ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ ክትባት መድሃኒት ኣእምሮኣውነት ንብረት በዓል መሰል ብዓንተዉ ክውገድ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ ክትባት መድሃኒት ኣእምሮኣውነት ንብረት በዓል መሰል ብዓንተዉ ክውገድ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ናይ ክትባት መድሃኒት ኣእምሮኣውነት ንብረት በዓል መሰል ብዓንተዉ ክውገድ

ተፈጥሮን ሰብን ዝተጣመሩ እያቶም፡ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ውልቃውነት ዝብል መንፈስ ካባና ዘርሕቕን ንናይ ሓባር ረብሓ ንምንቕቓሕ ዘብቅዕ ሓድሽን ለጋስን መንፈስ ክፈጥረና እንከሎ ኣብ ውሳጤና ኣሕዲሩልና እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ክትባት ንሕይወት፥ ዓለም ዘዋህድ ናይ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ምርኢት ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ከያንያንን ስነ ጥበባውያንን ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ብምትሕብባር ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ናብ ኵሉ ንኽባጻሕን ናይ ዘይተገዳስነት ለብዒ ንምብዳህን ኣሚቱ ብዩቲዩብ መረብታዊ ውሕዘት ናብ ዝተኻየደ መደብ ምርኢት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣገዳስነት ፖለቲካ ምስ ቍጠባን ረብሓታትን ምጽብጻብ ኮይኑ ከምዘሎን፡ ወትሩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘመላኽትዎን፥ ቁጠባን ረብሓታቱን ናይ ውሑዳት ዘይኮነ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘማከለ ክኸውን ዘቕርብዎ ለበዋን ስልጣናዊ ትምህርትን ዘቃልሕ ክኸውን እንከሎ፡

እቲ ካብ ሎስ እንጀለስ ብዩቲዩብ ማሕበራዊ መረብት፡ ክትባት ንኹሉ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ብውሁድ ጥዑም ምርኢት ሙዚቃ ዝተሰነየ መደብ ጐስጓስ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደንን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየንን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ናይተን 20 ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ማሕበር ተረይና ኣቦ መንበር ማሪዮ ድራጊን ድጋፎም ብምቕራብ ዝተሳተፍዎን ብምሉእ ዝደገፍዎን ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካብ ሱር ምሕዋይ

ቅዱስነቶም ናብቲ መደብ ምርኢት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ብዋዛ፥ ካብይ ከማኹም ከያኒ ዘይኮንኩን ብዕድመ ካብ ዝደፋእኩን ኣረጋዊ ሰላምታይ ይብጽሕኩም እብል፥ ቢሎም ከምቲ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርትታቶም ደጋጊሞም ዝብልዎ ፥ “ኢፍትሓውነትን እከይን ፈጺሞም ዘይሰዓሩ ኣይኮኑን” ዝብል ሓሳብ ኣቃሊሖም . . . ሓደራኹም ነቶም ብቐሊሉ ዝጥቅዑ ተኣፋፍያን ኣይትረስዑ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ፥

ኣብ ቅድሚ ጸልማትን ስግኣትን ብርሃንን ተስፋን የድሊ። ናይ ፈውስን ድሕነትን ጉዕዞ የድልየና፡ ፈውሲ ክብል እንከለኹ፥ ሱር ምሕዋይ ዝብል እዩ፡ ነቲ ናይ ሕማም ምልክታ ዘይኮነ ነቲ ናይ እከይ መሰረት ዝኾነ ሱር ምሕዋይ የድሊ፡ ኣብ ሰረት-ሕማም ነቲ ናጻ ምዃንናን ማዕረ ከምዝኾንናን እሕዋት እውን ከምዝኾንና ዝሓክኽ ኣብ ቅድሚ ናይ ኣሕዋት ስቓይ ዘይግድሶም ንኽንከውን ዝገብረና ናይ ውልቃውነት ተህዋስ ይርከብ፡

ጥዕና ዝጭፍልቕ ዕዳጋ

ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተተሓሒዙ ልክዕ እቲ ተህዋስ እናተቐያየረ ዝፈጥሮ ዝተፈልየ ዓይነት ለብዒ ከምዘሎ፡ ካልእ ፍልይ ዝበለ ዓይነት ለብዒ እውን የተኣታትው ኣሎ፥ እዚ ኸኣ ዝተዓጽወ ሃገራውነት ዝብልን ነቲ ጸረ ለብዒ ክትባት ዓለም ለኻዊ ክኸውን ዝብል ኣተሓሳስባ ዝጭፍልቕ ተህዋስ ምዃኑ እንክበርሁ፥

እቲ ተህዋስ ዘስዕቦ ካልእ ኣማራጺ-ተህዋስ ካብ ፍቕርን ጥዕናን ደቂሰብ ንላዕሊ ናይ ዕዳጋታት ሕግን ወይ ከኣ ናይ ኣእምሮኣውነት ንብረት በዓል መሰል ዝብል ኣመለኻኽታ ብቐዳምነት ክስራዕ ዝገብር እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሒደት ሃብታማት ዝገብር ውሁዳት ጥራሕ ካብቲ መላእ ሕዝቢ ዓለም ንላዕሊ ጸጋታት ዓለም ዝውንንዎ ክኾኑ ዝገብር ኣገባብ ፍርያት ነህላኽነት ዝብል ነታ ናይ ሓባር ቤትና ዘዕንው ዝሓመመ ቍጠባ ዘተግብር እዩ፥

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ፍትሒ ንገዛእ ርእሱ ንድካታት ክትባት እውን እዩ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ነፍሲ ወከፍ ኢፍትሓውነትን ምንጻልን፥ ንብዙሓት ኣብ ድኽነትን ሕሰምን ክጥንጠኑ ዝድርኽ ተግባርን ተማራኾስቲ እያቶም፡ እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ጽልዋ ከምዘለዎ ብዘመላኸትዎ ሓሳብ ኣቢሎም፡ ነቲ ኣብታ ይሴባሕ ደሓር እውን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲያን መልእኽቶም ዘስመሩሉ ኣምር የቃልሑ፡

ተፈጥሮን ሰብን ዝተጣመሩ እያቶም፡ እግዚኣብሔር ፈጣሪ ውልቃውነት ዝብል መንፈስ ካባና ዘርሕቕን ንናይ ሓባር ረብሓ ንምንቕቓሕ ዘብቅዕ ሓድሽን ለጋስን መንፈስ ክፈጥረና እንከሎ ኣብ ውሳጤና ኣሕዲሩልና እዩ፡ እዚ ኵሉ ሰብኣዊ ፍጥረት እቲ ክትባት ክረክብ ከምዘለዎ ዘመላኽት መንፈስ ፍትሒ ይሕብረና፡ እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ዝተረኽበ ክትባት ናይ ኣእምሮኣውነት ንብረት በዓል መሰል ዝብል ሕጊ ንግዚኡ ደው ክብል በቲ ዘላቕን ሓቋፍን ቅኑዕን ብዝብል ኣገባብ ቍጠባ ክምራሕ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽረና፡

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም መልእኽቶም፥ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ዝዘረኦ ናይ ሰናይን ጽባቔን ዘርኢ ኣፍልጦ ብምሃብ ሓድነትን ሓባራውነትን ሓባራዊ ተስፋታትን ንኸነደልድል መታን ሓድሽ መንፈስ ሕውነትን ተሓባባርነትን ኵላውነትን ክጽግወና ንጸልይ! እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 May 2021, 08:31