ድለ

በዓለ ጰራቅሊጦስ ሎሚ እውን ኣብ ዓለም ምሕረት ዝወርደሉ ዕለት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰንበት 23 ግንቦት 2021 ዓም በዓለ ጰራቅሊጦስ ብክብሪ ኣብ ዝዝኸረተሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ‘ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዝሃቦ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ዝለዓለ ህያብ ናይ ህያባት ኰይኑ ዝለዓለ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ’ እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ዘተኰረሉ ኣብ ትርጉም መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ እቲ ጐይታ ጰርቅሊጦስሃ እፌኑ ለክሙ ዝበሎ እንታይ ኮን ይኸውን ይብሉ እሞ ኣብ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ከኣ ክልተ ዓበይቲ ትርጉማት ከምዝለዎ ንሰን ከኣ መጸናንዕን ጠበቃን ዝብላ እየን ኢሎም።

ጰራቅሊጦስ  መጸናንዒ!

ኣብ ሕይወትና ጸገም እንከጓንፈና ብቀዳምነት እንደልዮ ምጽንናዕ ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እዚ ምጽንናዕ እንብሎ ግን ብዙሕ ግዜ ብናይ ምድራውን ግዝያውን ነገራት ክኾነንልና ንደልዮ። እዚ ነባሪ ዘይኮነ ግዝያዊ ምጽንናዕ እዚ ግን ከምቲ ንግዚኡ ቃንዛ ኪኣልየልካ እትወስዶ መድሃኒት እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት መድሃኒት ንግዜኡ የደንዝዝ እምበር ኣብ ሕውየት ኣየብጽሕን። እንተ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ግን ከምዘሎናዮ ከምዝተፈቀርና ኣረጋጊጹ ንስምዒታትና ዘይኮነ ንልብና ሰላም ዝልግስ ፍቅሪ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ እዩ እቲ ፍታሕ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንፈስና ይሰርሕ የሰንየና ምንጪ ምጽንናዕና ከኣ ይኸውን። ስለዚ ነፍሲወከፍና ልብና ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ንግበሮ። በዚ ከኣ እቲ ጸልማትን ቃንዛን ብሕትውናን ምጽንናዕ ክረክብ እዩ። እንተ ናይ ዓለም ጉዳይ ግን ኩሉ ጽቡቕ ምስ ዝኸይድ ይንእደካ እንተዘየሎ ይዂንነካ። እዚ ከኣ እቲ ተጻይ መንፈስ ቅዱስ ጸላኤ ሠናይት ዲያብሎስ ዝገብሮ እዩ። እንተ ተመኲሮ ሓዋርያት ግን ተስፋ ዝህብ እዩ። ክንዮ ፍርሆምን ድኻምነቶምን ውድቀቶምን መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ኩሉ ነገሮም ተለዊጡ። እንተ እቲ ድኻምነቶምን ጸገማትቶምን ግን ከምዘሎ ተረፉ። እንተኾነ እዚ ፈጺሙ ኣይፈርሆምን ክውግድዎም እውን ኣይደልዩን። ምጽንናዕ እግዚአብሔርን ደገፉን ብውሽጢ ክሕግዞም ኣፍቀዱ። ነቲ ዝተቀበልዎ ፍቅሪ ንከካፍሉን ንክምስክሩን ከኣ ተበገሱ። ንሕና እውን ናይ ሎሚ ሓዋርያት ኰይና ንመንፈስ ቅዱስ ክንምስክር ነቲ ምጽንናዕ ዝኾነ ጰራቅሊጦስ ኣባና ኣሕዲርና ናብ ካልኦት ቀሪብና ኣጸናናዕቲ ክንከውን ንጽዋዕ ኣሎና። ነዚ ከኣ ብጸሎትን ብቅርበትን እምበር ብሠናይ ቃላት ጥራይ ክንገብሮ የብልናን። ፍቅሪ እግዚአብሔር ናብ ዓለምና ብምምጻእን ንምሕረቱ ብምምስካርን ብታሕጓስ ወንጌል ክንሰብኽ ኣዎንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃልወና እምበር ጌጋታት ካልኦት ክንጽብጽብ የብልናን።

ጰራቅሊጦስ መንጎይና!

ካልአይቲ ትርጉም ጰራቅሊጦስ ጥብቅና ወይውን መንጎኝነት ምዃኑ ዝገልጹ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ሓቂ ኰይኑ ካብ ዝኾነ ምትላል ናይ ክፍኣት ይከላኸለልና ነዚ ከኣ ሓቀይና ሓሳባትን ስምዒታትን ኣብ ልብና ብምፍጣር ይገብሮ፣ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ እዩ ዘቅርበልና እምበር ኣየገድደናን እዩ። እንተ እቲ ናይ ምጥፍፋእ መንፈስ እቲ ክፉእ ፈተና ኣቅሪቡና ክንወድቅ ይወሳውሰና።

ነዚ ፈውሲ ዝኸውን ሠለስተ ፍታሕ ኣሎና። እታ ቀዳመይቲ መንፈስ ቅዱስ ዝመኽረና ኣብ ህልው ኩነታት ክንነብር ክኸውን እንከሎ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ጌታትን ከይንቊረንን ብፍርሂ መጻኢ ተሸቊሪርና ከይንዕነድን ይከላኸለልና። ካብ ሕጂ እንብላ ሁመት እትበልጽ ግዜ የላን። ዘላትና ግዜን ገለ ሠናይ ነገር ክንገብረላ እንኽእልን ሕይወትና ከም ውህበት ክነወፍየላ እንኽእልን ሕጂ እያ።

ኣብ ርእሲ እዚ መንፈስ ቅዱስ ንነገራት ብምልኣት ክንምልከት ይጽውዓና። እዚ ከኣ ክንዮ ገዛእ ርእስና ሰጊርና ንቤተክርስትያን ምስቲ ሰፊሕ ውህበታቱን መንፈሳዊ ሓድነቱን ክንምልከት ይጽውዓና። መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ኣብ ማሕበራትና ሕዳሴ የምጽእ። ነዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ሓዋርያት ዝገበሮ ኣብቶም ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ራእይን ውህበትን ንዝነበሮም ኣወሃሂዱ። መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቀበሉ ከኣ ብኡ ንብኡ ቀዳምነት ነቲ ምሉእ መድብ ኣምላኽ ክህቡ ክኢሎም። ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኢልና እንተሰሚዕና ክንዮ ፍልልያትና ክንጥምትን ንሓድነትን ስምምዕን ኣብ ብዙሕነት ዘሎ ውህደትን ክንቅበል ክንክእል ኢና።

ብሳልሳይ ደረጃ መንፈስ ቅዱስ ምስ እግዚአብሔር ብትሕትና ክንልእም ይጽውዓና። ከምዘልናዮ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክንቀውም ቀዳምነት ንእግዚአብሔርን ንጸጋኡን ክንህብ ይዕድመና። ንጐይታ ቦታ ምእንቲ ክንህብ ንርእስና ባዶ ክንገብር ኣሎና። ከምዚ ብምግባርና ጥራሕ ኢና ንገዛእ ርእስና ክንረክብን ብመንፈስ ቅዱስ ክንህብትምን እንኽእል። እዚ ከኣ ንመላእ ቤተክርስትያን እውን ዘድሊ እዩ። ኣብ መድባትናን ፕሮጀክትታናን ክንህውተት የብልናን። እንታይ ደኣ ቤተክርስትያን ሰብኣዊ ተቊዋም ከምዘይኮነት ወትሩ ክንዝክር ኣሎና። ቤተክርስትያንሲ ቤተመቅደስ መንፈስ ቅዱስ እያ ኢሎም።

ኣብ መደምደምታ ስብከቶም ቅዱስነቶም ነዛ ሓጻር ጸሎት ኣቅሪቦም። ‘ኦ ጠበቃና ዝኾንካ ጥዑም መጸናንዒ ነፍሲ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ መሰኻኽር እግዚአብሔር ነቢያት ሓድነት ቤተክርስትያንን ምሉእ ዘመደ ኣዳምን ከም እንኸውን ግበረና። ኣብታ ንኩሉ ነገራት እትፈጥርን እተሐድስን ጸጋ እግዚአብሔር ዝተመሥረቱ ሓዋርያት ከም እንኸውን ግበረና’ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 May 2021, 11:26