ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ቡርኪና ፋሶ ይጽልዩ፥ ኣፍሪቃ ሰላም የድልያ!

ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዓርቢ ናብ ቀዳም ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ እትርከብ ከተማ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኣደዳ ዝኾኑ ክጽልይን ስድራ ቤቶምን ነቶም በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ከቢድ ስቓይን ንዝርከብ ሕዝቢ ቅርበተይን

ኣብ ሰሜናዊ ምብርቕ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝወረደ ዘስካሕክሕ ኣድማዪ መጥቓዕቲ ዝተሓበሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ነቲ ንዝተጠቕዔን ዝተጐድአን ሕዝቢ ቅርበቶምን ጸሎትምን ከምዝረጋገጹን፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ዝተፈጸመ መጥቓዒ ብዘይ እንተን ስለምታይን ከምዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነታ ብኽቢድ ዓመጽ ዝዓነወት ብሪኪናፋሶ እናሓሰቡ፥

ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 4 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዓርቢ ናብ ቀዳም ዘሰጋግር ለይቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ እትርከብ ከተማ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኣደዳ ዝኾኑ ክጽልይን ስድራ ቤቶምን ነቶም በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ከቢድ ስቓይን ንዝርከብ ሕዝቢ ቅርበተይን ጸሎተይ አረጋግጽ፡ ኣፍሪቃ ዓመጽ ዘይኮነ ሰላም እዩ ዘድልያ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ዓርቢ ምሽት  ኣብ ሰሜናዊ ምስርቕ ቡርኪናሶ ኣብ እትርከብን እታ ሃገር ምስ ኒጀር ካብ ዘዳብዋ ከባቢ ኣዚዩ ዘይርሕ ቝሸት ሶላን ዕለት 4 ሰነ ዓርቢ ለይቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ኣቐዲሙ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ኣጸቢቑ ከቢድ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ፥ እቲ ጸባብጽ ከምዚገልጾ ቈልዑን ኣንስትን ዝርከብዎም ልዕሊ 130 ሰባት ግዳያት ከምዝኾኑን ኣባይቲ ስድራን መሸጣ ኣባይትን ብሓዊ ከም ዝነደደን እዛ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ድኻታት ሃገራት በቲ ምስ ዓል-ቃይዳን ምስ ዳዒሽ ርክብ ብዘለዎ ጅሃዳውያን ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ንነጀው ብዝፍጽምዎ ዓመጽን መጥቓዕትን ኣብ ጽንኩር ኩነት ከምእትርከብ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ 2019 ዓ.ም. ናይ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ክህሉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ

ክሳዕ ሕጂ ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ተሓታቲ እየ ዝብለ ኣካል እውን ኣይሃሉ፡ ጠንቂ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን እተፈጸመ ጃማላዊ ቕትለት ናይ ጅሃዳውያን ኢዲ ከምዘለዎ ክንገር እንከሎ ፡ እታ ቝሸት እትርከበሉ ኣብ መንጐ ቡርኪና ፋሶን ማሊን ኒጀርን ኣብ እተዳብው ኣውራጃ ያጋ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቓዕቲ ኣብዚ  እዋን’ዚ ልዕሊ 1.2 ሚሊዮን ዜጋታት ክመዛበሉን ብዙሓት እውን ንሞትን ማህሰይትን ከምዝዳረገን ኣብቲ ከባቢ  ዘሎ ዓመጽ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ስርሒት ሰላም፥ ናይ ፈረንሳ ወተሃደራት የገልግሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጸብጻብ ልዕሊ 1.800 ከምእተቐትሉ እንከመላኽት ነዚ ብምስትውዓልን ኣብታ ሃገር ዘሎ ውጥረትን ዘይምርግጋእን ግምት ብምሃብ ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ሃገር ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓመጽ ዝቃወም ናይ ሓባር ዘተ ከካይዳ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ዝተፈጸመ ዓመት ይዅንኑ

እቶም በቲ መበል ዓሰርተው ሓደ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ከምእተቐብሩን ናይታ ሃገር መንግስቲ እውን ሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ከምዝኣወጀን፥ እቶም መጥቓዕቲ ዝፈነዉ ንሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ሳሄል ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ብሰፊሕ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ እንክንገር፡ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝን ከምኡ እውን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ፖለቲካን ደሕንነትን ጉዳይ ሓላፊ ጆሰፕ ቦረል፥ ነቲ ዝወረደ መጥቓዕቲ ከምዝኾነኑን ዜና ቫቲካን ገሊጹ፥ ቦረል እውን ብወገኖም ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ቡርኪናፋሶን ምስተን ናይቲ ከባቢ ሃገራትን ብምትሕብባር ጸጥታን ድሕንነትን ውሑስ ኣብ ምግባር ከምእትዓዪን መንግስቲ ኣብተን ልዕሊ ዅሉ እተጐድኣ ዞባታት ህላወኡ ንኸደልድል ኣብ ዘካይዶ ናይ ዜጋታትን ሕይወት ውሑስ ኣብ ምግባር ጻዕሪ ድጋፍ ንምቕራብ ድልው እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

07 June 2021, 15:27