ምስ ኢየሱስ ጸኒዕና ብሓድነት እንተነቢርና ዝሰኣነና ነገር የለን! ምስኡ ኩሉ ይከኣል እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 15.1-8 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊ ንሓዋርያቱ ሎሚ ከኣ ንኣና ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እንክብል ደጋጊሙ ዝተማሕጸኖ ዝገልጽ ንሱ ጒንዲ ወይኒ ንሕና ድማ ጨናፍር ከምዝኾና ዘዘንቱ ክፍሊ ነበረ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እትብል ቃል ኣብዘን ሸውዓተ ኁልቅታት ሸውዓተ ግዜ ይደጋግማ። ንሱ ሓቀኛ ጒንዲ ወይኒ ንሕና ከኣ ኣባኡ ዝጠበቅና ጨናፍር ምዃና ተኻሊኡ ከኣ ኣቦኡ ከምዝኾነ ምስ ገለጸ ሕይወት ክህልወና እንተኾነ ምሳኡ ክንጠብቅ እንተዘየሎ ተቈሪጽና ክንድርበ እሞ ነቂጽና ናብ ሓዊ ክንድርበ ምዃና ይገልጽ። እቲ ዝቊረጽ ጨንፈር ከምቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ወይኑ ጽቡቅ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ዝጽልጽሎ ዓይነት እዩ። ነቲ ፍረ ዝኸልእ ክፍሊ ይጽልጽሎ። የጽርዮ የንጽሖ እንከስምዕ ነቶም ሓዋርያቱ ንስኹም ግን በቲ ካባይ ዝሰማዕኩምዎ ቃለይ ንጹሓት ኢኹም እንክብል ንክነጽሕ ቃሉ ክንሰምዕ ይእዝዝ። ብሕይወት ንምትራፍስ ይኹን ፍረ ንምፍራይ ኣብኡ ጸኒዕና ክንነብር ከምዘሎና ድሕሪ ምምሕጻን ከኣ ኣጻዕድዩ ‘ብዘይካይ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ ምስ በለ ኣብኡ ጸኒዕና እንተነበርናን ብቃሉ እንተነጻሕናን ዝደልናዮ ዘበለ ክንልምን እሞ ከምዝወሃበና የረጋግጸልና። እዚ ግን ሕያው ተሳታፍነት ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ኣብ ኣስትምህሮኦም ገሊጾም።
ብሕያውን እንካ ሃባን ዘለዎ ኣገባብ ምስ ኢየሱስ ጸኒዕካ ምንባር!
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓሙሻይ ሰንበት ትንሣኤ ኣብ እትዝክረሉ ምእመናን በብቁሩብ ኣብ ንቡር ንክምለሱ ዝቃለሱሉ ዘለው ዘመነ ኮቪድ 19 ካብ ዝሓለፋ ሳምንታት እቲ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ዝነበረ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዳግም ክፍጸም ብምጅማሩ ርሕቀቶም ዝሓለውን ዘድሊ መከላኸሊ ዝገበሩን ብዝሕ ዝበሉ ምእመናን ንቅዱስነቶም ይሰምዑ ነበሩ። ቅዱስነቶም ከኣ ኣብታ ኢየሱስ ደጋጊሙ ዝተማሕጸና ማለት ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እትብል ቃል ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ሕብረትን ውህደትን እዚ ግን ምንም ንጥፈት ከይገበርካ እትጐዓዞ ልሙስ ንጥፈት ኣልቦ ተሳትፎ ዘይኮነት ሕያው ርክብ ተዋስኦን ዘተን እንካ ሃባን እሂን ምሂን እትበሃለሉን ርክብ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ምስ ኢየሱስ ዝሰኣነና የልቦን ንኩሉ ንኽእል!
ቅዱስነቶም ኣብቲ በዘልማድ ዝንበር ክርስትናን እቲ ኦሪታዊ ኣታሓሳስባ ትእዛዛት ምሕላውን ናይ ምሕረት ሥራሕ ኣብ ምዝውታርን ዘተኰረ ሕይወት ክርስትና ጽቡቅ እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጉዳይን ኣድላይን መሠረታውን ዝኾነ ቅድምያ ዝወሃቦ ግን ምስ ጐይታ ምውህሃድ ምሳኡ ሓደ ምዃን ኣብኡ ጸኒዕካ ምንባር ምዃኑ ደጊሞም ኣብሪሆም። ምሳኡ ጸኒዕካ ምንባር ንህላዌናን ንክርስትናናን ትርጉም ከምዝህቦ ብዓቢኡ ከኣ ኣሚና ንእንሓቶ ነገር ከምዝህበና የረጋግጸልና።
ንሕና'ውን ከም እነድልዮ ጐይታ ዘርኣዮ ትብዓት!
ቅዱስነቶም ኣብታ ምሳሌ ጐይታ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ከምቲ ጒንዲ ወይኒ ሓገዝ ጨናፍር ዘድልዮ ኢየሱስ እውን ንሕና ነድልዮ ኢና’ ኢሎም። እዚ ኣድላይነት እዚ ግን ብትሕትና ኢየሱስ እኳ ዝግለጽ እንተኾነ ቅዱስነቶም ኩነትና ኣጸቢቁ ዝፈልጥ ኣምላኽ ምስክርነት ሕይወት ክርስትናና ከምዘድልዮ ክገልጽ እንከኣ ዓቢ ትብዓት ይመስል ኢሎም።
ንዓለምና ሕያውነትን ፍቅርን ሰላምን ነምጽእ!
ንሕና ዝንሕናስ ነዚ ከመይ ገቢርና ንኽእሎ እቲ መጋበሪኸ እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍ ዝመላለስ ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ ቅዱስነቶም ‘ነዚ ቀንዲ ውራይና ዝኾነ ጐይታ ዝሃበና ዕዮ ገዛ ንምፍጻም እታ ቀዳመይቲ መጋበሪት ጸሎት እያ። ፍርያምነት ሕይወት ክርስትናና ኣብ ጸሎት እዩ ዝምርኰስ። ብጸሎት ምስ ኢየሱስ ምስ ተዋሃሃድና እታ ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ እትብል ትእዛዙ ንፍጹም ሽዑ ንዓለምን ኣብኡ ንዘሎ ነገራትን ከምቲ ኢየሱስ ገሩ ዝጥምቶ ክንጥምቶ ኢና ቀጺልና ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ክንሓስብ ኢና ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ኢና። ንብጻይና ክንፈቅር ኢና ምናዳ ኸኣ ንድኻን ዝሳቀን። በዚ ከምዚ ከኣ ፍረ ሕያውነት ፍረ ፍቅርን ፍረን ሰላምን ንዓለምና ክነምጽኣሉ ኢና’ ኢሎም።
ነዙይ ኣብነት እትኾነና ኣደ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣደናን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሳ ነቲ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንምምስካር ትደግፈና ቢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ። ድሕሪ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ከኣ ስለ ኣብ ዓለምና ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ምናዳ ኸኣ ኣብ ምያንማር ዘሎ ኩነታት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ሰበሥልጣን እታ ሃገርን ምስ ተማሕጸኑ ነቶም ኣብ ዕለተ በዓለ ትንሣኤ ንዘኽበሩ ምሥራቃውያን ኣብያተክርስትያንን ምእመናኖምን ብሩኽ በዓለ ትንሣኤ ብምምናይን ስለኦም ከምዝጽልዩ ብምምርጋግጽን ብሓዋርያዊ ቡራኬ ደምደሙ።