2020.10.14 ፈታሒት ቚጻራት ድንግል ማርያም! 2020.10.14 ፈታሒት ቚጻራት ድንግል ማርያም! 

ንመላእ ዘመደ ኣዳም ኣሳሲሮም ንዘለው ቊጻራት እንፈትሓሉ ናብ ፈታሒት ቚጻራት ድንግል ማርያም ዝቀርብ ጸሎት!

ወርሒ ግንቦት ወርሒ ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝጀመረ ናይ ሎምዘመን ወርሒ ግንቦት ብፍላይ ከኣ ነዚ ንዓለምና ምሉእ ኣርዒዱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 እግዚአብሔር ንኽቅንጥጦ ወፈራ ጸሎት መቊጸርያ ንምሉእ ወርሒ ግንቦት ይገብር ዝብል ምሕጽንታ ር.ሊ.ጳ ተቀቢሎም ኣብ ዓለም ምሉእ ኣብ ዝርከባ መካነ ንግደታት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ብዓቢይ መንፈሳውነት ይካየድ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እቲ ካብ ዓቅሚ ንላዕሊ ዝኾነ ለበዳ ዝወረደ ጸገማት ንሱ ብዘስዓቦ ውሸባ ዝተኸስቱ ብሕትውናን ሽቅለት ኣልቦነትን ዘቤታውን ማሕበራውን ዓመጻትን እውን ካልእ ግድል እዩ። እንተኾነ ኩሎም ክሳተፉሉ ዝኽእሉ ምዕባሌ ደቂሰባትን ተበግሶ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነት ነፍሳትን እውን የድሊ። ነዚ ኩሉ ግድላት ንክትፈትሓልና ዝመጽእ ሰኑይ ዕለት 31 ግንቦት 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብታ ኣብ ከተማ ቫቲካን ደኲኖማ ዘለው ምስሊ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ፈታሒት ቊጻራት ምስ መላእ ዓለም ጸሎተ መቊጸርያ ከዕርጉ እዮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ገና ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲና ኣገልግሎት ክህነቶም ኣብ ዝጀመረሉ ምስዛ ፈታሒት ቊጻራት እትብል ድንግል ማርያም ፍሉይ ፍቅሪ ከምዝነበሮምን መንፈሳውነታ ከምዘታኣታተውን ይንገር። ኣብ ማእከል እቲ ሰፊሕ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን እውን ንምስሊ እዛ ብብዙሓት ትፍቶን በበይኑ ምስክርነትን ዝህቡላ ምስሊ ድንግል ማርያም ፈታሒት ቊጻራት ኣሎ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ ከኣ ኣብዚ ዘመንና ምፍታሑ ዝተሳእነና ቊጻር ለበዳ ኮቪድ 19 ጥራይ ዘይኮነ ንሱ ዘስዓቦም ኣብ ግለሰባትስ ይኹን ኣብ ስድራቤታት ኣብ ማሕበረሰባትስ ይኹን ዓለማት ኮታስ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ኣሳሲረን ሒዘን ዘለዋ ቊጻራት ብሕትውናን ሽቅለት ኣልቦነትን ዘቤታውን ማሕበራውን ዓመጻትን መፍትሒ ንክተማልደልና ምስ መላእ ዘመደ ኣዳም ኰይኖም ኣብ ፍጻሜ እታ ወፈራ መቊጸርያ ዝኣወጁላ ወርሒ ግንቦት ዕለት 31 2021 ዓም ጸሎተ መቊጸርያ ከዕርጉ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ።

እዚ ብስም መላእ ዘመደ ኣዳም ዚቀርብ ጸሎት ፍሉይ ሓሳቡ ኣብተን ኣብዚ ግዜ እዚ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዝምልከታ እሞኸኣ ምንም ፍታሕ ከምጸኣለን ዘይከኣለ ቊጻራት ከምዝምልከታ እውን ተገሊጹ። በዚ ከምዚኸስ ሰኑይ ምሸት መዕጸዊ ናይቲ ወፈራ ጸሎተ መቊጸርያ ወርሒ ግንቦት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ጀሚሩ ንመላእ ዓለም ዘወሃሃደ ብምዃኑ ምስ ካልኦት ካብ መላእ ዓለም ዝርከባ መካነ ንግደታት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተመርጻ 30 ቦታታት ብሕብረት ብመራኸቢ ብዙሓን እናተራኸብካ ጸሎት መቁጸርያን ዑደትን ኪካየድ እዩ።

ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን ዚካየድ ቅዱስነቶም ዚሳተፍዎ ጸሎተ መቊጸርያ ብዑደት ዝመርሕዎ ናይ ኣውስበርግ ጳጳስ ኮይኖም ነታ ስእሊ ፈታሒት ቊጻራት ድንግል ማርያም ብምሓዝ ኣብ ጥቃ እቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝርከብ ንግዜኡ ክፉት መካነ ንግደት ዝኾነ ቦታ ክጐዓዙ እዮም። እዚ ዑደት እዚ ኣብ ቊምስና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘግሮቲቸላ ከተማ ቪተርቦ መጀመርያ ቊርባን ዝገበሩ ሕጻናት ከምኡ እውን ኣብ ቊስና ቅዱስ ዶመኒኮስ ዘጉዝማን ቅብዓ ሜሮን ዝተቀበሉ ካብ ጉጅለ እስካውት ሮማ ቁሩባት ቤተሰባትን ገለ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ከም ወከልቲ ምሉእ ሕዝበ እግዚአብሔር ክሳተፉ እዮም። ኣባላት ማሕበር መንእሰያት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንስእሊ ድንግል ማርያም ክሽከሙ ሓለውቲ ር.ሊ.ጳ ጳጳሳት ወተሃደራት እስዊዘርላንድን ሓለዋ ጸጥታ ቫቲካንን ከኣ ብክብሪ ክዕጅብዋ ምዃኖም ከምኡ እውን ብመዘመራን ሰበኻ ሮማን ጉጅለ ባንድ ሙዚኻ ኣሪናዞ ሮማኖን ክምዕርግ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። ብኣዝዮነ ካቶሊካ ዝፍለት ማሕበር ተግባር ካቶሊካውያን ከምኡ እውን ገለ ሓደስቲ መርዑት ገለ ነፍሰጾራት ጸዋዕታ መንፈሳዊ ሕይወት ዝተቀበሉ ጸማማትን ዓባሳትን ዝኾኑ ስድራቤት እውን ነቲ መንፈሳዊ ዑደት ከሰንዩ እዮም።

ድንግል ማርያም ፈታሒት ቊጻራት መን እያ!

ነዛ ድንግል ማርያም ፈታሒት ቊጻራት እትመልክት ኢቆና ወይውን ሥእለ ማርያም ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ኣውግስበርግ እትብሃል ከተማ ትርከብ። ታሪኽ ከምዘመልክቶ ኣብ ዓለባ ብቅብኣ ዘይቲ ብጀርመናዊ ሥነ ጥበበኛን ሰኣልን ጆሃን ጆርግ መልኽዮን እሽሚትነር ኣብ ከባቢ 1700 ዓም ዝተሳእለት ኰይና ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣም ፐርላኽ ትርከብ። እቲ ሥእሊ ከምዝሕብሮ እኖና ድንግል ማርያም ብክልተ መላእኽቲ ተወጢሩ ዝተታሕዘ ጻዕዳ ገመድ ዝርከብ ቊጻራት እናፈትሐት በተን ንተስፋን መለኮታዊ ምሕረትን ዓወት ኣብ ልዕሊ ክፍኣትን ዘመልክታ ቅዱስ መጽሓፋዊ ምልክታት እንክትስነ የመልክት።

ብ2015 ዓም ካብ መላእ ሃገረ ስብከት ባቫርያ ናብ ኣውግስበርግ ዝተገብረ ንግደት እዛ እንኮ መበቆላዊት ሥእለ ማርያም ብጳጳስ ኣውጉስበርግ ብፁዕ ኣቡነ  በርትራም ጆሃነስ ማየር ተሰንያ ከም ህያብ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ቀረበት። ቅዱስነቶም ከኣ ኣብ ማእከል ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን ንኣኣ ዝኸውን ቦታ ክግበር ኣዚዞም ከም ንእሽቶ መካነ ጸሎት ኮነት። ሎምዘመን ነዚ ፍሉይ ወፈራ ጸሎተ መቁጸርያ ኣብ ትሕቲ ምሕጽንታኣ ክዛዝምዎ ሓሳብ ጸሎቶም ከኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ብሓባር ንክንጽሊ ንጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዕዮ ገዛ ሃብዎም። በዚ መሠረት እዚ ከኣ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናልኩም መደብ ምዝዛም ወፍሪ ጸሎተ መቊጸርያ ወርሒ ግንቦት ብጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ብደቂቁ ተሰንድዩ። ቅዱስነቶምስ ይኹኑ ነዚ መደብ እዚ ክሰርዑ መዝነት ዝተዋህቦም ቀንዲ ምኽንያት መረጻ ናይዛ ተኣምራታዊት ሥእሊ ቅዱስ ድንግልም ማርያም ፈታሒት ቊጻራት እንከመልክቱ እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ኣብ ግዜ ኣጋጢሙ ዘሎ ቊጻራት ስቃይ ካብቲ ንኩሉ ዓለም ኣምበርኪኹ ዘሎ ቊጻራት ቅልውላው ጥዕና ጀሚርካ ቊጠባውስ ይኹን ሥነ ኣእምሮኣዊ ከም እውን ቅልውላው ማሕበራዊ ርክባት ዘስዓቦ ቊጻራት ዓመጽን ጭንቀትን ንክንላቀቅ ኣማልድነታ ንምምሕጻን እዩ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልናዮ ቅዱስነቶም ምስዛ ሥእለ ማርያም እዚኣ ፍሉይ መንፈሳውነትን ምትእስሳርን ነበሮም ኣብ ሃገረ ኣርጀንቲና ከኣ መንፈሳውነታ ከምዘደንፍዑ ዝዝከር እዩ።

ሓጺር ታሪኽ ፈታሒት ቚጻራት ድንግል ማርያም!

(ብአባ አሮን ገብረትንሣኤ ሲታዊ)                                          መእተዊ

  ኣብ ሕዝባዊ መንፈሳውነት እዚ ሥእሊ ድ.ማርያም አብ መንግሥተ ሰማያት ኮይና ምስ እተማልዶ ተግባራ ተተሓሒዙ ይርከብ፥ እቲ ቍጻር ብሰንኪ ኃጢኣትና ኣብ ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ጕዕዞና ናይ ዝገጥመና ድኻምነት ጽቡቅ መግለጺ ኮይኑ።  ኣዘውቲርና ናብ ኃጢኣት ንወድቅ፥ ናብ መንፈሳውያን ኃይላት ንኽንምለስ ከዓ ይኸብደና። ከምቲ ቍጻር ዝተወጥረ መጠን፣ መጠኑ ንምፈታሕ ዝኸብደና እዩ። በቲ ብኣማላድነት ድ.ማርያም ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃበና ጸጋ ንዝኾነ ቍጻር ምፍታሕን፤ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ኃጢኣት ምዕዋትን ይከኣል እዩ።   

በዚ ምኽንያት እዚ ድ. ማርያም ፈታሒት ቍጻራት፣ ንእኩይ ብእግራ ክትረግጽ ብእግዚኣብሔር ዝተመርጸት ንባዕላ ክትግለጽ ናባና ትመጽእ፥  ኣባና ክትመጸና ከላ ሥራሕ ክትረኽበልና፣ ጥዕና ክትህበና፣ ሥድራ ቤት ክትዓርቅ፣ .... ኮታስ ንሠናየና እያ ትለኣኽ፤ በዚ መሠረት እዚ ንሕይወትና ዝመለኾ ንናይ ኃጢኣት ቍጻራትና ክትፈትሓልናን  ሽዑ ከም መጠን ደቂ ንጉሥ ነቲ ካብ ዘለዓለም ዝተተስፈወልና ክንቅበልን  ይከኣለና።

ንሳ ምስ ናይ ዓወት ተስፋን ሰላምን ፣ በረኸትን ፣ ዕርቅን ትመጸና፥  ካብ ብዙኅ ዘሳቅዩና ቍጻራት... ኣብ መንጎ ስድራ ወለድን ውሉድን ዚገሃድ ዘይምርድዳእ፣ ኣኽብሮ ምኽላእ፣ ዓመፅ፣  ስእነት ሰላም ኣብ ሥድራ፣ ቃል ኪዳን ምብታን፣ ሓሹሽ፣ ስኽራን፣ ጠላዕ፣ ቁማር፣ ምንጻል ፅንሲ፣ ጭንቀት፣ ፍርሒ፣ ትዕቢት፣... ወዘተ ኵሉ ካብ ሰብን ኣምላኽን ዝፈልዩና እሞ ናብ ሕንፍሸፍሽን ጥፍኣትን ዝመርሑና ቍጻራት ንኽትፈትሓልና ዝተዋህበትና ርኅርኅቲ ኣደ ሥድራ እያ። ሽዑ እንካብ ቍጻራትና ተገላጊልና፣ ብሓጐሰ ንመልእ እሞ ኣብዚ ዓለም ክፋላት ናይ ልቢ ኣምላኽ ወይ ምሕረትን፤ ፍቅሪ ብጻይን፤ ዘስተንፍስ ንኡስ ብልቃጥ ናይ ሽታ ብምዃን ናይ መለኮታዊ ኃይሊ ወይ ሥልጣን መሰኻኽር ንኸውን፣  ብቅኑዕ ፍቅሪ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ድ. ማርያምን ኣምባሳደራት ኮይና ነቶም ብዘይ ምጽንናዕ ንዘእውዩ፣ ብጽምዋ ንዝብልዑ፣ ብቍጻራት ዝተቀፈዱ፣ ነቶም እግዚኣብሔር ንዘይብሎም፣ አቦ ዝሰኣኑ ኣደ ዘይብሎም ዝዘኽተሙ ከነድኅኖም ንኽእል።

ልዕሊ ዅሉ ድ.ማርያም ክትበጽሓና  ከላ ናይ ምሕረት ንግሥቲ፤ ብዛዕባና ንዅሉ እትርዳእ፤ ምእንታና  እትርኅርኅ፤ ንኸተናግፍና እትህንጠ፤ ናብ ፍቁር ወዳ ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና እትጽሊ ኮይና እያ ትመጸልና።   ጐይታ ከይመለሸላዶ ክተርፍ ይከኣሎ ይመስለኩም!!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮሰ ገና ሊ. ጳጳስ ናይ ቡወኖስ ኣየረስ ከለዉ ንጀርመን ኣብ ሰማንያታት  ኪበጽሑ ኣብ ዝኸዱሉ ከም ገጸ በረኸት ነዛ ሥእሊ ናይ  “ማርያም ፈታሒት ቍጻራት ”  ተዋህቡ፣  ምስ ኣንበቡዋ ምስ ትምህርቲ ኣበውን ቤተክርስትያንን ትሳነ ምዃና ርኢዮም ተርጒሞም፤ ኣብ መእተዊ ከመዚ ዝስዕብ ጸሓፉ፤

“...ናይ እኖና ሥእሊ እዩ፤ ኣብ ናይ ሕይወትና ጕዕዞ መዓልቲ መጸ እትረድኣና እያ፣  ንሳ ንረድኤትና ትመጽእ፤ ብኣና ትግደስ፤ ንኢየሱስ ትሕብረና፤ ናብ ኢየሱስ ተበጽሓና።

ንሕና ጸገማትና ነቅርበላ፣ ቍጻራትና ማለተይ እየ፤ ብፍላይ ነቶም ንናይ ሥድራቤትና - ክርስትያናዊ ኣነባብራ አብ ድንገት ንዘእትዉ ነቅርበላ፣ .. እዚ ንዓኣ ዝተወፈየ ጥራዝ ክርስትያናዊ ሕይወትና ብዝበለጸ ንኽነብሮ ዝሕግዘና... ምዃኑ ኣዳዕዲዐ እነግር ኣሎኹ፣ ”  (ቡወነስ ኣየረስ 15 ነሓሰ 1999)፤ ኢሎም ጸሊዮም ንሰበኻታቶም ኣጸሊዮም።

ዓለም፤ ቤተክርስቲያን፤ ኣህጉር፤ ሰበኻ፤ ቍምስና ብሥድራ ቤት ዝቆሙ እያቶም።  ሎሚ ቤተሰብ ሥድራቤት፣መንፈሳውያንን ውፉያትን ማኀበራት ውሽጦም ከመይ ኣለዉ ኢልካ ዝሕተት ኣይኮነን፣ ከይደንጎና ብነፍስን ብሥጋን ንምርዳእ ንቀልጥፍ፤ ክትረድኣና ድልውቲ እያ፤ ኣይነንባዓያ ብኣና ብደቃ ትነብዕ ኣላ፤ሰሚዕና ምምላሽ ኣቢናያ!!!

ብድምጺ ንምክትታል!

ታሪኽ ዝተሸገረት ስድራ

 

እዛ ናብ ፋታሒት ቊጻራት እትግበር መንፈሳውነት ኣብ መፈለምታ መበል 17 ክፍለ ዘመን ኣብ ዓዲ ጀርመን ተቀልቀለት። ታሪኻዊ ጭብጥታት ውሑድ፣ ዝርዝራዊ’ውን ዘይኮነ እዩ።  ብመሠረቱ እቲ ታሪኽ ግልጸት ናይ ማርያም ኣይኮነን፣ ግዳስ ናብታ ንደቂ ሰባት ናይ ጸጋ መስኖ ዝኾነት ናብ እግዝእትነ ማርያም ዚቀርብን ውጽኢታውን  ናይ ወትሩ ናብራ ስድራ ቤት ጸሎት ዝምስክርን እዩ። ኣቶ ቮልፍጋንግን ወ/ሮ ሶፊን ካብ 1612 ሰብ ቃልኪዳን ነበሩ እንተኾነ ድኅሪ ሠለስተ ዓመት ቃልኪዳኖም  ፈተና ረኺብዎ ንፍትሕ ኣቢሎም ይደናደኑ ነበሩ። ምርድዳእ ዝጐደሎን ዝውቱር ቈየቋን ስለዘብዝሑ ኣብ ጫፍ በጺሖም ነበሩ።ቅድሚ ጨሪሾም ምፍልላዮም ግና ራእሲ ቮልፍጋንግ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ደብረ ኢንጎልስታድ (ካብ ኣውጉስቡርግ 50 ኪ.ሜ ዝርሕቀቱ) ብእግሪ ናብ ዓዲ ኣባ ያዕቆብ ረም ማለት ፍሉጥን ብናይ ምልላይ ተውህቦኦም ዝተደንቁን ካህን ዝኾኑ ብእግሩ ገስገሰ። ኣባ ያዕቆብ ረም ናይ ማርያም ማኅበር ኢንግልስታት መሥራቲ ነበሩ። እዚ ማኅበር እዚ “ሠለስተ ጊዜ እትድነቅ” እመቤትና መንፈሳውነት ዝዋሳእ እዩ። ኣብ 1618 ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ብፅዕናኦም ጒዳይ ከኣ ኣብ መስርሕ ዘሎ እዮም። ቮልፍጋንግ ናይ ሓገዝ ሕቶኡ ከቅርብ ከሎ እዞም ኢየሱሳዊ ካህን ነዚ ከቢድ ኲነት ናብ ኣማላድነት ብፅዕቲ እኖና ማርያም ንምምዕቋብ ወሰኑ፣  ምስ ቮልፍጋንግ ኃቢሮም ብመንፈሳውነት ኣዕዚዞም ረድኤት “ሠለስተ ጊዜ እትድነቅ” ድ. ማርያም ተማህለሉ። ናይ ሎሚ ሓላዊት ከተማ ቡወነስ ኣየረስ ናይ ዝኾነት ስእሊ “ድንግል ናይ በረድ” ትበሃል ኣብ ናይቲ ገዳም ቤት ጸሎት ዝተሰቅለት ስእሊ፡ ኣባ ያዕቆብ  ኣብ መንጎ ሰበኪዳን ናይ ዕርቂ ጸጋ ክልምኑ ተንበርከኹ። ኣብ ውሽጢ 28 መዓልቲ ቮልፍጋንግ ኣከታቲሉ ነርባዕተ ቀዳም ዚኣክል  ቀጺሉ ናብዚ ገዳም ኢልጎስታድት እዚ ኣብ ትሕቲ እግሪ ድንግል ማርያም ጒዳይ ምስ ሶፊ ዘለዎ ኪዳን ከንብር ንግደት ስርሔይ ኢሉ ተመላለሰ። እዚ 28 መዓልትታት ዘዘኻኽሮ ከርሲ ሓንቲ ወላዲት ሓዲስ ትንፋስ ዘሰናድወሉ ዕድመ እዩ። በዘን 28 መዓልቲ ናይ ቮልፍጋንግን ወ/ሮ ሶፊን ኪዳን ሓዲስ ብርታዔን ሕይወትን ረኺቡ ተሓደሰ።

ዕርቂ

እዞም ሰበኺዳን ኣብ ሓጺር ጊዜ ብናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናብ እግዚኣብሔር ናይ ዘቅረብዎ ጸሎት ኣወንታዊ ውጽኢት ረኸቡ። ኣብ ቅድሚ ታቦት ድንግል ማርያም፡ ቮልፍጋንግን ኣባ ያዕቆብን ብዘሕለፍዎ ጊዜ  ኲነት ናይዞም ሰበኪዳን በብቁሩብ ናብ ንቡርን ዝተሓደሰ ዓሚቊ ፍቅርን ተለወጠ።  ንፍትሕ ኣወጊዶም ተወሃሂዶም ክሳብ መፈጽምታ ዕድሜኦም ሓቢሮም ብሓጐስ ኣሕለፍዎ። ናይ ረድኤት መጽዋዕታኦም ድንግል ማርያም ሰሚዓ ረድኣቶም፣ እግዚኣብሔር እውን ንዝተደልየ ጸጋ ለገሰሎም።

ፍሉይ ፍጻሜ

ነዚ ብዝምልከት ኣባ ያዕቆብ ብ28 መስከረም ናይ 1615 ዝመስከርዎ ኣብ ቤት ጸሎት ናይ ገዳም ዝተፈጸመ ፍሉይ ፍጻሜ ኣሎ። ናይዚ ፍጻሜ መሰኻኽር ውሑዳትን ኣቀራርባኦም ዝፈላለን እዩ። ከምቲ ዝበሃል ወ/ሮ ሶፊ ኣብ እዋን ተክሊሎም ዝተጠቅምዎ ፍሉይ ሪባን ነባ ያዕቆብ ሂባቶም ነበረት። በቲ ባህሊ ከባቢ ብጊዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሕፁያት ብሓደ ዚእሰሩሉ ሪባን እሞ ዘይፍታሕ ናይ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ብሓባር ኪነብሩ ከለዉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቆየቋኦም ኣብዚ ሪባን ቊጻር ትገብር ነበረት፣ ስለዚ እቲ ኢየሱሳዊ ካህን ፍሉይ ጸሎት ንኺገብሩ  ዝሃበቶም ሪባን ቊጻራት ዝመልኦ ነበረ። ኣብ ቅድሚ እቲ ስእሊ ድንግል ማርያም ኣብ ጸሎት ክንብርከኹ ከለዉ ነዚ ሪባን ብኢዶም ሒዞም ኣብ መንጎ እዞም ሰበኪዳን ሰላም ንዚኸልኦም ቊጻሮም ንኽትፈትሕ ኣበርቲዖም ይጽልዩ ነበሩ።  “በዚ መንፈሳውነት እዚ ናይ ኪዳኖም ሪባን ናባኺ ኣቅርብ ኣሎኹ፣ ንዅለን ቊጻራት ፍትሕዮን ኣቅንዕዮን (ትኽ ኣብሊን) ኢኺ።” እናበሉ ብኽብሪ ናብ ድንግል ማርያም ናይ በረድ ጸለዩ። ኣባ ያዕቆብ እንኪጽልዩ እቲ ቊጻራት ብተኣምራት  ኣብ ጊዜ ቃልኪዳን ቮልፋንግን ሶፊን ከምዝነበረ ጻዕዳን ዘብለጭልጭን ኮነ።

ሞራላዊ ተኣምራት

እዚ ተኣምራት እዚ ገለ ልብወለድ ዘሸትት እዩ። ድሕሪ 300 ሚእቲ ዓመት ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተበራበረ ታሪኽ ብምዃኑ ኣብ ሓድሕዱ ዝተፈላልዩ ሓተታታት ኪግለጽ ናይ ግድን እዩ። ንሕና ከነትኲሮ ዚግበኣና  እቲ “ሞራላዊ ተኣምራት” ዝኾነ ኣብ መንጎ ኣብ ጫፍ ምፍልላይ ዝበጽሐ ናይ ክልተ ሰበኪዳን ናይ ዕርቅን ይቅረ ምብህሃልን ሓቀይና ተኣምራት እዩ። ብጽልእን፣ ቅርሕንትን፣ ቅሬታን ትዕቢትን ምኽንያት ንሰባት ይቅረ ምባል ዘይከኣል ኰይኑ እኳ ኣብ ዝመስለሉ ብኣማላድነት እኖና ድ. ማርያም ዋጋ ዘይርከቦ ኣማላድነታ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዕርቂ ኪገብር ዝኽእል። ሰብ ብስሰዐ ምእንቲ ርእሱ ጥራሕ ይነብር፣ እዚ ከኣ እዩ ምእንቲ ካልኦት ክውፈ ንኻልኦት ክክኽፈት ዘይከኣል ይገብሮ።

ምስጉን ወዲ ወዶም

ድሕሪ ዓመታት ወዲ ወዶም ንቮልፍጋንግን ሶፊን - ሂሮኒሞስ ኣምብሮሲዮስ ቮን ላንገንማንተል (166-1709) ኣብ ውፉይ ሕይወት ኣቲዩ ኣብ ኡጉስቡርግ ናይ ደብረ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣም ፐርላኽ ሓላፊ ኮይኑ ተመደበ። ናይታ ቤተክርስቲያን ሓደ መንበረታቦት ንስድራ ቤቱ ዝኽሪ ኢሉ ወፊዩ፡ ምእንቲ ዝኽሪ ቃል ኪዳን ኣባሓጎኡን ዓባዩን ብኣማላድነት ድንግል ማርያም  ዝተረኽበ ጸጋ ስእሊ ኣስኣለሉ። ስራሕ ባቫርያዊ ቀባኢ ስእሊ ጆሃን መልኪዮር ገዮርግ ሽሚድትነር   ተባሂሉ ኣብ መንጎ 1699-1700 ዝተፈጸመ ይበሃል። ናይ ምክረ ሠናይ ብፅዕት ድንግል ንምዝካር ወሲኑ ነበረ፣ እንተኾነ ናይ ላንገንማንተል ስድራ ታሪኽ ዘዘኻኽር መግለጺ ክውሰኾ ደለየ። እቲ ቅብኢ ኣብ ማእከል መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ንዘላ ብፅዕቲ እኖ ዚገለጽ እዩ። ኣብ ሪባን ንዘሎ ቊጻራት ኣብ ምፍታሕ ተጸሚዳ ብጸጋማይ ወገን መልኣኽ ኪሕግዛ ይርአ። ነቲ ቊጻራት ምስ ፈትሐት ነቲ ዝተፈትሐ ሪባን ማርያም ናብ የማና ንዘሎ መልኣኽ ተሕልፈሉ። እዚ ፍጻሜ እዚ ብንጹር ነቲ ኣብ መስከረም 28/1615 ዝተፈጸመ ተኣምራት የዘኻኽር። እዚ ከኣ ብኣማላድነት ድንግል ማርያም ቊጻራት  ናይ መርዓኦም ሪባን ከምዚተፈትሐ ዘዘኻኽር እዩ። ኣብ ሕይወት እዞም ሰበኺዳን ዝነበረ መንጎኝነት ናይ ማርያም ቦታ የመልክት። ስእሊ ማርያምሲ ነቲ ኣብ ራእዩ ለዮሐንስ ዝተገልጸ ስእሊ ዘመልክት እዩ፦ (ራእ 12:1-2)

 “ ዓቢይ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት ፣ወርኂ ብእግራ ዝረገጸት፣ ዓሠርተው ክልተ ከዋኽብቲ ከም ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፣ ሓንቲ ሰበይቲ ተራእየት። ንሳ ጥንስቲ ነበረት፣ ቅልውላው ስለዝኃዛ ድማ ክትወልድ ትጸዓርን ተእውን ነበረት።”

እታ ሓዳስ ሔዋን ዝኾነት ማርያም ነቲ ርእሲ ተመን ብእግራ ትጭፍልቆ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝተተንበየሉ ተመን ምልኣት ረኸበ፦ “ ንሳ ርእስኻ ክትጭፍልቅ፡ ንስኻ ከዓ ኵርዅሮኣ ክትነክስ ኢኻ።” (ዘፍ፡ 3:15)። ኣብ እግሪ እቲ ስእሊ ጽቡቅ መግለጺ ኣሎ፦ ንጦቢያ ምስ መርዓቱ ኣብ ዝተራእየሉ ዘሰኒ ሊቀ መላእኽቲ ሩፋኤል ይርአ። እቲ ታሪኽ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ናይ መጽሓፈ ጦቢት 5 – 7 ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ መለኮታዊ ምትእትታው ብመንጎኝነት መልኣኽ ዝተፈጸመ መርዓ ጦቢያን ሳራን ዚገልጽ ታሪኽ እዩ። እቲ ተምሳሊት ጦቢያን መልኣኽን ዝተደልየ መርዓ ዘበለ ኲሉ ብፍቃድ እግዚኣብሔር ጽቡቅ ፍጻሜ ንኺረክብ ክሕግዙ መላእኽቲ ከምዚሰድድ ጸቂጡ ይሕብር። ብሽፉን መንገዲ እውን ናይ ቮልፍጋንግ ላንገንማንተል  ሽግር ንምፍታሕ ናብ ገዳም ዘኢየሱሳውያን ካብ ኣምላኽ ረድኤት ንምርካብ ኪኸይድ ዘሰነዮ መልኣኽ ኲነት እውን ዘመልክት ይኸውን። ትውፊት ከምዚሕብሮ ንቮልፍጋንግ ኣብ መንገዲ እንግል ዝተባህለ ገፋፍ ዓሳ ምስ ከልቡ ተጓነፎ። ንቮልፍጋንግ፡ እቲ ገዳም ኣበይ ከምዚርከብ ሓበሮ እሞ እቲ ገፋፍ ዓሳ ህልም ኢሉ ኣሰር ከይገደፈ ተሰወረ!። በቲ ግብሩን ምስጢራዊ ኲነቱን ብግሩህ ትውፊት ብእግዚኣብሔር ዝተላከሉ መልኣኽ ከምዚኾነ ይውሰድ።

        እቲ ቊጻራት ኣብ ምፍታሕ ዝዓለመ ስእሊ ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ቅዱስ ኢረነዩስ ( ኣብ 202 ዝሞቱ ኣቡን ናይ ልዮን) ኣበሃህላ ዘዝኻኽር እዩ። ኣንጻር መናፍቃን ኣብ ዝጸሓፍዎ ቅዱስ ኢረነዩስ፦ “ ናይቲ ናይ ሔዋን ዘይምእዛዛ ቊጻር፡ ብናይ ድንግል ማርያም ተኣዝዞ ፍታሕ ረኸበ። እቲ ሔዋን ብዘይምእማና ዝኣሰረቶ ድንግል ማርያም ብምእማና ፈትሓቶ ” ዝበልዎ ፍጻሜ ረኸበ። ( 3:22 ፡ 4፡ ርኤ. መዝ ሃይ 494)። እቲ ደራሲ ናይዚ ስእሊ ምስ ናይ ቅዱሳን ኣበው ናይ ቤተክርስቲያን ገለ ኣፍልጦ ከምዚነበሮ የመልኽተልና።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ዝግድስ ዘሎ ሰማያዊ ዝሕብሩ ኮይኑ ካባ ናይ ድንግል ማርያም  ብንፋስ ዚወዛወዝ ዘሎ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ መብዝሕትኡ ጊዜ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝነፍስ መለኮታዊ ትንፋስ ወይ ሓያል ንፋስ ተገሩ ይውሰድ (ግሐ 2:2)።ኣብ ጊዜ ጰራቅሊጦስ/ ጰንጠቆስጤ ተረኺባ ብመንፈስ ቅዱስ ዝመልአት  ድንግል ማርያም ብናይ መንፈስ ንፋስ ዝተሸፈነትን በታ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣትነፍር ርግቢት ዝተመሰለትን ተመሲላ ትርከብ። ዘይዕላዊ ብዝኾነ ትርጉም እቲ ሰኣሊ ነቲ ነዊሕ ካባ ካብ ናይቲ ጐይታ ስም ማለት “ላንገንማንተልስ” ብጀርመን “ነዊሕ ካባ” ዝትርጉሙ ዝወሰዶ ሓሳብ እዩ።  

ካልኣይ ክፋል ብድምጺ ንምክትታል!
28 May 2021, 16:36