ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን

ቅዱስነቶም “ብሓቂ እቲ ካብ ልበይ ዘቕርቦን ንልበይ ዝትንክፈኒ ሕቶ፡ ንሱ ኸኣ ራዲዮ ቫቲካን ሰማዕቲ ዶ ኣለውዎ ዝብል እዩ፥ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣንባቢ ዶ ኣለዎ ዝብል እዩ፡”

ዕለት 24 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣን ራዲዮ ቫቲካንን ቫቲካን ዜናን ኣገልግሎት ዝተፈላለያ ቋንቋታትን ኣብ ዝጥርንፍ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ምራኸቢ ብዙሓን ኣገልግሎት ሕንጻ ምብጻሕ ከምዘካየዱን፡  ምስቶም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ብጋዜጠይናነትን ሰብ ሙያ ዕደ ጥበብን ብጠቕላላ ኣብ ዝተፈላለይ መዳይ ምስ ዘገልግሉ ሰብ ሙያ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ከምእተራኸቡን፥ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ካብ ዝቐውም መበል 160 ዓመት ከምኡ እውን ራዲዮ ቫቲካብ መበል 90 ዓመት ቅዋሜኡ ኣብ ዝብዕለሉ ዘሎ እዋን ዘካየድዎ ምብጻሕ እውን ብምዃኑ ምኽንያት ዓቢይ ሓጐስ ከምዝኾነን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን
ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን

 

ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሮማ ጳጳስ - ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድምጺ ምዃን ዝብል ዕላማ ዘለዎን ብድምጺ ር.ሊ.ጳ. ኣቢሉ እውን ድምጺ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጽምዲ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን
ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሕንጻ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓደ ሰዓት ምብጻሕ ምስ ሰራሕተይናታትንን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ኵሎም ተራኺቦም፡ ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብስራተ ገብርኤል በጺሖምን፥ ኣብ መበል 55 መዓለቲ መራኸቢ ብዙሓን “ንዓ እሞ ርአ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስ ሰባት ኣብ ከመይነቶምን ኣበይነቶምን ብምርኻብ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ሓቂ ምድላይን ምስ ሓቂ ምርኻብን ክህሉን፡ ቅድመ ፍርዳዊ ዘይምትብባዕን እቲ ነዓ እሞ ርአ ዝብል ኣብ ኣበይነተይን ከመይነተይን ተራኸበኒ ዝብል ጻውዒት እዩ፡ ብቕንዕና እቲ ዝረእኻዮ እተራኽብ ኵን፥ ዝራእናዮን ተመክሮ ዝገብርናዮም ብቕንዕና እነራኽብ ክንከውን ጐይታ ክሕግዘና ንጸልይ ዝብል ዘንበርዎ ጸሎት ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕንጻናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብስራተ ገብርኤል
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሕንጻናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብስራተ ገብርኤል

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ፥ በቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ብዝኾነ ራዲዮኦም ኣቢሎም ብጋዜጠይናታት ናይ ዜና ቫቲካንን ራዲዮ ቫቲካንን ሓላፊ ማሲሚሊያኖ መኒከቲን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ኢጣሊያ ሓላፊ ሉካ ኮላዲን ተሰንዮም ብቐጥታ ኣብ ዝተፈነወ መደብ ራዲዮ ከምእተሳተፉን፥ “ብሓቂ እቲ ካብ ልበይ ዘቕርቦን ንልበይ ዝትንክፈኒ ሕቶ፡ ንሱ ኸኣ ራዲዮ ቫቲካን ሰማዕቲ ዶ ኣለውዎ ዝብል እዩ፥ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣንባቢ ዶ ኣለዎ ዝብል እዩ፡” ስለዚህ እቲ እትፍጽምዎ ዕዮ ብርግጽ ጽዑቕን ኣድካምን እዩ፡ ኵሉ እውን ብዝተራቐ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ዝፍጸም እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ናብ ሕዝቢ ይበጽሕ ጾ? ብሓጺር ማዕበል እውን ይኹን . . . ናብ ሕዝቢ ይበጽሕ ዶ? . . . ነዚ እዩ መልሲ ክንህብ ዝግብኣና፡ መልእኽቲ ኢየሱስ - ብዝተፈላለየ ማዕቅናቱ ክሳብ ክንደይ ናብ ሕዝቢ ነብጽሕ? ነዚ መልሲ ዝህብ ኣገልግሎት እዩ ክኸውን ዘለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ተሰንዮም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ታሕተዋይ ኣብቲ ናይቲ ሕጽና ድርቢ ኵሉ በጺሖም ምስ ሰራሕተይንታት ተራኺቦም ሰላምታ ተለዋዊጦምን ናብ መንበሮም ቅድሚ ምምላሶም እውን ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ሓጺር ቃል፥ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይንታት ብጠቕላላ “ተግባራውያንን መሃዝያንን ክኾኑን ነፍሲ ወከፍ እዅል ናጽነት ዘለዎምን ስግኣት ዘይፈርሑን፡ ፍቓድ ሓታቲ ብምዃን ካብ ስግኣት ንምምላጥ ዘይፍትኑን ኵኑ . . . ገቢራውያን እምበር እቲ ዘልምስ ገቢራውነት እትነብሩ ኣይትኹኑ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን
ፍራንቸስኮ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ተግባራውን መሃዝን ናብ ሕዝቢ ዝበጽሕን ይዅን
25 May 2021, 15:34