ድለ

ምስ ኢየሱስ ጸኒዕና ብሓድነት እንተነቢርና ዝሰኣነና ነገር የለን! ምስኡ ኩሉ ይከኣል እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 2 ግንቦት 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጎም ኣብቲ ‘ኣነ ጒንዲ ወይኒ ንስኹም ከኣ ጨናፍር ኢኹም’ ዝብል ቃል ወንጌል ተመርኲሶም ፍቅሪ ኢየሱስ ክንምስክር እንተዀይና ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ኣተኲሮና ኣብ ድኻታትን ዝሳቀዩን ገርና ምሳኡ ጠቢቅና እንተኣገልግልና ዝሰኣነና ነገር ከምዘየሎን ኩሉ ከምእንኽእልን ገሊጾም። ነቶም ኣብ ዕለቱ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብምስዓብ በዓለ ፋሲካ ዘብዓሉን ካልኦት ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋትን ብሩኽ በዓለ ትንሣኤ ተመንዮም ኣብ ጸሎቶም ከምዝዝክርዎም ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 15.1-8 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊ ንሓዋርያቱ ሎሚ ከኣ ንኣና ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እንክብል ደጋጊሙ ዝተማሕጸኖ ዝገልጽ ንሱ ጒንዲ ወይኒ ንሕና ድማ ጨናፍር ከምዝኾና ዘዘንቱ ክፍሊ ነበረ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እትብል ቃል ኣብዘን ሸውዓተ ኁልቅታት ሸውዓተ ግዜ ይደጋግማ። ንሱ ሓቀኛ ጒንዲ ወይኒ ንሕና ከኣ ኣባኡ ዝጠበቅና ጨናፍር ምዃና ተኻሊኡ ከኣ ኣቦኡ ከምዝኾነ ምስ ገለጸ ሕይወት ክህልወና እንተኾነ ምሳኡ ክንጠብቅ እንተዘየሎ ተቈሪጽና ክንድርበ እሞ ነቂጽና ናብ ሓዊ ክንድርበ ምዃና ይገልጽ። እቲ ዝቊረጽ ጨንፈር ከምቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ነቲ ወይኑ ጽቡቅ ፍረ ምእንቲ ክፈሪ ዝጽልጽሎ ዓይነት እዩ። ነቲ ፍረ ዝኸልእ ክፍሊ ይጽልጽሎ። የጽርዮ የንጽሖ እንከስምዕ ነቶም ሓዋርያቱ ንስኹም ግን በቲ ካባይ ዝሰማዕኩምዎ ቃለይ ንጹሓት ኢኹም እንክብል ንክነጽሕ ቃሉ ክንሰምዕ ይእዝዝ። ብሕይወት ንምትራፍስ ይኹን ፍረ ንምፍራይ ኣብኡ ጸኒዕና ክንነብር ከምዘሎና ድሕሪ ምምሕጻን ከኣ ኣጻዕድዩ ‘ብዘይካይ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ ምስ በለ ኣብኡ ጸኒዕና እንተነበርናን ብቃሉ እንተነጻሕናን ዝደልናዮ ዘበለ ክንልምን እሞ ከምዝወሃበና የረጋግጸልና። እዚ ግን ሕያው ተሳታፍነት ክኸውን ከምዘለዎ ቅዱስነቶም ኣብ ኣስትምህሮኦም ገሊጾም።

ብሕያውን እንካ ሃባን ዘለዎ ኣገባብ ምስ ኢየሱስ ጸኒዕካ ምንባር!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓሙሻይ ሰንበት ትንሣኤ ኣብ እትዝክረሉ ምእመናን በብቁሩብ ኣብ ንቡር ንክምለሱ ዝቃለሱሉ ዘለው ዘመነ ኮቪድ 19 ካብ ዝሓለፋ ሳምንታት እቲ ብመስኮት መራኸቢ ብዙሓን ዝግበር ዝነበረ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዳግም ክፍጸም ብምጅማሩ ርሕቀቶም ዝሓለውን ዘድሊ መከላኸሊ ዝገበሩን ብዝሕ ዝበሉ ምእመናን ንቅዱስነቶም ይሰምዑ ነበሩ። ቅዱስነቶም ከኣ ኣብታ ኢየሱስ ደጋጊሙ ዝተማሕጸና ማለት ‘ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ’ እትብል ቃል ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ሕብረትን ውህደትን እዚ ግን ምንም ንጥፈት ከይገበርካ እትጐዓዞ ልሙስ ንጥፈት ኣልቦ ተሳትፎ ዘይኮነት ሕያው ርክብ ተዋስኦን ዘተን እንካ ሃባን እሂን ምሂን እትበሃለሉን ርክብ ክኸውን ከምዘለዎ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ምኽንያቱ ጨናፍር ብዘይ እቲ ጒንዲ ምንም ክገብሩ ኣይክእሉን እዮም እታ ሱር ሕይወት ዝኾነት ምትእስሳር ምስ ጒንዲ ተድልዮም እዚ ከኣ ንክዓብዩን ፍረ ንክህቡን እዩ። እንተኾነ እቲ ጒንዲ እውን እተን ጨናፍር የድልያኦ እየን ከመይ ፍረ ኣብ ጨናፍር እምበር ኣብ ጒንዲ ተኽሊ ኣይኮነን ጠል ዝብል። ስለዚ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ የድልዮ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ጸኒዕካ ምንባር ካብ ክልቲኡ ወገን እዩ ዝድለ። እንተ ንሱ ቃሉ ዘይሕሱ ኪዳኑ ዘይጠልም ስለዝኾነ ወትሩ እሙን እዩ ኣብኡ ኣሎ እንተ ንሕና ጽጉማት ስለዝኾና መጠን ኣብኡ ጸኒዕና ዝነበርናሉ መጠኑ እቲ ናቱ ህላዌ ነስተማቅር። ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ከምቲ ንሱ ከሃሌ ኩሉ ንኩሉ ዝኽእል ንሕና እውን ምሳኡ ንኩሉ ንኽእል ኢሎም።”

ምስ ኢየሱስ ዝሰኣነና የልቦን ንኩሉ ንኽእል!

ቅዱስነቶም ኣብቲ በዘልማድ ዝንበር ክርስትናን እቲ ኦሪታዊ ኣታሓሳስባ ትእዛዛት ምሕላውን ናይ ምሕረት ሥራሕ ኣብ ምዝውታርን ዘተኰረ ሕይወት ክርስትና ጽቡቅ እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ጉዳይን ኣድላይን መሠረታውን ዝኾነ ቅድምያ ዝወሃቦ ግን ምስ ጐይታ ምውህሃድ ምሳኡ ሓደ ምዃን ኣብኡ ጸኒዕካ ምንባር ምዃኑ ደጊሞም ኣብሪሆም። ምሳኡ ጸኒዕካ ምንባር ንህላዌናን ንክርስትናናን ትርጉም ከምዝህቦ ብዓቢኡ ከኣ ኣሚና ንእንሓቶ ነገር ከምዝህበና የረጋግጸልና።

“ምስ ኢየሱስ ጸኒዕና እንተዘይነበርና ጥዑያት ክርስትያን ወይውን ሕያዎት ክርስትያን ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። እንተደኣ ምሳኡ ጸኒዕና ግን ምሳኡ ኩሉ ንኽእል። እንተኾኑ ጐይታ እውን ብወገኑ ንሕና ከም እነድልዮ ብትብዓት ይነግረና ኢሎም።”

ንሕና'ውን ከም እነድልዮ ጐይታ ዘርኣዮ ትብዓት!

ቅዱስነቶም ኣብታ ምሳሌ ጐይታ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ከምቲ ጒንዲ ወይኒ ሓገዝ ጨናፍር ዘድልዮ ኢየሱስ እውን ንሕና ነድልዮ ኢና’ ኢሎም። እዚ ኣድላይነት እዚ ግን ብትሕትና ኢየሱስ እኳ ዝግለጽ እንተኾነ ቅዱስነቶም ኩነትና ኣጸቢቁ ዝፈልጥ ኣምላኽ ምስክርነት ሕይወት ክርስትናና ከምዘድልዮ ክገልጽ እንከኣ ዓቢ ትብዓት ይመስል ኢሎም።

“እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ከም ዕዮ ገዛ ዝሃቦም ቀንዲ ውራይ ማለት ንስብከተ ወንጌሉ ብቃልን ብግብርን ምቅጻልከስ ናትና ቀንዲ ዕዮ ገዛ እውን እዩ። ነዚ ከኣ እቶም ናይ ሽዑ ሓዋርያትን ናይ ሎሚ ሓዋርያት ኢየሱስ ዝኾና ንሕናን ፍቅሩ ብምምስካር ንገብሮ ኣሎና። እቲ ክንፈርዮ ዘሎና ፍረ ንፍቅሩ ናብ ኩሉ ምብጻሕ እዩ። ኣብቲ ሓቀኛ ጒንዲ ወይኒ ዝኾነ ኢየሱስ ከም ሕያው ጨናፍር ጸኒዕና እንተነበርና ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ንቅበል በዚ ከኣ ንብጻይና ክነፍቅር ሠናይ ነገር ክንገብር ኣብ ማሕበረሰብናን ቤተክርስትያናን ሠናይ ነገር ክንገብር ንኽእል። ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ኦም ብፍረኣ እያ እትፍለጥ። ሓቀኛ ሕይወት ክርስትናኸስ ንክርስቶስ ትምስክር። ስለዚ ናብ ዓለምና ሕያውነትን ፍቅርን ሰላምን ክርስቶስ ነብጽሕ ኢሎም።”


ንዓለምና ሕያውነትን ፍቅርን ሰላምን ነምጽእ!

ንሕና ዝንሕናስ ነዚ ከመይ ገቢርና ንኽእሎ እቲ መጋበሪኸ እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ኣብ ሕልና ነፍሲወከፍ ዝመላለስ ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ ቅዱስነቶም ‘ነዚ ቀንዲ ውራይና ዝኾነ ጐይታ ዝሃበና ዕዮ ገዛ ንምፍጻም እታ ቀዳመይቲ መጋበሪት ጸሎት እያ። ፍርያምነት ሕይወት ክርስትናና ኣብ ጸሎት እዩ ዝምርኰስ። ብጸሎት ምስ ኢየሱስ ምስ ተዋሃሃድና እታ ኣባይ ጸኒዕኩም ንበሩ እትብል ትእዛዙ ንፍጹም ሽዑ ንዓለምን ኣብኡ ንዘሎ ነገራትን ከምቲ ኢየሱስ ገሩ ዝጥምቶ ክንጥምቶ ኢና ቀጺልና ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ክንሓስብ ኢና ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ኢና። ንብጻይና ክንፈቅር ኢና ምናዳ ኸኣ ንድኻን ዝሳቀን። በዚ ከምዚ ከኣ ፍረ ሕያውነት ፍረ ፍቅርን ፍረን ሰላምን ንዓለምና ክነምጽኣሉ ኢና’ ኢሎም።

ነዙይ ኣብነት እትኾነና ኣደ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ኣደናን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንሳ ነቲ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንምምስካር ትደግፈና ቢሎም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ። ድሕሪ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ከኣ ስለ ኣብ ዓለምና ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ምናዳ ኸኣ ኣብ ምያንማር ዘሎ ኩነታት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ሰበሥልጣን እታ ሃገርን ምስ ተማሕጸኑ ነቶም ኣብ ዕለተ በዓለ ትንሣኤ ንዘኽበሩ ምሥራቃውያን ኣብያተክርስትያንን ምእመናኖምን ብሩኽ በዓለ ትንሣኤ ብምምናይን ስለኦም ከምዝጽልዩ ብምምርጋግጽን ብሓዋርያዊ ቡራኬ  ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

02 May 2021, 06:41

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >