ሕዳሴ ኣብ ሲኖዶስ፥ ካብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ምብጋስ

“እዚ ሓድሽ መስርሕ ሲኖዶስ ንሓድነት ፈተና ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ ነቲ ሓድነት እዚዩ ዘደልድልን ሓድነት ኣብ ፍልልያት ዝብል እዩ” እቲ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ኣብ ሃገር ቫቲካን ብር.ሊ.ጳ. ዝኽፈት ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝዛዘም ሲኖዶስ ሰለስተ ጽፍሕታት ቅድመ ኪደት ዝገበረ እዩ

ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍንቸስኮ ኣብ ሰለስተ ጽፍሕታት ብዝተወደበ ኣገባብ ሰበኻውን፣ ክፍለ ዓለማውያን፣ኵላውን ምይይጥን ልልያን መሰረት ዝካየድ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዝዛዘም ናይ ሰለስተ ዓመት ጉዕዞ ሲኖዶስ ከበግሱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሓደ ነቲ ሕደ ጽን ይብል፡ ኰሎም ድማ ሓቢሮም ንመንፈስ ቅዱስ ይሰምዑ፥ “ነቲ ፍራንቸስኮ ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ዝደልይዎን ዝሓትዎን ዝነበረ ምትሕብባር ዝርእን ጭቡጥ ዝገብርን ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ክካየድ ከምዝኾነን፥ ናይቲ ሲኖዶስ ኣርእስቲ እውን “ንሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሕብረትን ተሳትፎን ተልእኾን” ዝብል ክኸውን እንከሎ እዚ ዝተጸውዐ ሲኖዶስ`ዚ ኣብ ቫቲካን ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብጹዓን ኣበው ሲኖዶስ ተኣኪቦም ዛዕባ ሲኖዶሳውነት ኣማእኺሎም ዘካይድዎ ምይይጥን ኣስተንትኖን ዘቕርብዎ ሕቶታትን ዝህብሉ መልስታትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፍልዩ - ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ንሰለስተ ዓመት ብሰለስተ ጽፍሕታት ተወዲቡ ጽን ብምብህሃልን ብምስትውዓልን ብምምኽኻርን ተሰንዩ ዝካየድ ኰይኑ፥ ኣብዚ ናይ ሰለስተ ዓመት ኪደት እውን ዓለማውያን ምእመናን ካህናትን ልኡካነ ወንጌልን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ጳጳሳትን ካርዲናላትን ቅድሚ ዘካይድዎ ዓሚይቕ ርክብ ክህሉ ዝገብር መደብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዘይንጽል መስርሕ ሲኖዶስ (ኵለንተናዊ ሲንዶስ)

እዚ ናይ ሲኖዶስ ጉዕዝ ዘመላኽት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ብናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኣተሓሒዙ ብዝሃበሉ መብርሂ ወግዓዊ ከምዝኾነን ኣብቲ ሰነድ እውን፥ “ኵለንተናዊ መስርሕ ሲኖዶስ - ዘይንጽል መስርሕ፡ ኣብ ዞባዊት እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብጥልቂ ዘሳትፍ እዩ” እዚ እውን ንኹለን ናይ ላቲን ስርዓትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ነቲ ሓድሽ መስርሕ ዚኖዶስ ኣብ ክውንነት ዝትርጒሞኦ ክኾና ከምዘለወን እውን የመላኽት።

ብስለስተ ጽፍሕታት ተወዲቡ ናብቲ ጠቕላሊ ሲኖዶስ ምባል ዝብል ሓድሽ ኣገባብ

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድም ክብል ማእከላዊ ሲኖዶስ እዩ ልሙድ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ጳውሎስ ሻድይ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባእያውነት ህያው ብምግባር ዲኖዶስ ካብ ማእከላውነት ናብ ወሰናስን ዘይኮነ ካብ ወሰናስን ናብ ሲኖዶስ ዝብል መስርሕ ከምዘአንፈቱን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ናይ ዲኖዶስ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ምኽንያት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ዓለማውያን ምእመናን ጓሶትን ናይ ሮማ ጳጳስን ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ጉዕዞ ይሃሉ”  ቢሎም “እዚ ናይ ሓባር ኪደት እዚ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዘበርትዕን ነቲ ማእከላውነት ዝብል ምፍራስ ዘይኮነ ጥዑይ ኢማእከላውነት ክኸውን መታን እዩ”  እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረ የመላኽት።

እቲ ሲኖዶስ ብወግዒ ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ይኽፈት

“እዚ ሓድሽ መስርሕ ሲኖዶስ ንሓድነት ፈተና ኣይኮነን፡ እኳ ደኣ ነቲ ሓድነት እዚዩ ዘደልድልን ሓድነት ኣብ ፍልልያት ዝብል እዩ” እቲ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ኣብ ሃገር ቫቲካን ብር.ሊ.ጳ. ዝኽፈት ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝዛዘም ሲኖዶስ ሰለስተ ጽፍሕታት ቅድመ ኪደት ዝገበረ እዩ፥ ስለዚህ ካብ ሰበኻን ክፍለ ዓለምን ኵላውን ዝብል ብጭቡጥ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክስማዕን ኵሎም ኣብ ኤቅለሲያዊ ሕይወት ግደ ዘለዎም መላእ ጳጳሳት ብሰበኻ ደረጃ ክሳተፉን ዝድግፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ሰነድ ጠቒሱ የመላኽት።

ሰበኻዊ ደረጃ፥ ምኽሪ ህዝበ እግዚኣብሔር

እቲ ሲኖዶስ ኣብ መላእ ሰበኻታት ዓለም ሰንበት ዕለት 17 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ነቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ  ሃገረ ቫቲካን ዝዛዘም ሲኖዶስ ብመስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎታትን መንፍሳዊ መደባትን ኣቢለን ከበግሳ እየን፡ እቲ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ከምዝሕብሮ፥ “ናይቲ ሓድሽ መስርዕ ዕላማ መላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር ተሳታፊ ንምግባርን ምኽሩ ንምሕታትን ብጠቕላላ ንኹሎም ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ጽን ንምባል” ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሰነድ ናብ መላእ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሕዋርያውያን ቤት ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ናብ ናይ ውፉያን ሕይወት ማሕበር ካህናት ጠቕላሊ ኣሕሉቕ ማሕበርን ናብ ናይ ውፍያይን ሕይወት ደናግል ማሕበር ጠቅላሊ ኣሕሉቕ ማሕበርንን ናብ ፈደራላውያን ማሕበራት ውፉያን ሕይወትን ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓሳት ዓለማውያን ምእመናንን ናብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋማትን ክመሓላለፍ እውን ምዃኑ የመላኽት።

ኣብ ነፈሲ ወከፍ ሰበኻ ሓላፍነት ዝወሃቦ በዓል መዚ

ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ጳጳስ ቅድሚ ወርሓ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንናይ ሰበኻ ጳጳሳት ዘራኽብን ንናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መወከስን ዝኸውን ናይቲ ናይ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝማኸርን ዝመያየጥን ርእይቶ ዘተኣኻኽብ ኣካል ክሰምይ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት እውን ምስቶም ኣብ ሰበኻታት ዝተሰምዩ ብሓባር ዝዓዩ ጉባኤ መማክርት ከቑሙ ከምዘለዎም ይእዝዝ፥ እቲ ጉባኤ መማክርት ናይቲ ዘካይዶ ዕማም ውጽኢት እውን ንብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ የቕርብ እንክብል እቲ መስርሕ ብኸመይ ክካየድ ከምዘለዎ ዘመላኽት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ጓሶት ልልያ

እቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘነቓቕሖ ንምልላን ከምኡ እውን ነቲ ናይ ዝቐርብ ሓሳብ ብምምልካትን ጽማሬ ናይ ምቕራብ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓላፍነት እዩ፡ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ናይ ጽማሬ ሰነድ ናብ ጠቕላሊ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት የመሓላልፍ፥ ስለዚህ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ነቲ ዘቕርቦ ጽማሬ ቅድም ወርሒ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ክኽወን ከምዘለዎ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣመላኺቱ እቲ ቢት ጽሕፈት ጠቕላሊ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ነቲ ካብ መላእ ሃገራት ዓለም ብጽዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝተላእከሉ ናይ ጽማሬ ሰነድ መሰረት ግየሩ ናይ መሳለጢ ዕዩ ሰነድ የቕርብ እዚ ሰነድ እዚ እውን ብተራኡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2022 ዓ.ም. ናብ መላእ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን የመሓላልፍ።

ፍከሊ ዓለማዊ ጽፍሒ፥ ምይይጥን ኣስተውዕሎን

በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ እውን እቲ ካልኣይ ጽፍሒ መስርሕ ዚኖዶስ ይጅመር፡ እዚ ክፍሊ ዓለማዊ ማዕቅፍ ዘለዎ ካልኣይ ደረጃ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ካብ ወርሒ መጋቢት 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ይኸውን፡ ናይዚ መስርሕ ዕላማ እውን ብክፍሊ ዓለማዊ ደረጃ ኣብቲ ጠቕላሊ ናይ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ዕዮ መሳለጢ ዝክረ ንገር መሰረት ገይሩ ዝመያየጠ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ኣብ ነፈሲ ወከፍ ከፍሊ ዓለም ናይ ዝርከቡ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይቲ ዘካየዶ ኣኼባ ጽማሬ መሊሱ ናብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ክሳብ 2023 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ እዋን ንኸመሓላልፎ እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣመላኺቱ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ሲኖድስ እውን ብተራኡ ድሕሪ እዚ ኩሉ ኪደት ነቲ ሳልሳይ ጽሕፍሒ ናይቲ ኣብ ሃቨረ ቫቲካን ንዝካየድ ሲኖዶስ መመያየጢ ሰነድ የቕርብ፥ እቲ ናይ ዕዮ ሰነድ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ዓ.ም. ከቕርብ እውን ትጽቢት ይግበር።

ኵላዊ ጽፍሒ፥ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ዓለም ኣብ ሮማ

እዚ ዅሉ መስርሕ እዚ “ውሽጣዊ ምትሕብባርን ሲኖዶሳውነትን” ቅርጺ ንምትሓዝ ዝኣመተ ክኽውን እንከሎ እዚ ኩነት እዚ እውን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ብመሰረት እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. Episcopalis Communio - ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግው ሕጊ  እቲ ሲኖዶስ ክበዓል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 May 2021, 14:48