ር.ሊ.ጳ.፥ “ውግእ መግለጺ ፍሽለት ፖለቲካ እዩ” ር.ሊ.ጳ.፥ “ውግእ መግለጺ ፍሽለት ፖለቲካ እዩ” 

ር.ሊ.ጳ.፥ “ውግእ መግለጺ ፍሽለት ፖለቲካ እዩ”

ድሮ ኣብ 190 ሃገራት ጨንፈር ዘለዎን ናብ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ዝግመቱ ተመሃሮ ዝበጽሕ እውን እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ፥ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ድሕር ከይበሉ ዘገልግሉ ንዘለዉ መንስያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦ

ዕለት 20 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ናብ ዝርከብ ናይ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ናብ ዝርከብ ዋና መንበሩ ምብጻሕ ከምዘካየዱን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ብናይ ምስማዐ ርእየት ኣገባብ ከምእተሳተፉን ናይ ኢጣሊያ ሚንስትራት፥ ቢያንኪን ስፐራንዛ ከምእተረኽቡ ኣብቲ ዓውደ ርክብ እውን ናይቲ ጳጳሳዊ ማሕበር ሓደስቲ ተበግሶታት ከምእተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 20 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ኣብቲ ኣብቲ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ ዋና ሕንጻ ተረኺቦም ናይዚ ማሕበር ጨንፈር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ስፐይን ኣብ ከተማ ቫለንሲያ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ከተማ ቻኮን ኣብ ኣውስትራሊያ ከተማ ሲድነይ ሓድስቲ  ናይቲ መሕበር ጨንፈር ከምእተኸፍተ ኣበሲሮም።

ር.ሊ.ጳ. ምተን ኣብቲ ርክብ ዝተስተፋ ናይ ኣርጀንቲና ቀዳማዊት እመቤት ፋቢዮላ ያኘዝ ሰላምታ እንክለዋወጡ
ር.ሊ.ጳ. ምተን ኣብቲ ርክብ ዝተስተፋ ናይ ኣርጀንቲና ቀዳማዊት እመቤት ፋቢዮላ ያኘዝ ሰላምታ እንክለዋወጡ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሕንጻ ምስ በጽሑ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ብመዛሙርን ብድሙቕ ሰላምታን ከምእተቐበልዎም ናይቲ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ማሕበር ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ካብ ርሑቕ ገና ናይ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ኣብ ኣርጀንቲና መሰረት ዘትሓዝዎን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ እቲ ማሕበር ጳጳሳዊ በዓል መሰል ኮይኑ ክቐውም ገይሮምን ኣብዚ እዋን’ዚ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ጨናፍር ኣባይቲ ጽሕፈት የቕውም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ድሮ ኣብ 190 ሃገራት ጨንፈር ዘለዎን ናብ ልዕሊ 1 ሚሊዮን ዝግመቱ ተመሃሮ ዝበጽሕ እውን እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ፥ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ድሕር ከይበሉ ዘገልግሉ ንዘለዉ መንስያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ኣበርቲዕካ ምዕያይ እንታይ ማለት እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፥ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ናብ ምባል እዩ፡ ብኣካል ካብ ቑሸትና ክንወጽእ እኳ እንተዘይከኣልና፡ ብኣእምሮና ክንወጽእ እዩ ዘሎና፡ እቲ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ምርኻብ ባህሊ ንምቛምን ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ኣብ ዝሃንጽ መደብ ትምህርቲ መንእሰያት ዘጠራንፍ እዩ፡ . . . ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ የድሊ . . . ምኽንያቱ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍ ድዅም እዩ ዝኸውን . . . ከምቲ ማይ እንክውሕዝ ጽሩይ ምስ ዝዕየግ ከኣ ዝጨንው፡ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ “ውግእ መግለጺ ፍሽለት ፖለቲካ እዩ”
ር.ሊ.ጳ.፥ “ውግእ መግለጺ ፍሽለት ፖለቲካ እዩ”

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ማሕበር ኣብ ኣርጀንቲና እንክቐውም ናይ መጀመርታ ንጥፍቲ ኣባል ኣብቲ ርክብ ብዝተስተፋ ናይ ኣርጀንቲና ቀዳማዊት እመቤት ፋቢዮላ ያኘዝ ብናይ ኢጣሊያ ናይ ሓለዋይ ጥዕና ሚኒ. ሮበርቶ ስፐራንዛን ብናይ ትምህርቲ ጉዳይ ሚኒ. ፓትሪዚዮ ቢያንኪን ሰላምታ ከምዝቐረበሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃል፥ ውግእ ኣብ ዘለሉ ቦታ ኹሉ ፖለቲካ ይሰዓር፡ ስለዚ መንእሰያት ከመይ ገይሮም ፖለቲካ ክቕይሩ ከምዝክእሉ ንጹር እዩ፡ ካብ ውግእ ናጻ ንምዃን ዘይድግፍን ዘይዝትን ናይ ምርኻብ ባህሊ ዘየተባብዕ ፖለቲካ ዝተሳዕረ ፖለቲካ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶ ምስ ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕና ስፐራንዛ
ቅዱስነቶ ምስ ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕና ስፐራንዛ

“ናይ ፖለቲካ ዓቢይ ፈተና ውግእ እዩ፡ ናይ ሓደ ሃገር ክብሪ ኣጽዋር ኣብ ዘይምምራትን ውግእ ኣብ ምንጻግን ሃብቲ ካብ ንግድ ኣጽዋር ኣብ ዘይምንዳይን እዩ፡ . . . ፖለቲካ እቲ ዝኣበየ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት እዩ፡ መግለጺ ናይ ዝለዓለ ግብረ ሰናይ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ፍቕሪ ደረት ትርኢት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን ይፈሽልን ሕሙምን ድኹም ይኸውን፡ ዝተፈላለየ ሓሳብት ብምእጋድ ምዝታይን ምርኻብን እዚ ኣብ ፖለቲካ ኣገዳሲ እዩ፥ ሓድነትን ስኒት ሓለፋ ዝብል ፖለቲካ ወሳኒ እዩ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎቱ እውን ንሱ እዩ።

ዒላ ምዂዓት ምልክት ዳግመ ልደት

እቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ መንእሰያት ዒላ ምዂዓት ምልክት ዳግመ ልደት ምዃኑ ብምሳልያዊ ትርኢት ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፥ እዚ ተግባር እዚ ናይ ዳግመ ልደት ምልክት እውን እንተኾነ፡  እኮንዶኾናዊ ዘሎ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ማሕበር መረብታዊ ርክብ ኣባይቲ ትምህርቲ እውን ስግኣት ፈሪሑ ተዓጽዩ ኮፍ ዝብል ኣይኮነን፡ ምስጓም የድሊ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ማሕበር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ዒላ ምዂዓት ምልክት ዳግመ ልደት
ዒላ ምዂዓት ምልክት ዳግመ ልደት
21 May 2021, 15:45