ድለ

ኢየሱስ ወትሩ ምሳና እዩ! ዋላ ኣብ ዘይነስተውዕለሉ ግዜ እውን! ር.ሊ.ጳ

‘ኦ እግዚኣብሔር፣ ስለምንታይ ደአ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧ […] ኦ እግዚኣብሔር፣ ተንስእ፣ ኦ ኣምላኽ፣ ኢድካ ኣልዕል፣ ንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም። ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፧ ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ’ (መዝ 10 1,12-14)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ዳግም ገጽ ንገጽ ክንረኤኤ ብምኽኣልና ሓጐሰይ ወሰን የብሉን! ምኽንያቱ ከኣ ማንም ኣብ ዘይብሉ ሰኣሊት ካመራ እናጠመትካ በይንኻ ምዝራብ ጥዑም ኣይኮነን። ጸገም እዩ። ሎሚ ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ነዚ መደብ ዝመርሑ ኣቡነ ሳፕየንዛ ምስጋና ይኹኖም ኣብ ጉባኤ ኢና ንገብሮ ምስ በሉ ሎሚ ኣብዚ ገጽ ንገጽ ተጋቢእና ኣሎና። ኣቡነ ሳፕየንዛ ብሓቂ ንፉዕ እዮም። ንሕዝብኻ ክትረክብ ንዓኹም ምርካብ ማለት ንነፍሲወከፍኩም መምስ ታሪኹ ክትረክብ ካብ ሃገረ ጣልያንስ ይኹን ካብ ካልእ ሃገራት ከም ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ኮሎምብያን ወዘተ ንዝመጹ ክትረክብ ጽቡቅ እዩ። ካብ እስዊዘርላንድ ዝመጹ አርባዕተ ኣሕዋት ተጻወቲ ኲዕሶ ሓውቶም እውን ገና ኣብ መንገዲ ኣላ! ንሶም ግን ኣብዚ ኣብ ማእከልኩም ኣለው! ከምኡን ኩሉኹም ንነፍስወከፍኩም እንክርኢ ሓጐስ ይስመዓኒ ከመይ ኩልና ብጐይታ ኣሕዋት ኢና እንክረአአ ስለሓድሕድ ክንጽሊ ይሕግዘና። እቶም ብማዕዶ ዝምልከቱ እውን ወትሩ ቀረባና እዮም። ኣብዚ ብምህላውኩምን ክትበጽሑኒ ብምምጻእኩምን አመስግነኩም። ንመልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ናብ ኩሎም ኣብጽሑ። እቲ መልእኽቲ ኸኣ ር.ሊ.ጳ ስለኩሎም ይጽልዩ ኩሉኹም ብሓባር ከኣ ስለኦም ክትጽልዩ ይምሕጸኑ ዝብል እዩ።

ብዛዕባ ጸሎት እንክንዛረብከስ ብዛዕባ ጸሎት ክርስትያን ኰይኑ ከም ኩሉኡ መነባብሮ ክርስትያን ጸሎት ክርስትያን እውን ሓደ ዑደት እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍን ኣብ ታሪኽን ካብ እንረኽቦም ዓበይቲ ጸሎተኛታት ማንም ካብኦም ጥዒምዎ ጠጢሑ ዝጸለየ የለን። ርግጽ እዩ ከም ሕንጻይ ወይ ፓፓጋሎ ሃለው ለው እናበልካ ክትጽሊ ይከኣል እንተኾነ እዚ ጸሎት ኣይኮነን። ጸሎትሲ ብርግጽ ዓቢ ሰላም ይህብ እንተኾነ ብውሽጣዊ ቅልስ ኣቢሉ እዩ ዝሓልፍ። ሓንሳእ ሓንሳእ እዚ ቅልስ እዚ ከቢድ ኰይኑ ንውሕ ዝበለ ዘመን ሕይወትካ እውን ክወስድ ይኽእል። ምጽላይ ቀሊል ሥራሕ ኣይኮነን በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኢና ንሕና ብዙሕ ግዜ ካብ ምጽላይ እንሃድም። ክንጽሊ ብብርቱዕ ድላይ ምስ እንጅምር ኣብ ኣእምሮና ብዙሕ ጒዳያት ይቅልቀል ካብቲ ጸሎት ንላዕሊ ዝህውኹን ኣድለይትን ኰይኖም ከኣ ይረኣዩና። እዚ ጸገም እዚ ንዓይ ብኣካል ብዙሕ ግዜ የጋጥመኒ። ክጽሊ እኸይድ እሞ ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ገለ ነገር ዘኪረ ኣቀዲመ ነዚ ክገብር ኣሎኒ ዝብል ፈተና ይቅጀለኒ። ቃልሲ እዩ። ካብ ጸሎት ንሃድም! ምኽንያቱ እኳ ክገልጾ እንተዘይከኣልኩ እቲ ወትሩ ዘጋጥምሲ ህድማ እዩ። ምስዚ ዝገርመኒ ከኣ ካብ ጸሎት ንክንሃድም ህጹጽ ጉዳያት ኢልና ንጸሎት ኣድሒርና ምስ ፈጸምናዮም ቀስ ኢልና ምስ ኣስተውዓልና ግን እቲ ህጹጽ ዝበልናዮ ጒዳያት ህጹጽ ከምዘይነበረ ንግንዘብ። ሽዑ ንጠዓስ! ግዜ ጸሎት ኣብኲረ ኢልና ንሓዝን! ጸላኤ ሠናያትከስ ከምዚ ገቢሩ እዩ ዘደናግረና።

ኩሎም ናይ እግዚአብሔር ሰባት ዝኾኑ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ንጣዕሚ ጸሎትን ዝህቦ ዕጋበትን ኣይኮነን ዘዘንትው እንኮላይ ኣብኡ ዘሎ ድኻምን ሃልክን የዘንትው። ከመይ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ መንጎ እምነትን ጽንዓትን ኣገባብ ጸሎትን ንዘሎ ግድል ክትሰግር ኣጸጋሚ እዩ።  ሓደ ቅዱስ ንነዊሕ ዓመታት ደረቅ ዝኾነ ጸሎት ጥቅሙ ከይተረደኤ ጸልዩ። ንጸሎት ንምስንዳእ እትገብሮ ሱቊታ እቲ ጸሎት ንባዕሉ ከምኡ እውን ሓሳብ ምጥርናፍ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ወረ ሓንሳእ ሓንሳእ ባህሪ ወዲሰብ ምጻሩ ይስእኖ እሞ እምብለይ ይብል። ክንዲ ንምጽላይ ኣብ ሓደ ኲርናዕ ቤተክርስትያን ቁሩብ ግዜ ምሕላፍ ኣብ ዝኾነ ኲርናዕ ክንህሉ ምምረጽና። ክጽሊ ዝደሊ ሰብከስ እምነት ቀሊል ከምዘይኮነ ኣቀዲሙ ክፈልጥ ኣለዎ። ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ናብ ተብሎ ዘይብልካ ግብ ኣብ ዝበለ ጸልማት እዩ ዝወስደካ። ኣብ ሕይወት እምነት ናይ ጸልማት ግዝያት ኣለው። በዚ ከኣ እዩ ሓደ ቅዱስ ነዚ ግዝያት እዚ ‘ግብ ዝበለ ጸልማት ለይቲ’ ዝብሎ ከመይ ምንም ኣይስመዓካን። እንተኾነ ጸሎትና ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ።

ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.2726-2728 ኣብ ግዜ ጸሎት ዕንቅፋት ዝኾኑና ኣብ ጸገም ዘእትውና ጉዳያት ይዝርዝር። ሓድሓደ ሰባት ብሓቂ ናብ ከሃሌ ኩሉ ብጸሎት ምብጻሕ የጠራጥሮም እሞ ስለምንታይ እዩ እግዚአብሔር ጸሎተይ ዘይምልስ ሱቊ ዝብል! እግዚአብሔር ከኣል ኩሉ እንተዀይኑ ክልተ ቃል ተዛረቡ ንኩሉ ክቅይሮ ምኸኣለ! ዝብል ፈተና የጥቅዖም። ገሊኦም ከኣ ንመልኮታዊ ሓገዝ ጸሎት ብምጥርጣር ጸሎት ሱቊ ኢልካ ቅሳነት ሥነ ኣእምሮ ንምርካብ ዝግበር እምበር ክንዲ ጥቅሚ የብሉን ስለዚ ብዘይ እምነት እውን ክግበር ይከኣል ይብሉ። ነዚን ካልእ ነዚ ዝመስል ፈተናታትን ይዝርዝር።

እቶም ዝሓሰሙ ጸላእቲ ጸሎት ግን ኣብ ውሽጥና ምዃኖም ትምህርቲ ክርስቶስ ኣይሓብእን። ከምዚ እናበለ ከኣ ይዝርዝሮም። ‘ብግዜ መንፈሳዊ ደርቂ ዘጋጥም ምድሃልን ተስፋ ምቝራጽን፤ “ብዙሕ ጥሪት” ስለዝሓዝና ዝወረደና ሓዘን፤ ንጐይታ ኵለንትናና ከምዘየወፈና የርኢ። ጸሎትና ከም’ቲ ድልየትና ኪስመዓልና ብዘይምርካቡ ምጕሃይ፤ ከም መጠን ኃጢኣተይናታት በቲ ውርደት ምእንቲ ከይንድቈስ፤ ናጻን ብዘይሞያና ዝረኸብናዮ ጸጋን ማለት ጸሎት እዩ፤ ንዚብል ሓሳብ ምቅዋምና…ወዘተ...እቲ መዛዘሚ ወትሩ ንሱ እዩ፤ ጸሎት ምግባር እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ነዚ

መሰናኽላት’ዚ ንምስዓር፤ ትሕትና፣ ተኣማንነትን ትዕግሥትን ቀጻልነትን ንምጭባጥ ክንዋጋእ ኣሎና’ (ቊ.2728) ይብል። እዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ዘቅርቦ ዝርዝር ፈተናታት ቈጺርካ ብዘይውድኡ ዝመሳሰልዎ ነገራት ክነውሕ ዝኽእል እዩ።

ኩሉ ዝፈሸለ ኣብ ዝመስለሉ ግዜ ፈተናኸስ እንታይ ምግባር የድሊ! ታሪኽ መንፈሳውነት በብሓደ እንተተመሊክትና ነዛ ዝገልጽናያ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ኣነጺሮም ከምዝፈልጠዋን ከምዝተመከሩላን ንዕዘብ። ነዛ ፈተና እዚኣ ንምሽናፍ ነፍስወከፎም ዘበርከትዎ ኣበርክቶ ማለት ሓንቲ ናይ ጥበብ ቃል ወይውን ንመንፈሳዊ ድርቀት ከመይ ገቢርካ ከምእትቃለሶ ዘርኢ ንእሽቶ ምኽሪ ወዘተ ኣወፍዮም ሓለፉ። እዚ ዝተወራረቀ ሥነሓሳብ ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልካ ከምዚ እባ ከምዚ እትብሎ ዘይኮነ በቲ ፈተና ተለብሊቦም ጸኒዖም ክሳብ መጨረሻ ጸሎትም ብምቅጻል ኣብ ዓወት ዝበጽሑሉ ተመኲሮ እዩ።

ናይዚ ምኽርታቶም ገለገለ ክፋል ኣሕጽር ኣቢልካ ምጥማቱ ሓጋዚ እዩ። ንኣብነት መንፈሳዊ ሱባኤ ዝብላ ናይ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ዓቢ ጥበብ ዝሓዘ ንእሽቶ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ ንሕይወትካ ከመይ ገቢርካ ከም እትሰርዕ ይምህር። ጸዋዕታ ክርስትና ገድሊ ወይውን ውግእ ከምዝኾነ የረድእ። ጸዋዕታ ክርስትና ኣብ ትሕቲ ሰንደቅ ዓላማ ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን እምበር ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ከይትከውን ምውሳን በዚ ከኣ ዝኸበደ ይኽበድ ወትሩ ጽቡቅ ክትገብር ምቅላስ ምዃኑ የብርህ።  

ኣብ ግዜ ፈተና በይንና ከምዘይኮና ምዝካር ዓቢ ሓገዝ ኣለዎ። ኣብ ጐድንና ኰይን ዝሕልወናን ዝከላኸለላን ከምዘሎና ምዝካር ዓቢ ሓገዝ ኣለዎ። መሥራቲ ምንኲስና ክርስትና ኣብ ግብጺ ቅዱስ እንጦንዮስ አበምኔት ጸሎት ኣብ ዲቅ ዝበለ ውግእ ዝተለወጠሉ ዘርዕድ ግዝያት ኣሕሊፉ ነበረ። ናይ ኣለክሳንድርያ ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እውን ኣብ ዜና መዋዕሉ ካብ ዘስፈሮም ዝሓሰሙ ገድልታት ናይ ሓደ ቅዱስ ባሕታዊ ኣብታ ንብዙሓት ማእከላይ ዕድመ ቅልውላው ዝኾነት መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ ዘሕለፎ ገድሊ የዘንቱ። ቅዱስ እንጦንዮስ በቲ ዘሕለፎ ገድሊ ብጣዕሚ ተጸጊሙ ነበረ እንተኾነ ክሳብ መወዳእታ ጸኒዑ ተጋደለ። ኩሉ ፈተና ሓሊፉ ቅሳነት ረኺቡ ምስ ጐይታ እንከስተንትን ‘ኣታ ጐይታ ኣበይ ነበርካ! ንስቃየይ ብቅልጡፍ ክትኣሉ ስለምንታይ ቀልጢፍካ ዘይመጻእካ! ኢሉ ምስ ሓተተ ኢየሱስ ከኣ ‘እንጦንዮስ ኣብኡ እኮ እየ ነረ። እንተኾነ ቃልስኻ ክርኢ እጽበ ነረ’ በሎ። እዚ ቃልሲ እዚ ቃልሲ ብጸሎት እዩ። ጸሎት ብዙሕ ግዜ ቃልሲ እዩ። ኣብታ ቅድሚ እዚኣ ዝነበርኩላ ሰበኻ እንከሎኹ ዘጋጠመኒ ጉዳይ ቅጅል ይብለኒ። ክልተ ሰብ ሓዳር ጓል ትሽዓተ ዓመት ሕምምቲ ቈልዓ ነበረቶም ሓካይም ከአ እቲ ሕማም እንታይ ምዃኑ ከለልዩ ኣይከኣሉን እንታይ ከምዝገብሩ እውን ጠፊእዎም ነበረ። ኣብ መወዳእቲ እቲ ሓኪም ንኣደ እታ ቈልዓ ጸዊዑ ‘በዓልቤትኪ እስኪ ጸውዒ’ ይብላ። በዓል ቤታ ግን ኣብ ሥራሕ ነበረ ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሕ ሸቃላይ ነበረ። ኣማስያኡ እቲ ኣቦ ምስ መጸ እቲ ሓኪም ‘እዛ ቈልዓ ሎሚ ለይቲ ኣይትሓድርን እያ። ሕማማ ምንም ክንገብሮ ዘይንኽእል መርኸስቲ እዩ’ በሎ። እቲ ሰብ እቲ ምናልባት ወትሩ ሰንበት ናብ ቤተክርስትያን ኣይመላለስን ነሩ ይኸውን እንተኾነ ዓቢ እምነት ነበሮ። እናነብዔ ንበዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ሆስፒታል ገዲፉ ናብ ባቡር ተሳፊሩ ሰብዓ ኪሎሜትር ርሒቁ ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ባዚሊካ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉኻን ጠበቃ ኣርጀንቲና ከደ። ኣብኡ እታ ባዚሊካ ተዓጽያ ጸንሓቶ ከመይ ሰዓት ዓሠርተ ናይ ለይቲ ኣቢሉ እዩ በጺሑ። ናብታ ማርያም ትርከበላ በዓቲ ተጸጊዑ ምሉእ ለይቲ ክጽሊ ሓደረ ንስለ ጥዕና ጓሉ ክጋደል ሓደረ። እዚ ፈጠራ ኣይኮነን። ኣነ ብዓይነይ ዝረኣኽዎ እዩ። እቲ ሰብኣይ ኣብኡ ይጋደል ነበረ። ኣብ መወዳእታ ሰዓት ሽድሽተ ናይ ንግሆ እቲ ቤተክርስትያን ምስ ተኸፍተ ውሽጢ ኣትዮ ንድንግል ማርያም ሰላም ኢሉ ናብ ገዛኡ ተመልሰ። ምሉእ ለይቲ ቃልሲ! ኣብ ቦታኡ ምስ በጽሐ ንበዓልቲ ቤቱ ይደሊ! ይስእና! ኣሮማይ መይታ ማለት እዩ ኢሉ ሓሰበ እንተኾነ ምልስ ኢሉ ‘ኣይፋል ማርያም ነዚ ኣይትገብሮን በለ’ ብልቡ። ከምዚ ኢሉ ከውርድን ከደይብን በዓልቲ ቤቱ ደስ ኢልዋ ናብኡ ገጹ ትመጽእ እሞ ‘እንታይ ከምዝሰዓበ ኣይፈልጥን! ጥዕና እታ ቈልዓ ተለውጢ ሕጂ ሓውያ እያ ይብሉ ኣለው’ በለቶ። እቲ ምሉእ ለይቲ ብጸሎት ክጋደል ዝሓደረ ሰብኣይከስ ዘድሊ ጸጋ ብኣማልድነት እኖና ድንግል ማርያም ረኺቡ። እኖና ድንግል ማርያም ሰሚዓቶ። እዚ ብዓይነይ ዝረኣዂዎ እዩ። ጸሎት ተኣምር ይገብር። ከመይ ጸሎት ትኽ ኢሉ ኣብ ርሕራሔ እቲ ወትሩ ከም ኣቦ ዘፍቅረና እግዚአብሔር እዩ ዝበጽሕ። ኣብታ ዝጸለና ሁመት ነቲ እንብህጎ ጸጋ እኳ እንተዘይሃበና ድሒርና ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና እንግንዘቦ ዝበለጸ ጸጋ ይህበና። ስለዚ ዘድልየና ጸጋ ንምሕታት ወትሩ ብጸሎት ክንቃለስ ኣሎና። ርግጽ እዩ ሓንሳእ ሓንሳእ ዘድልየና ጸጋ ንልምን እንተኾነ ብዘይ እኹል ሃረርታን ብዘይ እኹል ቃልስን ብቀሊሉ ክንረኽቦ ንደሊ! ብሓቂ ብቁምነገር ንእንደልዮም ነገራት ግን ብከምዚ ኣይኮነን ክንልምን ዘሎና እንታይ ደኣ ናይ ውግእ ጸሎት ቅልስ የድልየና እዚ ቅልስ እዚ በይንና ኣይኮነን እንገብሮ ጐይታ ወትሩ ምሳና ኣሎ።

ሓንሳእ ሓንሳእ ኩሉ ግብ ኢሉ ጸልማት ኰይኑ ህላዌኡ ክንርኢ እንተዘይከኣልና ኣብ መጻኢ ክንዕወት ኢና። ኣቦና ያዕቆብ ዝበሎ እንደግመሉ ግዜ እውን ከጋጥመና እዩ። ያዕቆብ ትቅልስ ምስ ሓደረ ‘ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ አሎ፡’ (ዘፍ 28.16) በለ። ኣብ ፍጻሜ ሕይወትና ንድሕሪ ብምጥማት ንታሪኽ ሕይወትና እንክምልከት ንሕና እውን ‘በይነይ ይመስለኒ ነሩ እንተኾነ ለካስ ኢየሱስ ምሳይ ነሩ በይነይ ኣይነበርኩን’ ክንብል ንኽእል ንኸውን። ኩልና ነዚ ክንብል ንኽእል እግዚአብሔር ይሃበለይ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
12 May 2021, 18:56
ንኩሉ ኣንብብ >