መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ይፈጥር! ልብና ንኽፈተሉ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 23 ግንቦት 2021 ዓም በዓለ ጰራቅሊጦስ እንክትዝክር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ ‘ከምቲ ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጤ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝፈጸሞ መንፈስ ቅዱስ ሓደስቲ ፍጥረታት ይገብረን ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ከምእንዋሳእ ይገብር። በዚ ሓድነትን ኩላውነትን ቤተክርስትያን የውሕስ’ እንክብሉ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ንባባት ኩሉ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስን ሥራሑን ምናዳ ከኣ ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጤ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ምውራዱን ዝገልጽ ክፍልታት ነበረ። ብቀንዱ ግን ነቲ ናይ ዕለቱ ፍጻሜ ብዝርዝር ዝገልጽ ‘ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ኩሎም ሓዋርያት ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ካልኦትን ክጽልዩ እንከለው መንፈስ ቅዱስ ከም ልሳናት ሓዊ ኣብ ልዕሊኦም ወረደ’ ዝብል ካልኣይ ምዕራፍ ግብረሓዋርያት ነበረ።

ቅዱስነቶም ቀንዲ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ንኩሉ ነገራት ምሕዳስ ምዃኑ ነዚ ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጤ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ከምዝገበሮ ንሕና እውን ንኩሉ ምጥርጣራትና ከም እንሸንፍ ይገብረና ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ከም እንዋሳእ ገቢሩ ንሓድነትን ኩላውነትን ቤተክርስትያን ክውን ይገብር ኢሎም። እቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ከም ብርቱዕ ንፋስ ዝተገልጸ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ ልብታት ይልውጥ! ካብ ካልኦት ንክንፍለ እንገብሮ መከላኸሊ የፍርስ! ከምኡ እውን ነቲ መሲሉና ውሕስነት ክህበና ኢልና እማነት እነንብረሉ በናኒ ጒዳያትን ፋሕ ብትን የብሎ ኢሎም። ብዙሕ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ከም መደባትና ክኸደልና ኣብቲ ዝኣለምናዮ ጒዳያት ክነእትዎ ንጽዕር እንተኾነ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መደባትና ኣይድረትን እዩ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ መደባትና ኣይድረትን እዩ!

ቅዱስነቶም ነቲ ግሐ ‘ሓምሳ መዓልቲ ድሕሪ ትንሣኤ ኢየሱስ’ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተፈጸመ ታሪኽ እንደገና የዘንትው እሞ እቶም ገና ዘይደልደሉ ሓዋርያት ምስ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ጽርሃ ጽዮን ብሓባር ይጽልዩ ከምዝነበሩ ይዝክሩ። እዚ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ ጐይታ ‘ካብ ላዕሊ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ዝለብሱ ኣብኡ ክጽበዩ’ ስለዝኣዘዞም እዩ። ጐይታ ከኣ ከም ቃሉን ከም ተስፋኡን ብሃንደበት ኣብ ሰማያት ዓቢይ ምልክት ብምግባር ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ መጺኡ ነቲ ዝነበርዎ ገዛ መልኦ። እዚ ተመኲሮ እዚ ብሓቂ ዝተፈጸመ እኳ እንተኾነ ኣምሳላዊ ምልክት ኣለዎ ኢሎም።

“እዚ ፍጻሜ እዚ መንፈስ ቅዱስ ከም ሓያልን ናጻን ንፋስ ምዃኑ ይገልጽ። ክትቆጻጸሮ ኣይከኣል! ደው ክተብሎ ኣይከኣል! ክንዕቅኖ ክንመዝኖ ኣይንኽእል በየን ከምዝመጽእን ናበይ ገጹ ከዝኸይድን እውን ክንፈልጥ ኣይንኽእልን። ኣብ ኩነታትናን ሚዛናን ኣይኣቱን! ኣብ መደባትናን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትናን እውን ኣይስዃዕን። ምስጋና ንጐይታ ይኹን ንድፋዓትናን በናኒ ውሕስነታትናን የዕኑ።”

መንፈስ ቅዱስ ንመከላኸሊናን ናይ ሓሶት ውዕስነትናን የዕኑ!

ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦን ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሰርጽ ዝብሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያኑ ኣብ ልዕሊ ነፍስወከፍናን ይውሕዝ። በዚ ከኣ ንኣእምሮናን ንልባትናን ሕይወት ይህብ። ከመይ ከምቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንደግሞ ‘መንፈስ ቅዱስ ጐይታን ህይወት ዝህብን’ እዩ! ምስ በሉ ናብታ መበቆላዊት ዕለት ናይ ኢየሩሳሌም ምልስ ይብሉ እሞ ‘እቲኦም ሓዋርያት ኢየሱስ ገና ኩሉ ፋሕ ኢልዎም ፍርሂ እውን ውሒጥዎም ነበረ። ካብቲ ዕጽው ገዛ ንምውጻእ ትብዓት ኣይነበሮም` ኢሎም።

“ንሕና እውን እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ውሽጢ እቲ ንክከላኸለልና ዝሃንጽናዮ መናድቅ ክንሕባእ ንደሊ። እንተ ጐይታ ግን ከመይ ቢሉ ከምዝረኽበናን ልባትና ከምዝኸፍትን ይፈልጥ እዩ። ንኩሉ ምጥርጣራትና ኣሸኒፉ መንፈስ ቅዱስ ብምስዳድ የሐይለና መከላኸሊ ኢልና ዝሃነጽናዮ መናድቅ ሃደሽደሽ የብሎ ንሓላፍን በናንን ውሕስነታትና ፋሕፋሕ የብሎ። መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ኣብ ዕለተ ጴንጠቆስጤ ምስ ሓዋርያት ዝገበሮ ንዓና እውን ወትሩ ሓደስቲ ፍጥረ ይገብረና። ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ከም እንዋሳእ ገሩ ሓድነት ይፈጥር።”

መንፈስ ቅዱስ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዋሲኡ ሓድነት ይፈጥር!

ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ፈጺሞም ተውለዊጦም። ከም ቀደሞም ምዕጻውን ፍርህን ገዲፎም ናብ ቃልዕ ወጺኦም ነቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ክሰብኩ ጀሚሮም ነፍሲወከፎም ከኣ በብቋንቋኡ ክሰምዖም ጀሚሩ። ቅዱስነቶም እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እንክገልጹ ‘መንፈስ ቅዱስ ልቢ ይልውጥ ጠመተ ተኸተልቱ ድማ የስፍሕ። በዚ ከምዚ ከኣ ነቲ ዓበይቲ ሥራሓት እግዚአብሔር ከኣ ክንዮ እቲ እቶም ሰማዕቲ ዝሓስብዎን ዝነብርዎን ዝነበሩ ባህላውን እምነታውን ዶባት ብምስጋር ይገብሮ ኢሎም።

“ኣብታ ሁመት እቲኣ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ነቶም ሕዝቢ ክሰምዕዎን ክርድእዎን ብዝኽእሉሉ ኣገባብ ንነፍሲወከፍ ብባህሉን ብቋንቋኡን ከምዝበጽሕዎም ይገብር። ብካልእ ኣዘራርባ መንፈስ ቅዱስ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣዋሲኡ ሓድነትን ኩላውነትን ቤተክርስትያን ይፈጥር። ሎሚ ከም ሎሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ዝብለና ነገር እንተኣልይዎ ኣብ ቤተክርስትያን ምክፍፋልን ካብ ካልኦት ምፍላይን ንዝደልዩ ብዙሓት ጒጅታት እዚ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን ሥራሕ መንፈስ ቅዱሲ ውህደትን ሓድነትን ኰይኑ ንፍልልያት ሓደ ይገብር። በዚ ከምዚ ኸኣ ቤተክርስትያን ናይ ኩሎም ምዃና የርእየና።”

ቤተክርስትያን ናይ ኩሉ እያ!

ቅዱስነቶም ናብ ዝኽሪ ሓደ ንፉዕ ዝበልዎ ካርዲናል ኣብ 2015 ዓም ኣብ 96 ዓመቶም ዝዓረፉ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ካነስትሪ ይጐዓዙ እሞ ‘እዚ ንፉዕ ካርዲናል እዚ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳስ ነበረ። ቤተክርስትያን ከም ሓደ ውሒጅ እያ። እቲ ኣድላዪ ኣብ ውሽጢ እዚ ውሕጅ ምዃን እዩ። እንተ ናይቲ ሓደ ጉጅለ ኣባል ኩን እንተ ናይቲ ካልእ ሓድነት ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ እዩ’ ይብሉ ነበሩ። ስለዚኸስ ቀንዲ ዘድሊ ጒዳይ ኣብ ውሽጢ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ኰይኑ ነቲ ኣብ መንጎ ዘሎ ናኣሽቱ ፍልልያት ዘይምጥማት ማለት ገለኻ ከም ገለ ገለኻ ኸኣ ከም ካልእ ምጽላይስ ይኹን ካልእ ኣገባባት ኣይትጠምት ፍልልይ ናይ እግዚአብሔር ኣይኮነን። ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ብዕለተ ጴንጠቆስጠ ዘርኣየና ቤተክርስትያን ናይ ኩሉ እያ ከመይ መንፈስ ቅዱስ ልብታት ይመልእ ሓዊ ፍቅሩ ከኣ የጐሃህር ኢሎም።  

መንፈስ ቅዱስ ልብታት ይመልእ ሓዊ ፍቅሪ ከኣ የጐሃህር!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ንግሥተ ሰማያት ንምቅራብ ‘እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ወሪዱ ልብታት ኣመንቲ መሊኡ ኣብ ኩልና ሓዊ ፍቅሩ ከቃጽል ንክተማልደልና ንለምና’ ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 May 2021, 10:30

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >