ር.ሊ.ጳ. ናይ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሑሲየን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ር.ሊ.ጳ. ናይ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሑሲየን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሑሲየን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ሕዝቢ ዒራቕን መንግስትን ንዝገበረሎም ኣቐባብላ ዘኪሮም ደጊሞም ምስጋናኦም ከምዘቕረቡን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝትኣተዉ ናይ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒ. ፉኣድ ሑሲየን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ሕዝቢ ዒራቕን መንግስትን ንዝገበረሎም ኣቐባብላ ዘኪሮም ደጊሞም ምስጋናኦም ከምዘቕረቡን ሕዝቢ ዒራቕ ኣብ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ናይ ካልእ ተኣፋፍነት ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ክዓብን እንክብሉ ለበዋኦም ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ሳላሳ ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕን ሕዝቢ እታ ሃገር ዝገበረሎም ፍሱሕ ኣቐባብላን ኣብ ልቦም ህያው ምዃኑ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ብናይ ዒራቕ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፉኣድ ሑሲየን ኣቢሎም ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ ዒራቕ ኣብ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ምትሕልላይን ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ኣብ ምሕላይ ክዓብይ ሓደራ ከምዝበሉን ኣፍሊጡ።

ፉኣድ ሑሲየን ዒራቓዊ ኩርዳዊ ሺዓዊ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ዕለት 6 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣትሒዞም ናይ ሃገሮም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ከምዝኾኑን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ መጋቢት ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ኣብ ባቕዳድ ሓጐፋይ ቢሎም ዝተቐበልዎም ከምዝኾኑን፡ ቅዱስነቶም ናብ ዒራቕ ቅድሚ ምእታዎም ሑሲየን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ሕዝቢ ዒራቕ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሰላምን ምድግጋፍን ሓልዮትን መልእኽቲ ንኽልገሰሉ ብሓንቀውታ ይጽበዩ ኣሎ ቢሎም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፉኣድ ሑሲየን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ኢጣሊያ ናይ መግንስቲ ኣካላት እውን ርክባት የካይዱ ከምዘለዉ የመላኽት።

04 May 2021, 15:59