ድለ

ሰብ ውፉይ ሕይወት ከም ፖሎቲካውያን የማናውያንን ጸጋማውያንን ኣብ ዝብል ፈተና ክወድቁ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ኣብ ጒዕዞን ዕብየትን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተቊዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ካብ ሰኑይ 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 22 ግንቦት 2021 ዓም ዝጸንሕ ጉባኤ ሃገራዊ ሳምንቲ ሰብ ውፉይ ሕይወት የካይዱ ኣለው። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተጋባእቲ ዝኸውን መልእኽቲ ብርእየት/ቪድዮ ከምዘተሓላለፉ እንክምልከት ‘ብዝምባሌታት ግዜን ፍርሕን ተዋሒጦም ኣብ ሥነ ሓሳብ የማናውያንን ጸጋማውያንን ዝብል ፈተና ክወድቁ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ’ እንክብሉ ንውህበት መንፈስ መሥረቶምን ኣብ ጒዕዞን ዕብየትን ክጸንዑ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘመንና ምስ ዝረአ ምዕባሌ ኣተሓሳስባን ናብራን ብምግንዛብ ብዙሓት ማሕበራትን ገዳማትን ዝፈታተን ኣምሰሉነትን ፍርህን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ከም ፖሎቲካውያን ኣብ ምንቅስቃሳት ሥነ ሓሳባት ኣትዮም የማን ዘመም ጸጋም ዘመም ማእከላይ መርገጽ ዘለዎም ተባሂሎ ክፍረጁን ክጐጃጀሉን ክትርኢ ብጣዕሚ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጾም።

እዚ ንመበል ሓምሳ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዓመታቱ እኳ ሓምሳ እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መልእኽቶም! ዓሚ ብለበዳ ኮቪድ 19 ክግበር ስለዘይተኻእለ መበል 49 እውን ክበሃል ከምዝከኣል ገሊጾሞ። እዚ ብሃገራዊ ሶሙን ንተቊዋማት ውፉይ ሕይወት ዝካየድ ሰፊሕ ጉባኤ ሎምዘመን ካብ ናይ ዓሚ ሕይሽ ስለዝበለ ብኣካልን ብቪድዮን ካብ 17 ክሳብ 22 ግንቦት 2021 ዓም ይካየድ ኣሎ።

ብፁዕ ካርዲናል ቦኮስ መሪኖ ጀማሪ መጽሔት ‘ውፉይ ሕይወት’!

ቅዱስነቶም ኣብ ምሥረታን ታሪኽን ናይዚ ጉባኤ ምልስ ይብሉ እሞ ነዚ ዓቢይ ወፈያ ዘበርክት ጉባኤ መበገሲ ዝኾኖ ምስጋና ንእስጳኛዊ ካርዲናል ኣኲሊኖ ቦኮስ መሪኖ ይኹን ነታ ‘ውፉይ ሕይወት’ እትብል መጽሔት ምስ ጅመሩ ኩሉ ክንቀሳቀስ ጀሚሩ። ብዛዕባ ኣባ ኣኲሊኖ እንገልጹ ከኣ ‘ካህንን ገዳማውን ኣባ ኣኲሊኖ ካህንን ገዳማውን ካብ ምዃን ዘንጊዑ ኣይፈልጥን። ነቲ በዛ መጽሔት እዚኣ ኣቢሎም ዝጀመርዎ ሶሙን ሰብ ውፉይ ሕይወት ብቀጻሊ ንዝዘርእዎ በዚ ከኣ ኣብ ሕልና ገዳማውያንን ማሕበራትን ዝፍጠር ሃንቀውታ ርድኢት ውፉይ ሕይወት ንምህብታምን ከምዝፈርን ብምግባሮም ከመስግኖም እደሊ። እዚ ግን ሰብ ውፉይ ሕይውት ምግንዛብን ምርዳእን ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ክነብሩሉን ከፍርዩሉን ኣለዎም። ሥነ ሓሳብ ጥራይ ብዘይ ግብሪ ምንም ኣየገልግልን። ወትሩ ብዝበለጸ ብተግባር ንምንባሩ ምንቅቃሕ የድሊ’ ኢሎም።

ብኣድማሳዊ ተመኲሮ ሃምታምን መዘኻኸሪ ድሩትነትን መደብ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ብቀጥታ ናብ ትሕዝቶ እቲ መደብ ይሰግሩ እሞ ብመንፈስ ቅርበቶም እውን ይገልጹ። እቲ መደብ ብሓቂ ኣድላይን ብዝተፈላለዩ ትምህርታት ሃብታምን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዙሓት ብተመኲሮ ዝበሰሉ ሰባት ነቲ ዝቀሰምዎ ኣድማሳዊ ተመኲሮታት እንክትንትኑ ከምኡ እውን ንዘጋጥሞም ተመኲሮ ድሩትነት ክትርኹ ምስማዕ ንኩሉ መለበምን መሀብተምን ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ነጥቢ እዚ ከም ኣብነት ዝጠቀስዋ እናቴ ሊልያና ፍራንኮ ኤከቨሪ ኰይነን ንኮንፈደረይሽ ገዳማውያት ላቲኖ ኣመሪካ ዝመርሓ እየን። ካብቲ ንሰን ዝህባኦ ምስክርነት ተመኲሮ ሓደ ‘ኣብ ሲኖዶስ ኣማዞ ካብ ዝተቀልቀሉ ድሩትነታት ኣብ ላቲን ኣመሪካ’ ዝብል እዩ። ከምኡ እውን ሊቀጳጳሳት ራባት ሞሮኮ ካርዲናል ክሪስቶባል ሎፐዝ ሮመሮ ‘ኣብ ዓለም ምስልምና ዘጋጥመና ድሩትነት’ ዝብል ክጥቀሱ ይከኣል ኢሎም።  እዚ ዘርእዮ ከኣ ናብራ ሰብ ዉፉይ ሕይወት ዓወት ብዓወት ጥራይ ሰጊረ ኢልካ ተመኲሮኻ ምክፋል ዘይኮነ ዘሎ ድሩትነታት እውን ኣብ ህልው ናብ ዝገልጽ ጉባኤ ምዃኑን ነዚ ንምፍታሕ ከኣ መኻን ኰንካ ንከይትተርፍ ምስ ህልው ኩነታት ምውሳእ ከምዘድሊ እውን ገሊጾም።

መኻን ኰንካ ንከይትተርፍ ምስ ህልው ኩነታት ምውሳእ የድሊ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ናብ ኩሎም ሰብ ውፉይ ሕይወት ዘቅነዔ ሓጺር ግን ከኣ ዓቢ ትሕዝቶ ዘለዎ ‘ምስ ህልው ኩነታት ምውሳእን ኣብቲ ዕለት ዕለት ዘጋጥም ግድላት ዓሚቊ ኣስተንትኖ ምግባርን ግድን እዩ’ እንክብሉ ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ክሳብ መወዳእታ ብተጋድሎ ዝተኸበ ቀጻሊ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዘተን ዘድልዮ ምዃኑ ገሊጾም። እንተዘየሎ ይብሉ ቅዱስነኦትም ሕይወት ሰብ ውፉይ ሕይወት እዘን ነጥብታት እዚኤን ምስ ዝጐድላኦ ‘ናብ መኻንነት ገጹ ዘምቢሉ ብዘይ ፍረ ከይተርፍ የስግእ’ ኢሎም።

“መኻንነት ገሊኤን ተቊዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ስለምንታይ ኢለ እሓትት እሞ ነቲ ጠንቂ ክርኢ ሃሰስ እብል። ብሓፈሻ እንክረኤ ምስ ህልው ኩነታት ዘይምጒዓዝን ዘይምዝታይን ኰይኑ ይረኣየኒ። ነዚ ዕሽሽ ኣይትበልዎ። ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ወትሩ ምስ ህልው ኩነታት ክዋሳእ ኣለዎ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘እወ እንተኾነ ግን ኣብዚ ግዜና ካልእ ዘመናዊ ጉዳይ የድሊ ክብለኒ’ ይኽእል። እንተ ኣነ ኣይፋል መንገዲ ዘተ እያ ተዐውት እብሎ ኢሎም።”

ነዚ ኣብነት እትኾነና ከኣ ቅድስት ተረዛ ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም ምኽንያቱ ከኣ ‘ንህልው ኩነታት ክትርኢ ክኢላ ብኡ ንብኡ ናይ ተሓድሶ መንገዲ መሪጻ በዚ ከኣ ንቅድሚት ገስጊሳ። እንተኾነ ኣብ ጒዕዞ ውፉይ ሕይወትከስ ነዚ ከምዚ ዚኣመሰሉ ናይ ተሓድሶ ምንቅስቃሳት ኪዓጽው ዝፍትኑ እውን ኣይተሳእኑን። ክሳብ ሕጂ እውን ኣለው። ኰይኑ ግን ተሓድሶ ወትሩ ሓደ ጒዕዞ እዩ፡ ኣብዚ ጒዕዞ እዚ ከኣ ምስ ህልው ኩነታት ገጽ ንገጽ ትራኸብ ትዛተ ኣብ ትሕቲ ብርሃን ውህበት ምሥረታ ማህበር ተመርኲስካ ከኣ ትግስግስ። ስለዚ ከምዚ እትገብርዎ ዘሎኹም ጉባኤ ሶሙን ተቊዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ንዝኾነ ፍርሂ ንምስዓር ይሕግዝ’ ኢሎም።

ኣብ ዝምባሌ ሥነ ሓሳባት ምውዳቕ ዘሕዝን እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ውሽጢ ተቊዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝግበር ዘተን ምርድዳእን ሓንሳብ ሓንሳብ ምምቅቃል ስለዝረኤ ዝገደደ ከኣ ከም ኣብ ናብራ ፖሎቲካ እንዕዘቦ ጒጅለይ ጒጅለኻ ናይ እከል ኣተሓሳስባ እባ ናይ እከለ እባ እናበልካ የማናውዶ ጸጋማውዶ ማእከላይ መርገጽዶ እናበልከ ዝጐዓዝ እሞ ከኣ ንውሕስነት ተቊዋምካ ክትብል ዝግበር ምቊጽጻራትን ብሓቂ ከም ዝሕዝኖም ብዘይ ሕብእብእ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሓደ መንፈሳዊ ተቊዋም ሰብ ውፉይ ሕይወት ተሓድሶኡ ብመሠረት ሥነ ሓሳብ ክገብሮ እንከሎ መንነቱ የጥፍእ ፍርያማነቱ ኣጥፊኡ መኻይ ይኸውን ኢሎም።”

መንፈስ ውህበት መሥራቲ ወትሩ ሕያው ይኹን!

ካብዚ ኩሉ ፈተና ንምድሓን ቅድሚ ዝኣገረ ነቶም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ፍሉይ ውህበት ተዓዲሎም ዝተፈላለየ ተቊዋማት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝመስረቱ ውህበት ወትሩ ሕያው ክትገብሮን ኣብ ጒዕዞኻን ኣብ ዕብየትካን ኣጽኒዕካ ክትሕዞ የድሊ። ምስ እዚ ከኣ ናይ ኩሉ ሓዳሲ ምስ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ቀጻሊ ዘተ የድሊ ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ግዝያትስ ይኹን ቦታታት ናይ ዝተፈላለዩ ዘመናትን ኩነታትን ከብርሃልና እዩ። እዚ መንፈስ ምልላይ እንብሎ ኣስተንትኖ ብጸሎት ተሰንዩ እንክዝውተር እንተዘይኰይኑ ብምንም ተኣምር ንመንፈስ ውህበት መሥራቱ ክንበጽሖ ኣይንኽእልን። ብካልእ ኣዘራርባ ሓዋርያዊ ትብዓት የድሊ። ነዚ ጒዕዞ እዚ ከይገበርካ ብመንፈስ ምልላይ እንተዘይተመራሕካን ጸሎት እንተዘየዘውተርካን ክብጻሕ ኣይከኣልን ኢሎም።

ቅዱስነቶም ማሕበራዊ ሕይወት ጣዕሙን ጸገማቱን ኣጸቢቅካ ምፍላጥ የድሊ ብዕምቈት ክትነብሮ ኣሎካ እምበር ጊታር ሒዝካ ብሓንሳብ ብምዝማር ናብራ ሰብ ውፉይ ሕይወት ክሳብ ክንደይ ይጥዕም ምባል በይኑ እኹል ኣይኮነን። ሓቂ እዩ ሓሓሊፍኩም ጊታር ሒዝኩም ዘምሩ ከመይ ምዝማር ከምቲ ቅዱስ ኣገስጢኖስ ‘ገስግዝ ዘምር’ እናበለ ድርብ ጸሎት እዩ ኢሉ ዝገልጾ እዩ። እንተኾነ ምጥንቃቅ የድሊ፡ ከመይ ኣብ ደጋዊ ኩነታት ጥራይ ብምትኳር በቲ ዘሎ ሥነ ሓሳብን ፍርህን ብምእታው ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ተዓጺና ምስ መንፈስ ቅዱስ ዘይኮነ ምስ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከይነዕልል ምጥንቃቅ የድሊ ኢሎም።

ኣብ ቅድሜና ብዘሎ ድሩትነትን ዶባትን ኣይንፍራህ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ‘ድሩትነታት ኣየፍርሁኹም! ዶባት እውን ኣየፍርሁኹም! ሻውላት እውን ኣየፍርሁኹም! እንክብሉ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ስደትን መከራን እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቁ ሽዑ መንፈስ ቅዱስ ክገልጸልኩም እዩ ዝበሎ ኣብ ዝኾነ ኩነት ዝዛረብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢሎም። ‘ስለዝኾነ ከኣ ነፍሲወከፍ ሰብ ውፉይ ሕይወት ንመንፈስ ቅዱስ ክፉት ይኹን’ እንክብሉ ብቃላት ምትብባዕ መልእክቶ ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 May 2021, 12:28