ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔርን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔርን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔርን

ኣገልግሎትን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ስዊዘርላንድን ዘሎ ሰናይ ርክብን ፍርያም ምትሕብባርን ብፍላይ ኣብቲ ቀንዲ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ኣብቲ ናይ ሓባራዊ ረብሓታት መዳያት ትኵር ዝኾነ ድሕሪ እቲ ሚእቲ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ክሌኣዊ ርክባተን ሎሚ እውን ደጊመን ዘረጋገጻሉ

“ኣብ መኽብብ ዓለም ለኻዊ መሰረታውያን ሕቶታት ሰናይ ርክባትናን ምትሕብባራትናን ነደልድል”፥ እዚ ሓሳብ እዚ ዕለት 6 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኮንፈደራላዊት ስዊዘርላንድ መራሔ መንግስቲ ጉይ ፓርመሊን ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ብኣጽንዖት ዝተሰመረሉ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ሓደስቲ ኣባላቱ ቃለ ማሕላ ኣብ ዝፈጸምሉ ዕለት 6 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኮንፈደርላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ጉይ ፓርመሊን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበሮ፥ ጳጳሳዊ ናይ ስዊዘርላንድ ሓለውቲ ጸጥታ ልግሲ ዝመልኦ ኣገልግሎትን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ስዊዘርላንድን ዘሎ ሰናይ ርክብን ፍርያም ምትሕብባርን ብፍላይ ኣብቲ ቀንዲ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ኣብቲ  ናይ ሓባራዊ ረብሓታት መዳያት ትኵር ዝኾነ ድሕሪ እቲ ሚእቲ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ክሌኣዊ ርክባተን ሎሚ እውን ደጊመን ዘረጋገጻሉ ርክብ ምንባሩ ክፍልጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ኮንፈደራላዊት ስዊዘርላንድ ርእሰ ብሔር ጉይ ፓርመሊን ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 May 2021, 09:13