኣይኹን እቶም ነቶም ነቲ ገበን ዘይፈጸሙ እውን ዘሕትትን ዘተሓሳስብን ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ፥ ኣብ ሰበኻ ኮሎን ደሓር እውን ኣብ ሰበኻ ሞናኮን ፍሪሲንጋን ዘተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብሓፈሻኡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ዘጻርይ ድርገት ብናጽነት ዘካይዶ መርመራ ከምዘሎን ኣብ ሰበኻኦም ነቶም ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ስኾኑ ሰባት “ፈውስን ዕርቅን” ማሕበር ሕዝባዊ መጋበርያ ከምዘቖሙ ኣብ መልእኽቶም የዘኻኽሩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብሕታውን ምሕደራውን ጌጋታት

ኣብቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተሓቲሙ ዝተዘርገሔ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዝተገብረ “መርመራን” ከምኡውን “ጸብጻብን” ጠቒሶም፡ “ብሕታውን ምሕደራውን ጌጋታት ከምዘሎ ዘመላኽት ጥራሕ ዘይኮነ፡ መዋቕራዊ ፍሽለት እውን ዝሕብር ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ገለ ገለ ኣባላት ቤተ ነዚ ዓይነት ተሓታትነት ክቕበልዎ ዝደልዩ ኣይኮኑን፡ እዚ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ዝተራእየ ሃዋሁ እዩ፡ እዚ ነቲ ምስ ጾታዊ ማህሰይቲ ብእተተሓሓዘ ዝግበር ናይ ተሓድሶ ጉዕዞ ዝጻረር እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ተሓድሶ ቤተ ክርስቲያን

ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ኣብ መልእኽቶም፥ “ክንርስዖ ዘይግብኣና ክልተ ረቛሒታት ኣለዉ - እዚ ኸኣ ብሰንኪ ሰባት ዝፍጸም ጌጋታት ከምኡውን ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶ ንምግባር ብድሆ ዘምጽእ መዋቕራዊ ውድቀት እዩ” ር.ሊ.ጳ. ከምዝብልዎ፥ ካብቲ ቕልውላው ንኽትወጽእ ዘኽእለካ “መቐይሮ ነጥቢ ሲኖዶሳዊ ኣገባብ ጥራይ እዩ” እዚ ኸኣ ብሓቂ “ምስትውዓል መናፍስቲ ዘፍቕድ መገዲ ክኸውን ይኽእል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንኣቡናት ዝወሃብ ኣኽብሮት ዘህስስ

ብጹዕነቶም ንድሕሪ ምልስ ቢሎም ክርእዩ እንከለዉ፡ “ከም ካህን ኣብ ዝሓለፉ 42 ዓመታት ዕስራ ካብዚ ድማ ናይ ሰበኻ ኣቡን ኮይኖም 25 ዓመታት ዘሕለፍሉን፥ ነቲ ናይ 25 ዓመት ናይ ጵጵስና ተመክሮኦም ኣብ ግምት ብምእታውን “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለማውያን ኣረኣእያ ንኣቡናት ዝነበረ ኣኽብሮት ክስዕ ክንደይ ከምዝነከየ ብርግጽ ከኣ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ በጺሑ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ” እንክብሉ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፥ “እተፈላለዩ ሰነዳት ተመርኲሶካ ነቲ ብጌጋታቱን ብብደላትን ተሓታቲ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ምልላይ ምስ ዝከኣል ጥራይ ሓላፍነት ምውሳድን ምላሽ ምሃብ ኣዅል ኣይኮነን፡ ኣብ ክንዱኡ ከም ኣቡናት መጠን ከም ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻኡ ሓላፍነት ከም እንስከም ከነነጽር ኣሎና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ነቶም ግዳያት ዕሽሽ ምባልን ዘይምግዳስን እቲ ዝዓበየ ናይ ዝሓለፈ ጌጋታት እዩ

ብተወሳኺ “ኣብዚ መዳይ ምስ ዝሓለፈ ታሪኽን ተመክሮም ምጽብጻብ የድሊ፥ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ንግዳያት ዕሽሽ ምባልን ዘይምግዳስን እቲ ዝዓበየ ገበን ተፈጺሙ እዩ” ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ ዓይነት ኪደት ተኣልዩን ገበናት ምቕባር ፈጺሙ እውን ከምዘየለ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ፡ ካብ 2002 ዓ.ም. ብፍላይ ከኣ ካብ 2010 ዓ.ም. እቶም ብጾታዊ ማህሰይቲ ተሓተትቲ ዝኾኑ መንነቶም ተጻርዩ ምቕራብ ከምዝጀመረን ኣብ ገለ ገለ እዋን ከኣ እቲ ንግዳያት ዕሽሽ ምባልን ዘይምግዳስን ከዋዊልካ ምሕላፍን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ዓቢይ ጌጋና ተመልስና ከይንፍጽም ምጥንቅቓ የድሊ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናብ ለውጢ ናይ ምባል ምልክታ

“ፍሽለት ኣጋጡናን ፈሺልና እውን ኢና” እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ብትረት ይዛረቡ፥ ስለዚ “ሓላፍነት ክውሰድ ፍቃደይና ምዃን የድሊ” እዚ ኸኣ “ኣብ ጀርመን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን፡ ናብ ለውጢ ዝመርሕ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ” ቢሎም፥ በዚ ምኽንያት እውን “ኣቡን ምዃን ቀዳማይ ዕዩ ቅድሚት ኣብ ዘሎ ስፍራ ቦታ ምሓዝ ዘይኮነስ ንተልእኾ ወንጌል ምግልጋል እዩ፥ ስለዚህ ከም ካህንን ጳጳስን ንናይ ዝተሓደሰት ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ እኳደኣ ብዝያዳ እውን ንኽዓዪን ስንድውነቶም ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፡ ኣብቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ብቐጥታ ተሓተቲ ዝኾኑ እውን እንተለዉ ከም “ንሕና-ሓባር” ፍሽለት ኣጋጢሙ እዩ፡ በዚ መሰረት ካብ ናይ ሰበኻ ሚዩንክን ፍሪሲንጋን ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ንኽለቑ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ይሓትቱ።

መዝነት ራይንሃርድ ማርክስ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ብጹዕ ካርዲናል ራይናርት ማርክስ ካብ 2013 ዓ.ም. ኣታሒዞም ኣባል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላትን ኮይኖም ብሓባር ምስ እዚ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ህዳሴ ዘገልግል ከምዝኾነን ድሮ እቲ ሕዳሴ እውን ናብ ምዝዛም ገጹ የብል ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ኣወሃሃዲ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ከማተሰምዩን ካብ 2012 ክሳብ 2020 ዓ.ም. እውን ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ከምዘገልገሉን ብገዛእ ፍቓዶም እውን ኣብዚ ሓላፍነት ንቐጻሊ ዓመታት ክሕረዩ ከምዘይደልዩ ኣብቲ እዋን ገሊጾም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

05 June 2021, 15:06