ካብ ኣውሽዊትዝ ዝደሓና ሊዲያ

መጻኢ ዓለም ኣብ ኣእዳውኩም እዩ፡ ንቓለይ ስምዑ እሞ ናብ ኣውሽዊትዝን ቢርኬናውን ምብጻሕ እኣካይዱ፥ እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይድገም ግበሩ፡ እቲ ኣብኡ ዝተራእየ ታሪኽ ጠሪሹ ክድገም የብሉን

ቤላሩስ ዝመበቈለን ፓላንዳዊት ሊዲያ ማክሲሞዊች ካብ ናይ ናዚ መዳጐን ሰፍርን ካብ ናይ ጆሰፍ መንገል ናይ መድሃኒት መፈተኒ ኮይነን ነዚ ዅሉ ሰጊረን ብሕይወት ዝተረፋ ዕለት 26 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተሳቲፈን ኣብ ምወዳእታ እውን ምስ ቅዱስነቶም ከእምተራኸባን፡ ቅዱስነቶም እውን ኣብቲ ኣብ ቅልጽመን ንዘሎ ስርዓት ናዚ ነቶም ኣብ መዳጐ ሰፈር ዘእትዎም ንዝነበሩ ኣይሁዳውን ዘንብረሎም ዝነበረ ውቓጦ ቁጽሪ ክስዕሙ ከምእተራእዩን እዚ ተግባር እዚ ናይቲ ኣብ ልዕሌአን ዘጓነፈን ዘስካሕክሕ ጸገም ተኻፋልነቶምን ዝምስክርን መጸናንዕን ምዃኑን ካብኡ ሓሊፉ እውን “ሓይሊ ኮነኒ” እንክብላ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንቕዱስነቶም ሰለስተ ህያብ ከምዝለገሳሎምን ገሊጸን፥ ምስ ቅዱስነቶም ተራኺበን ሰላምታ ምስ ተለዋወጣ ኣብ መዳጐን ሰፈር ኣውሽዊትዝ እንከለዋ ስርዓት ናዚ ኣብ ቅልጽመን ዝወቀጦ 70072 ቁጽሪ ቅዱስነቶም ምስ ረኣይዎ ደኒኖም ነቲ ቁጽሪ ክስዕሙን እዚ ድሕሪ 76 ዓመት እቲ ኣብ ኣውሽዊትዝ መዳጐን ሰፈር ዘሕለፈኦ መዓልታዊ ራዕዲ ዘዘኻኽረን ከምዝኾነን ኣብ 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣውሽዊትዝ ምብጻሕ ኣካይዶም ብጽሞና ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝወረደ ኣረመናዊ ግፍዒ እናሓሰቡን ጸሎት ገይሮም ከምዝነበርዎን ነቲ ኣብ ቅልጽመን ዘሎ ቁጽሪ ክስዕሙን ብዘይ መደብ የገዳስ ብቕጽበትን ብባህረትን ብፍቕርን ምንባሩን ንሰን እውን ከሓቝፎእም ከምእተረአያን ነዚ ኹሉ እናሓሰባ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ እቲ ቅዱስነቶም ዝፈጸምዎ “ብሓቂ ሓይሊ ኮነኒ ምስ መላእ ዓለም እውን ክተዓረቕ ገይሩኒ” ይብላ።

ኣብ ኢጣሊያ ምስክርነት ንኽህባ

እዘን ካብቲ መዳጐን ሰፈር ዝተረፋ ሎሚ ኣብ ክራኮቪያ ዝነብራ ካብቶም ካብ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ዝተረፉን ብሕይወት ካብ ዘለዉ ውሑዳት ሓንቲ ዝኾና ሊድያ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ጋሻ ኣብ ኢጣሊያ ቶሪኖ ከተማ ካስተላሞንተ ናይ ዝርከብ ህያው ተዘክሮ ማሕበር፥ ነቲ ኣብቲ “እታ ክትጸልእ ዘይትኽእል ሕጻን” ብዝብል ኣርእስቲ ታሪኸን ዘዘንተው ንምርኢት ኣብ ዝቐረበ ሰነድዊ ምርኢት ዝህቦኦ ምስክርነት ንመንእሰያት ብኣካል ተረኺበን ንኸካፍላ ከምእተዓደማን በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ኣብ ሮማ ብዝርከብ ናይ ሆላንድ ልኡከ መንግስቲ ተዓዲመንን ምስ ር.ሊ.ጳ. ንኽራኸባ ዝነበረ መደብ ክመሓላለፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምጥቃም እውን ዕለት 26 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ምስ ቅዱስነቶም ከምእተራኸባን፥ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት እውን፥

ከምቲ ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣዚየ እየ ዘፍቅሮም፡ ስብከታቶም ኩሉ ብመራኸቢ ብዙሓን ይከታተልን ምእንታኦም ወትሩ እጽልን ንኣኦም እምንትን አፍቅሮምን እየ!

ይብላ።

ክልተ ኣደታት፥ እተን ኣብ ኣውሽዊትዝ ምሳአን ዝነበራ ወላዲተንን እተን ዘዕበየአንን

እቲ ርክብ ተስፋ ዝተነብሮን ኣብ ዝተኸኣለኡን ኣብ ዝፈቐደሉን ኵነት ተፈጺሙን ዕለቱ ኸኣ ኣብ ሃገረን ፖላንድ መዓልቲ ኣደ ምዃኑ ዘኪረን፥ ክልተ ኣደ ከምዘለወንን እተን ቀዳመይቶ ወላዲተን ኣብ ኣውሽዊትዝ መዳጐን ሰፈር ሓቢረን ምስአን ዝተወስዳን ደሓር ድሕሪ 17 ነውሒ ዓመታት ዝተራኸበኤንን፡ እተን ካልአይቲ ዘዕበየአን ፖላንዳዊት ከምዝኾና ይሕብራ፡ ኣብ መዓልቲ ኣደ እውን ነዘን ክልተ ኣዴታት ብፍልዩ ኣብ ዝዝክራሉ ዕለት ዝተፈጸመ ርክብ እውን ብምዃኑ ንዓኤን ፍልዩ ትርጉም ከምዘለዎ ይገልጻ።

ንር.ሊ.ጳ. ዘቕረበኦ ገጸ በረኸት

እቲ ርክብ ኣብ እዋን ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምንባሩ ምሉእ ታሪኸን ንቅዱስነቶም ንኸዘንትዋ ብዘይምኽኣለን እውን፥ ታሪኸን ዘዘንትዋ ተዘክሮ ዘርእስቱ ብናይ ቅብእን ንድፍን ጥበበይና ረናታ ረኪሊክ ዝተሳእለ ሕጻን እንከለዋ ዘርኢ ስእለንን እቲ ካልኣይ ምስ ወላዲተን ኮይነን ነቲ ናብ ቢርክናው መዳጐን ሰፍር ዝወስድ መገዲ ባቡር ብርሑቕ እናጠመታ እንከለዋ ዘርእይን እታ ሳልሰይቲ እውን ተስፋ  ጸሎት ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስሊ ዝተነብሮ መቝጸሪያ ገጸ በረኸት ከምዘቕረባሎም ይሕብራ።

ሊዲያ ገና ጓል ሰለስተ ዓመት እንከለዋ እብ 1941ዓ.ም. ምስ ወላዲተንን ኣደሓጒኤንን ኣቡሓጐኤንን ናብ መዳጐን ዘፈር ከምእተወስዳን ኣብቲ እዋን እውን ሰለስተ ዓመት ዕድመ ከምዝነበረን ይዝክራ፡ ኣብቲ ኣብ መዳጐን ሰፈረ እንከለዋ ናይ ናዚ ናይ ሕክምና ምርምር ቀመማ  ሓላፊ ዶክተር መንገል ንዘካይዶ ዝነበረ ምርምር ቀመማዊ ኣፋውስ ከም መፈተኒ ካብ ዝኾኑ ሓንቲ ከምዝነበራን እቲ ምርምር ኣብ ልዕሌአን ዝተፈጸመ እውን እንተኾነ ከይሞታ ከምዝተረፋን የዘንትዋ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ንመንእሰያት “እቲ ዝሓለፈ ግፍዒ ዳግም ከይኽሰት” ሓደራ እንክብላ ጻውዒት ኣቕሪበን፥

መጻኢ ዓለም ኣብ ኣእዳውኩም እዩ፡  ንቓለይ ስምዑ እሞ ናብ ኣውሽዊትዝን ቢርኬናውን ምብጻሕ እኣካይዱ፥ እቲ ኣብኡ ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይድገም ግበሩ፡ እቲ ኣብኡ ዝተራእየ ታሪኽ ጠሪሹ ክድገም የብሉን!   

እንክብላ ይዛዝማ።

27 May 2021, 15:46